ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ኣብ መንገዲ ሓድነት፡ ክሳብ ኢየሩሳሌም ንበዓል ኢዮቤል 2033
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ መንገዲ ሓድነት ብሓባር ምጉዓዝ ንኽንጓዓዝ ቀጻልን ትጉህን ጸሎት ከም ዘድሊ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ መዛዘሚ ናይ 29 ሕዳር ምስ መራሕትን ወከልትን መራሕትን ኣብያተ ክርስቲያንን ማሕበረሰባትን ኣብ ናይ ሶርያዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ሞር ኤፍሬም ኢስጣምቡል ተረኾቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘስመሩሉ ሓሳብ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ሓደስቲ ርክባትን ምእዋጅ ወንጌልን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሞር ኤፍሬም ኣብ ዘካየድዎ ምይይጥ ብፍሉይ ነቲ ዕለት 28 ሕዳር ኣብ ኢዝኒክ ዝተኻየደ መበል 1700 ቀዳማይ ኤቁመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ጽምብል ማእከል “ናይ ትስብእቲ ወንጌል” ምንባሩ ጠቒሶም፡ ከምዚ ዘጋጠመና ሓድሽ ርክባትን ህሞታትን ክለዓል ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ ዋላ ምስተን ኣብቲ ጽምብል ክረካብ ዘይከኣላ ኣብያተ ክርስቲያናት እውን ከይተረፈ - ቢሎም - ምፍልላይ ከመይ ጌሩ ንምስክርነት ወንጌል ዕንቅፋት” ምዃኑ እውን ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ኣብ 2033 መንፈሳዊ ጉዕዞ ናብ ኢየሩሳሌም
ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ናብ ኢየሩሳሌም፡ ናብታ ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናይ መወዳእታ ድራር ዘካየደላ ቦታ፡ እግሮም ዝሓጸበሉ ቦታ፡ ከምኡ'ውን ናብ ምሉእ ሓድነት ዝመርሕ ጉዕዞ ጴንጠቆስጠ ቦታ፡ "In Illo Uno Unum - ኣብቲ ሓደ ሓደ ክኾኑ" ዝብል ኤጲስቆጶሳዊ ጭርሖኡ ብምጥቃስ፡ ናብ ኢየሩሳሌም ዝመርሕ ኣብ 2033 ዝበዓል ኢዮቤል በጃ ኣብ ዝወስድ መንፈሳዊ ጉዕዞ ኩሉ ሰብ ብሓባር ክጓዓዝ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
እምነትና ምሕዳስ
ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሞር ኤፍሬም ቀጺሎም ኣብ ዝተነብረ ናይ ክብሪ መዝገብ፡ "ኣብዚ መበል 1,700 ዓመት ናይ ቀዳማይ ኤቑመናዊ ጉባኤ ኒቅያ እነብዕለሉ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ፡ ነቲ ብሓባር ዘሎና እምነት ብምኽባር ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ሓቂ ሰብን ዘሎና እምነት ንምሕዳስ ኢና እንእከብ። ንዅሎም እቶም ኣብዚ እተኣከቡ ሰባትን ንዅሎም እቶም ማሕበረሰባትን ዚውክሉ ኵሉ በረኸት እምነ” ዝብል ጽሑፍ ከም ዝኸተሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
