ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ቁጠባ 'መጋበርያ መፍረዪ' ጥራይ ክኸውን የብሉን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ነቲ “መንደቕ” ዘይምግዳስ ኣፍሪስካ፡ ነቲ ተራ “ናይ ምፍራይ መጋበርያ” ዝኾነ ቁጠባ ምቕያር! ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ካብ ሮማ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ማእከል ማርያፖሊ - ካብ ዕለት 28 ክሳብ ዕለት 30 ሕዳር ዝካየድ ናብ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ቁጠባ ፍራንቸስኮ ንዝሳተፉ ዘለዉ ኣብ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘቕረብዎ ምዕዳን እዩ።
"ምድረ በዳ ክዕምብብ ምግባር"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዕለት 26 ሕዳር ዝኽተምዎ መልእኽቶም፡ መጻኢ ወዲ ሰብ ዝምርኮሰሉ “ሓድሽ ነገራት” ካብ መንእሰያት ንላዕሊ ዝረክብ ሰብ ከምዘየለ ኣስሚሮም፡ ብናይ ፍራንቸስኮ ቁጠባ ኣቢላ ቤተ ክርስቲያን “ቁጠባዊ ኣተሓሳስባን ተበግሶን ዝድቅስ” መንገዲ ከተዕቢ ትኽእል እያ፣ በዚ ድማ “ምድረ በዳ ከይተረፈ ይዕምብብ፡ እወ ፍቑራት ኣዕሩኽ፡ ወንጌል ንስራሕ ደቂ ሰባት ይቕይርን ኣባና ድማ ብዙሕ ህይወት ናብ ዓለም ዝኣትወሉ ለውጢ የምጽእን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ብኽነት ዘይብሉ ቁጠባታት
ብድሕሪ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እናሓሰቡ፡ ዕረፍቶም ኣብ “ጨና ፋሲካ” ከምዘጋጠመ ብምዝካር ሕድሮም ንመንእሰያት ምሁራት ቁጠባ "ጸዋዕታ" ምዃኑ ገሊጾም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ኣብ መንጎኹም ብሓባር ንምንባርን ቍጠባ እትገብረሉ ሓድሽ መገዲ ይውለድ፣ እዚ ኸኣ ስጋውን መንፈሳውን ድሕንነት እምበር ብኽነት ዘየምጽእ እዩ ቢሎም - ኣብ ሓደ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ‘ንማሕበር መንሰያት ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ "ትብዓት ይሃልኹም ክቡራት ኣዕሩኽ! ትብዓት! ንጸዋዕታኹም እሙናት ኮይንኩም እንተጸኒሕኩም፡ ህይወትኩም ክትዕምብብ እያ፡ ንደቅኹምን ደቂ ደቅኹምን ክትነግሩዎም እትኽእሉ ድንቂ ዛንታታት ክህልዉኹም እዮም" እንክብሉ ዝበልዎ ሓሳብ ከም ዝጠቐሱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ከም ብሓድሽ ብምጅማር፡ ኣንፈት ምቕያር
ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ናይ ሎሚ ዓመት ኣኼባ “ቁጠባ ዳግማይ ምጅማር” ዝብል ዝመረጾ መርሕ ቃል ተወኪሶም፡ ዳግማይ ምጅማር ማለት ካብ ተራ “ናይ ምፍራይ መጋበርያታት” ንላዕሊ ዝኾኑ ስርዓታት ህይወት ምምላስ ማለት እዩ፣ ንሰባት፣ ማሕበረሰባትን ናይ ሓባር ገዛናን ህይወት ምምላስ ማለት እዩ።
ዳግማይ ምጅማር ማለት “ሰንሰለት በደል ምብታኽ፡ ዝተጎድአ ምጽጋን፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ክብርን ተስፋን ዘስተንፍሰሉ ቦታታት ምፍጣር ማለት እዩ። ዳግማይ ምጅማር ማለት መስመር ምቕያርን ሓድሽ መንገድታት ምድህሳስን ማለት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቁጠባዊ ምዝባዕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መንእሰያት - ብህይወቶምን ብንግዶምን ብመጽናዕቶምን - ነቲ ዘይምዕሩይነት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎን ንኣናእሽቱን ተቓላዕትን ክከናኸኑ ዘይክእሉን “ዓቕሚ ሓደ ስርዓት” ክቃልዑ ኣተባቢዖም።
"ሕልሚ ኣምላኽ ከመይ ጌሩ ክሰፍሕ ከም ዝኽእል፡ መናድቕን ጽልእን ዝወደቐሉን ሰላም ዝዕንብበሉን ናብ ህዝባዊ ቅያ ክስሕበና ዝኽእል ምዃኑ ብሓባር ክንርኢ ኢና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ስራሕን ማሕበራዊ ስጉምትን
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም መንእሰያት ሰብ ሃብትን ናይ ስነ ቍጠባ ሊቃውንትን ኣውፈርትን ዕዮኦም ምስ ሓላፊ ኣንፈት ዘይኰነስ ብማሕበራዊ ስጕምቲ ኺተሓሓዝ ከም ዘለዎ ተማሕጸኖም። ብዘይካዚ፡ ወንጌልን ቅዱስ መጽሓፍን ብምንባብ ንመንፈሶም ኪምግቡን ‘ናብ ልቦም ኪምለሱን’ ዓደሞም፣ እዚ ኸኣ “እግዚኣብሄር ክሳዕ ሕጂ ድምጹ ዘስምዖን ንራእይና ዘነቓቕሓሉን መልክዓ ምድሪ” እዩ እንክብሉ ብምግላጽ፡ “መለኮታዊ ቁጠባ እንተፈሊጥኩም: ንፉዓት ሰብ ሃብትን ንፉዓት ስነ-ቑጠባውያንን ክትኮኑ ኢኹም” ብምባል እዚ ምስጢር ናይቶም ቅድሜና ዝኸዱን ክሳብ ሕጂ ምሳና ዝጓዓዙን ብዙሓት ዝምስክርዎ እዩ ክቡራት መንእሰያት ንቕድሚት ንኺድ። ብሓቂ ብሓባር ንቕድሚት ንኺድ!” እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
