ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ሱዳን ተኹሲ ደው ክብልን ሰብኣዊ ተበጻሕነትን ክህሉን ጻውዒት ኣቕሪቦ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ሰንበት ዕለት 2 ሕዳር ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ሱዳን ተኹሲ ደው ክብልን ምትእትታው ማሕበረሰብ ዓለምን ንሰብኣዊ ረድኤት መተሓላልፎን ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም። “ካብ ሱዳን ብፍላይ ካብ ከተማ ኤል - ፋሸር ካብ ዝተሃስየት ሰሜናዊ ዞባ ዳርፉር ዝመጽእ ዘሎ ዘሕዝን ሓበሬታ ብዓብይ ሓዘን እከታተሎ ኣለኹ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ብዘይ ኣፈላላይ ዝፍጸም ዓመጽ፡ ኣብ ልዕሊ ዘይተዓጥቁ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ከምኡ’ውን ንሰብኣዊ ስጉምትታት ከቢድ ዕንቅፋታት፡ ነቲ ድሮ ንነዊሕ ኣዋርሕ ዝቕጽል ብዘሎ ግጭት ኣብ ጽንኩር ኰንታት ዝርከብ ህዝቢ ዘይቅቡል ዘሰንብድ ስቓይ የስዕበሉ ኣሎ” ከም ዝበሉን፡ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ዓመጽ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰሜን ዳርፉር ኣብ እትርከብ ከተማ ኤልፋሸር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ምልሻታት ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ሰላማውያን ዜጋታት ከቢድ ግፍዒ ይፍጽሙ ምህላዎን እዚ ብሓቂ ዘሻቕል ምዃኑ ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ጻውዒት አቕርብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ተጻብኦታት ደው ክብልን ምእመናን ምእንቲ ሰላም ክጽልዩን
ምእመናን ምእንቲ ግዳያት ክጽልዩ ቅዱስነቶም ዓዲሞም፡ ሓላፍነት ዝስከሙ ወገናት ተጻብኦታት ደው ከብሉ ኣተሓሳሲቦም፡ “ጐይታ ነቶም ዝሞቱ ብምሕረቱ ክቕበሎም፡ ነቶም ዝሳቐዩ ክድግፎም፡ ልቢ እቶም ተሓተትቲ ክትንክፍ ንጸሊ፡ እቶም ሓላፍነት ዝስከሙ ወገናት ተጻብኦታት ተኹሲ ደው ክብሉን ሰብኣዊ መተሓላልፎ ብቕልጡፍ ክኽፈትን” ዘቕረብዎ “ህጹጽ ጻውዒት” ኣሐዲሶም፡ ብተወሳኺ ማሕበረሰብ ዓለም “ብቆራጽነትን ልግስን ጣልቃ ክኣቱ፣ ሓገዝ ክገብርን ነቶም ሓገዝ ንምሃብ ዝውፍዩ ክድግፉን” ጻውዒት ከም ዘቕውረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ታንዛንያ ተፈጢሩ ዘሎ ናዕቢ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም ኣቓልቦኦም ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ታንዛንያ ብምቕናዕ፡ ድሕሪ ምርጫ ኣብታ ሃገር ኣብ ቀረባ እዋን ዝተራእየ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ኣመልኪቶም። "ድሕሪ'ቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ፖለቲካዊ ምርጫ፡ ብርቱዕ ግጭት ዘስዕብ ዘሎ ህዝባዊ ውጥሪ ክውገድ ተማሕጺኖም፡ “ምእንቲ ታንዛንያ'ውን ንጸሊ፡ ንኹሎም እቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝተሳተፉ “ካብ ኩሉ ዓይነት ዓመጽ ክቑጠቡን መንገዲ ዘተ ክኽተሉን” ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ረቡዕ ዕለት 29 ጥቅምቲ ኣብ ታንዛንያ ዝተኻየደ ናይ ርእሰ ብሔር ምርጫ፡ ቀንዲ ተቐናቐንቲ ሕጹያት ካብቲ ውድድር ድሕሪ ምግላልን ርእሰ ብሔር ሳሚያ ሱሁሉ ሓሰን ድማ ብ98 ሚእታዊት ድምጺ ተዓዋቲት ምዃና ድሕሪ ምእዋጃ ስዒቡ ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሐ ዓመጽ ዝመልኦ ተቓውሞታት ከም እተላዕለን
ድሕሪ እቲ መረጻ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉን ተቓወምቲ ናጻ መርመራ ክካየድ ከም ዝጸውዑ ይንገር።
ቅዳሴ ንመዋቲ
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕለት 2 ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ዘስምዕዎ መደረ ዕለት 2 ሕዳር ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ጸሎተ ፍትሓት ምንቲ ኩሎም ሙታን ዝዓርገሉ ዕለት ምዃኑ ብምዝኽካር “ብመንፈሳዊ መዳይ ናብ መቓብር ዝፈትዎም ሰባት ክኸይድ እየ፣ ስለቶም ሓደ እኳ ዘይዝክሮም ምዉታት እውን ክጽሊ እየ - ቢሎም - “ሰማያዊ ኣቦና በብሓደ ይፈልጠናን የፍቅረናን ንሓደ እኳ ኣይርስዕን” እንክብሉ ኣረጋጊጾም፡ "ምዉታትና" ንዘክር እንክብሉ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
