ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓዋርያዊ ጉስነት ንተመሓደርቲ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ከም ቀኖናዊ ሕጋዊ ኣካል የቝሙ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሓሙስ ዕለት 13 ሕዳር ብኢዶም ብዝጸሓፍዎ ሰነድ፡ ማእከላይን ኣወሃሃድን ኣካል ዕዮ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንተመሓደርቲ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ብወግዒ ኣቚሞም፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ናይቲ ማእከላይን ኣወሃሃድን ኣካል ዕዮ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምተመሓደርቲ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝምርሓሉ ሕጊ ከም ዘጽደቑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
“ህዝቢ ባሕሪ” ምግልጋል
ንብዙሕ ዓመታት ቤተ ክርስቲያን ምስቶም “ህዝቢ ባሕሪ” - ባሕረይናታት፡ ሰራሕተይናታት ባሕርን ተመሓደርቲ ብሃብቲ ማያት ባሕርን፡ ስድራቤቶምን ኩሎም እቶም ህይወቶም ምስ ምጉዓዝን ምግፋፍ ዓሳን ኣብ ባሕርታትን ሩባታትን ቀላያትን ብቐረባ ዝተኣሳሰር ጉስነታዊ ኣገልግሎት ከም እተቕርብ ዝፍለጥ ኮይኑ፡
ቅዱስነቶም ኣብቲ ብኢዶም ብዝጸሓፍዎ ሰነድ “እቲ ብሰንኪ ምንቅስቓስ ደቂ ሰባት ነቲ ተራ ጉስነታዊ ኣገልግሎት ተጠቀምቲ ክኾኑ ዘይክእሉ ምእመናን መንፈሳዊ ድሌታት ንምምላእ ዝዓለመ ሓዋርያዊ መንበር ዝገብሮ ጉስነታውን ሕጋውን ምትእትታዋት” ዘኪሮም፡ እዚ ናይ ጉስነት ስክፍታ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ዝተበገሰ ምዃኑ ፒዮስ ዓስራ ብዝነበሮም ጴጥሮሳዊ ስልጣን መሰረት ኣብ 1914 ዓ.ም. ዘጽደቕዎ ውሳነ ከም ኣብነት ይጠቕሱ።
እዚ ኩሉ ተበግሶታት ቤተ ክርስቲያን ንፍሉይ መንፈሳዊ ድሌታት ናይቶም ኣብ ባሕራዊ ዓለም ዝነብሩን ዝሰርሑን ትኩር ሓልዮት ከምዘለዋ ዝምስክር እዩ። እቲ ሰነድ ነቲ ኣብ 1977 ካብ ናይ ሽዑ ጳጳሳዊ ሽማግለ መንፈሳዊ ክንክን ንስደተይናታትን ገያሾን ዝወጸ ኣዋጅ Apostolatus Maris - ጒስነት ባሕሪ (ብሃብቲ ማያት ተመሓደርትን ባሕረይናታትን) ብመንጽር ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ስርዓታትን ስነ ትምህርታውን ዝተመሓየሸ ከም ዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ድሒሩ ድማ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ Stella Maris - ኮኮበ ባሕር (31 ጥሪ 1997) ብዝብል ኣርእስቲ ብዝነበሮም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ስልጣን መሰረት ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ሓዋርያዊ ጉስነት ንባሕረይናታትን ተመሓደርቲ ብሃብቲ ማያት ባሕርን ስርዓት ከም ዝሓደስዎን ከምኡ’ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ሓላፍነት ዕዮ ሓዋርያነት ባሕሪ ንኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ንዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ከም ዝሃቡን ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 እዚ በቲ ዝኸተምዎ ናይ ውሳነ ሰነድ ኣቢሎም ነዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንስደተይናትትን ተጓዓዝትን ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓላፍነት ክህልዎ ከም ዝገበሩን፡ ምቛም እዚ ማእከላይን ኣወሃሃድን ኣካል፡ “ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጉስነት ኣገልግሎት ባሕሪ እትገብሮ መንፈሳዊ ሓልዮት ብውዕዉዕ ስምዒትን ልግስን ክቕጽል ኣለዎ ካብ ዝብል ውዕዉዕ ድሌት” ዝነቐለ ምዃኑ ኣብቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ተመልኪቱ ኣሎ።
ካብ 2022 ዝጀመረ ዘተ
እዚ ሓድሽ ኣካል ውጽኢት ናይቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2022 ዝጀመረ ነዊሕ ናይ ምይይጥ መስርሕ ኮይኑ፡ እዚ መስርሕ እዚ ድማ ካብ መላእ ኣህጉራት ዝመጹ ሃገራዊ ኣመሓደርትን ኤጲስቆጶሳትን ናይ ስራሕ ሃዋርያነት ባሕሪ ዘጠቓለለ እዩ። እዚ ምይይጥ እዚ ክሳዕ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና 2025 ብዛዕባ ዕላማታትን መዋቕርን ሃዋርያነት ባሕሪ ዝያዳ ኣተኲይሩ ምይይጥ ብምግባር ከም ዝቐጸለን፡ እቲ ናይ ዘተ መስርሕ ብመሪሕነት ኵለንተናዊ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ብዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተዋደደ ኮይኑ፡ ብመሰረት ዓንቀጽ 166 §1 (ሕጡብ ጽሑፍ) ሓዋርያዊ ቅዋም Praedicate Evangelium ወንጌለ ስብኩ መሪሕነት ምሉእ ዕዮ ሓዋርያውነት ባሕርን ንማእከላይ ኣወሃሃዲ ኣካላቱን ናይ ምክያድን ምክትታልን ሓላፍነት ዘለዎ ኮይኑ ይቕጽል።
