ድለ

ር. ሊ. ጳ. ልዮን፦ “ሰላም ሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ዝተረግጸሉ ቦታ ልሰፍን” ጻውዒት ኣቕሪቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ዝሓልፈ ቀዳም ንግሆ ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ ዓመተ ኢዮቢል ተስፋ፣ ብዛዕባ እታ ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን፣ ህይወታ ሰናይ ኣገልግሎት ዝወፈየት ኣመሪካዊት ካቶሊካዊት፣ ዶረቲ ዴይ ዝተሰምየት ኣገልጋሊት እትዚብሔር ጥቒሶም ኣስተንተኑ፣ ክርስትያን ምእመናን እውን ኣብነታ ብምስዓብ ንሰብኣዊ ክብሪ ብንጥፈት ብምክልኻልን ብምሕላውን ሰላም ኬስፋሕፍሑ ኸም ዘለዎም ገለጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ብዛዕባ ኣገልጋሊት እግዚአብሔር ዶረቲ ዴይ (1897-1980) ብምስትንታን ዝሓልፈ ቀዳም ዕለት 22 ሕዳር፣ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየድዎ ዓመተ ኢዮቤል ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ “ክርስትያን ምእመናን ከም ምዃንና መጠን፣ ሰናይ ክንገብርን ኣብ ጐድኒ ቕኑዕ ዘበለ ኩሉ ደው ካብ ምባል ድሕር ኣይንበል” ክብሉ ኣስተምሂሮም።

እዛ ኣመሪካዊት ጋዜጠኛን ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ዝኮነት ኣገልጋሊት እግዚአብሔር፣ ናብ ካቶሊካዊ እምነት ዝኣተወትን፣ ኣብ እዋን ዓብዪ ቝጠባዊ ቕልውላው፣ ንካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታት ዝመስረተትን ኢያ ክብሉ ውን ኣመልከቱ።

ዶረቲ ዴይ በቲ ንድኻታትን ንስደተኛታትን ሰራሕተኛታትን ዘወፈየቶ ዓብዪ ዕዮ እትፍለጥ ኰይና፣ ኣብ ታሪኽ ኣብ ዘደንቕ ወንጌላዊ ኣገልግሎት ብምፍጻማ ተፈላጥነት ዝረኸበር እያ።

እሙናትን ሰብ ተግባርን ክንከውን እተጸውዑ ኢና

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብቲ ናይ ኢዮቤል ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተሳተፉ ምእመናንን ነጋድያንን፣ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ኣብ ዘለዎም ቈራጽነት ተግባራዉያን ክዀኑ ጻውዒት ምቕራብ፣ ካብ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል እተወስደ ጥቕሲ ምርኩስ ብምግባር ኣስተንተኑ።

ቅዱስነቶም ናብ ጐይታ ክምለስን፣ ነቲ እተዋህበና ብዙሕ ጸጋታት ከነለልዮ ብምሕጋዝ ከምኡውን ብሓቀይና ፍቕሪ ወንጌል ዘንጸባርቑ ሕብረተሰብ ንክንከውን ኣብ ህይወትና ከመይ ዝበለ ኣቕዋም ክንሕዝ ከም ዘሎና ብምግላጽ ውን ኣስተምህሮ ኣካፈሉ።

ኣብዚ መዳይ እዚ ኣገልጋሊት እግዚአብሔር ዶረቲ ዴይ፣ ንካቶሊካውያን ምእመናን ዓብዪ ኣርኣያን ምትብባዕን ክትከውን ከም እትኽእል ኣዘኻኸሩ።

ንክርስቶስ ብምምሳል ንሕብረተሰብ ምቕያር

"ንሳ ኣብ ውሽጣ ሓደ ዝነድድ ሓዊ ነበራ። ዶረቲ ዴይ ኣቕዋማ ኣጽኒዓ ዝሓዘት ነበረት"፣ ብምባል ውን ቅዱስ ኣቦና ብምዝኽኻር፣ "ውጥን ምዕባለ ሃገራ፣ ንዅሉ ሰብ ሓደ ዓይነት ዕድላት ከም ዘይፈጥር ኣጕልሐት" ክብሉ ውን ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ዶረቲ "እዚ ኩነት እዚ ንሕልሚ ብዙሓት ሰባት ዘባህርር ኸም ዝዀነን፣ ከም ክርስትያን መጠን ምስ ሰራሕተኛታትን ስደተኛታትን ምስቶም በቲ ቀታሊ ዝኾነ ቍጠባ እተደርበዩ ሰባት ክትሳተፍ ከም ዘለዋ ተረዲኣ ነበረት" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ቀጺሎም፣ ዶረቲ ብልባን ኣእምሮኣን ኣእዳዋን ብኸመይ ሰናይ ዝኾነ ኣገልግሎት ከም ዝፈጸምት ድሕሪ ምስትንታን፣ ተልእኾኣን ዕዮኣን "ንቍጥዓ ናብ ሕብረትን ተግባርን ከም ዝቐየሮ" ኣፍልጦ ሃቡሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ተስፋ ምግባር ማለት ከም ኢየሱስን ምስ ኢየሱስ ደው ምባል ማለት እዩ" በሉ።

በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፣ እዚ ኢዮቤል ተስፋ እዚ ኣብ ውሽጥናን ኣብ መላእ ቤተ-ክርስትያንን ንተስፋ ከም ሓዊ እንደገና ክቐጻጸል ጸልዮም።

24 Nov 2025, 12:40