ር. ሊ. ጳ.፦ ብዘይ ሕውነት ብህይወት ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ብዛዕባ ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስን ከምኡውን ብዛዕባ እዚ ፋሲካዊ መንፈሳውነት እዚ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ምንባርን "ንህይወት ብተስፋ ከም ዝመልኦን ኣብ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ንኽንውፈ ከም ዘተባብዓናን" ኣስተንቲኖም።
ኣብ ርእሲ እዚውን እዚ ሕውነት ንምዕብልና ብኸመይ ከም ዝሕግዘና ኣጕልሑ፣ እዚ ድማ "ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብንጹር ዝረኣይዎ ሓደ ኻብቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዓብዪ ብድሆታት ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ" ክብሉ ኣስተምሃሩ።
ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ዘካፈልዎ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ ነቕርበልኩም።
ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን!
ኣብ ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ምእማንን፣ ኣብ ፋሲካዊ መንፈሳውነት ምንባርን ንህይወትና ብተስፋ ይመልኦ፣ ኣብ ግብረ ሰናይ ንኽንውፊ ድማ የተባብዓና። ብሕልፊ ድማ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብንጹር ዝረኣይዎ፣ ሓደ ኻብቲ ኣብሪ ናይዚ ዘመን እዚ ደቅሰባት ዘጋጥሞም ዘሎ ዓበይቲ ብድሆታት፣ ንሕውነታዊ ፍቕሪ ከነዘውትርን ንኸነማዕብልን ይሕግዘና።
ሕውነት ካብ ዓሚቝ ሰብኣዊ ኩንነት እዩ ዚምንጩ። ኣብ መንጎና ርክብ ክንምስርት ድማ ንኽእል ኢና፣ እንተ ደሊና ድማ ኣብ መንጎና ሓቀይና ማእሰር ሕውነት ክንምስርት ንኽእል ኢና። ካብ መጀመርታ ህይወትና ኣትሒዙ ዚድግፈናን ዜሀብትመናን ርክባት እንተ ዘይህሉ ነይሩ፣ ብህይወት ክንነብር ክንዓቢ ወይ ክንመሃር ኣይምኸኣልናን ኔርና። እተፈላለየ ቅርጽን ዕምቈትን በበይኑ አዓይነቱ መንነት እኳ እንተዀነ፣ ግን ከአ ሰብኣውነትና ብሓባር ክንነብርን ክንምኮሮን ከሎና፣ ምስቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ወግዓዊ ዘይኰነስ ሓቀይና ምትእስሳር ክንርኢ ኸለና፣ ብዝበለጸ ኸም ዝፍጸም እተረጋገጸ ነገር እዩ። ንገዛእ ርእስና እንተ ደአ ወፊና ብጽምዋ እውን ከይተረፈ ንጥቕሚ ርእስና ጥራይ ኢልና፣ ንኻልኦት ዘገድሶም ነገር ኣብ ጥቕሚ ገዛእ ርእስና ጥራይ ብምውዓል ክንሓምም ንኽእል ኢና። እቲ ኻልኣይ ከኣ ንገዛእ ርእስና ከነወፊ ፍቓደኛታት ከይኰንና ክንቅበሎ ጥራይ እንደሊ ሰባት ኢና እንኽውን።
ሎሚ እውን እንተ ዀነ ሕውነት ኣቕሊልካ ኺርአ ኸም ዘይክእልን፣ ስቕ ኢልካ ዝብጻሕ ኸም ዘይኰነን ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና። ኣብ መላእ ዓለም ብዙሕ ግጭታት ብዙሕ ውግኣት ማሕበራዊ ውጥረትን ጽልእን በዚ ምኽንያት እዚ ዝስዕብ ዘሎ እዩ ዚመስል። ይኹን እምበር ሕውነት፣ ሰናይ ዝኾነ ነገር ግን ከኣ ክብጻሕ ዘይከኣል ሕልሚ ኣይኰነን። ትምኒት እቶም ሒደት መታለልቲ ውን ኣይኰነን። ነቲ ዜስግእ ጽላሎት ንምስዓር ግና ናብቲ ምንጪ ኽንከይድ ኣሎና፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ካብቲ ኻብ መርዚ ጽልኢ ሓራ ዜውጽኣና በይኑ ብርሃንን ብርታዐን ክንረክብ ኣሎና።
እታ "ሕውነት" እትብል ቃል ካብ ጥንታዊ መሰረታዊ ቃል ዝመጸት ኰይና፣ ምክንኻን ኣብ ልቢ ምሓዝ ምድጋፍ ከምኡውን ምጽጋን ማለት እያ እተስምዕ። ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዚምልከት ጻውዒት ወይ ዕድመ ከአ እዩ ዚኸውን። መብዛሕትኡ ግዜ ሓው ወይ ሓብቲ ዘለዎ ግደ ንዝምድና ከምኡውን ኣባል ሓንቲ ስድራ ቤት ምዃን ከም ዜመልክት ጌርና ኢና ጥራይ ኢና እንሓስቦ። ከም ሓቁ እንተ ዀይኑ ዘይምስምማዕን ምክፍፋልን ሓድሓደ ግዜ ውን ጽልእን ነቲ ኣብ መንጎ ዘይንፈልጦም ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መንጎ ኣዝማድ ዘሎ ርክብ እውን ከይተረፈ ከበላሽዎ ኸም ዚኽእል ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና።
እዚ ድማ ሎሚ፣ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ህጹጽ ዝዀነ ጻውዒት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ብዓል ኣሲዚ ብዛዕባ እቲ ጂኦግራፍያዊ፣ ባህላዊ፣ ሃይማኖታውን ሰረተ-እምነታውይን መበቈሎም ብዘየገድስ ንዅሉ ሰብ ዘቕረቦ ሰላምታ ንምስትንታን ኣድላዪ ምዃኑ የርኢ። ዝርርብ፣ ሃንጐፋይ ኢልካ ምቕባል፣ ድሕነትን ውሕስነትን ምክፍል ድማ ኢዩ ዘመልክት። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነዚ ዓይነታዊ ድርሰት ቅዱስ ፍራንቸስኮ በዓል ኣሲዚ ድሕሪ ሸሞንተ ሚእቲ ዓመት ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ብምጕላሕ ኣብታ “ኣኃው ኩልነ” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣስፊሮሞ ይርከቡ።
እዚ "ኩልና" ዝብል ቃል እዚ፣ ንቅዱስ ፍራንቸስኮስ ንኣድማሳዊ ሕውነት ናይ ምቕባል ምልክት ማለት ከም ምዃኑ፣ "ኩልና" ማለት ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ንድሕነት ኵሉ ሰብ ተባሂሉ እተዳለወ ብስራት ኣዋጅ ደኣ እምበር በበይኑ ወይ ብሕታዊ መልክዑ ዘይኮነስ፣ ኣገዳሲ መዳይ ክርስትና እዩ ዜመልክት። እዚ ሕውነት እዚ ኣብ ትእዛዝ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እተመስረተ እዩ፣ እዚ ትእዛዝ እዚ ንሱ ባዕሉ ዝፈጸሞ ሓድሽ ትእዛዝ ከአ እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ ፍጻሜ ዘመልክት ኮይኑ፣ ፍቓድ ኣቦ እዪ ዘመልክተልና፣ ሳላ እቲ ዘፍቀረናን ምእንታና ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ዝሃበን፣ ንሕና እውን ብግዴና ንሓድሕድና ኽንፋቐርን ህይወትና ምእንቲ ኻልኦት ክንህብን ንኽእል ኢና፣ ከም ደቂ እቲ ሓደ ኣቦን ሓቀይና ኣሕዋትን ኣሓትን ብኢየሱስ ክርስቶስ ኴንና ክንውፈ ውን ንኽእል ኢና።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳዕ መወዳእታ ኣፍቂሩና እዩ ይብል ወንጌል ዮሓንስ ኣብ ወንጌሉ (13፡1) ። እቲ ግዜ ሕማማቱ እናቐረበ ምስ ከደ፣ እቲ መምህርና ታሪኻዊ ግዜኡ ናብ መወዳእታ ገጹ ከም ዝቐረበ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነበረ። እንታይ ከም ዚኸውን ይፈርህን፣ እቲ ዝኸፍአ ስቓይን ከም ዘጋጥሞ ድማ ይፈልጥ ነበረ። ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ትንሳኤኡ ድማ ናይ ሓድሽ ታሪኽ መጀመርታ ኮነ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ብዙሕ ግዜ ብሓባር ድሕሪ ምጽናሖም፣ ብሞት ኢየሱስ ስቓይን ሓዘንን ከሕልፉ ኸለዉ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ከም ዝተንስአ ምስ ፈለጡ ውህበት መንፈስ ኪቕበሉን ምስኻኽሩ ምስ ኰኑን ምሉእ ብምሉእ ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ዝኾኑ ተገንዘቡ።
ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ጸበባ ንሓድሕዶም ይደጋገፉ፣ ነቶም እተሸገሩ ድማ ዝባኖም ኣይህቡን ሓድነትን ምትእምማንን ሓባራዊ ሓልዮት ብንጥፈት ብምስዓብን ድማ ብሓባር ይበኽዩን ይሕጐሱን ነበሩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ፣ "ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ንሓድሕድኩም ተፋቐሩ" (ዮሓ 15፡12) ዝበሎ ቃል ውን ክነብሩ ጀመሩ ። እቲ ዝሞተን ዝተንስአን ክርስቶስ ዝሃበና ሕውነት ካብ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባን ስስዐን ምክፍፋላትን ትዕቢትን ሓራ የውጽኣና፣ ብስም እቲ በብመዓልቱ ዚሕደስ ፍቕርን ተስፋን ከኣ ናብቲ ናይ መጀመርታ ጽዋዕና ይመልሰና። እቲ ዝተንስአ ምስኡ ክንጐዓዝን ክንስምዖን "ዅላትና ኣሕዋትን ኣሓትን" ክንከውንን መገዲ ኣርእዩና እዩ።
