2025.09.19 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ነጸብራቕ ሰናይነት ኣምላኽ ከጥፍኦ ዝኽእል ቃንዛ የለን 2025.09.19 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ነጸብራቕ ሰናይነት ኣምላኽ ከጥፍኦ ዝኽእል ቃንዛ የለን  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ነጸብራቕ ሰናይነት ኣምላኽ ከጥፍኦ ዝኽእል ቃንዛ የለን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘኽብር ማሕበረሰባት ክሃንጹ ናብቲ ብጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ተነቀፍትን ናብ ዘካይዶ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ “ክብሪ ዝሕልዉ ማሕበረሰባት ምህናጽ” ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያ ደቂ ኣስንትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት፡ ዕለት 17 ሕዳር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ክብሪ ኩሉ ህዝቢ ብፍላይ ድማ እቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ዘኽብር ማሕበረሰብ ንምህናጽ ዝሕግዙ መንገድታት ከስተንትኑ ኣተባቢዖም። እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ክብሪ ይህቦ፣ ክብሪ ወዲ ሰብ ብብቕዓት ይኹን ብሓይሊ ዘይርከብ ውህበት እዩ። ሰብ "ካብቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍና በብሓደ ዝብህገና ፍቕራዊ ኣረኣእያ እዩ ተወሊዱ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወጅሂ ወዲሰብ ዋላ እውን ብድኻም ወይ ብቓንዛ ዝተዓብለል ይኹን ነጸብራቕ ሕያውነት ፈጣሪ ኣሎ፣ ዝዀነ ይኹን ጸልማት ኬጥፍኦ ዘይክእል ብርሃን።"

ውፉያን ጾሮምን ተስፋኦምን ንምክፋል፡ ብኣኽብሮትን ብለውሃትን ናብ ካልኦት ክቐርቡ ድማ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

"ንጎረቤትና ዝግበር ሓልዮትን ምክልኻልን እውን ካብ ከለሊ ዝኽእል ምጥማትን ክሰምዕ ካብ ዝኽእል ልብን እዩ ዝፍጠር፡ ሓቀይና ናጽነት፡ ኣብ ህይወት ብጻይና ሓላፍነት ኣብ ምውሳድ፡ ዘገልግል እምበር ዘይዕብለል፡ ዘሰንይ እምበር ዘይውንን ዓይነት ሓርነት እንመሃረሉ ስፍራ እዩ፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት፡ ብንጽሕና፣ ብድኽነትን ተኣዝዞን ንኽርስቶስ ክስዕቡ መሪጾም እዮም ዝበሉ ቅዱስነቶም፡ “ንኽርስቶስ ዝሃብዎ ፍጹም ርእሰ ህያብ” ንኻልኦት ብሓቀይና መንገዲ ብናጻ ልቢ ምፍቃር ክመሃሩ ከም ዘኽእሎም ሓቢሮም፡ ንተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ተመኩሮኦም ንኻልኦት ከካፍሉን “ኩሉ ዓይነት ግህሰት” ብኸመይ ከም ዝከላኸሉ ክመሃሩን ዓዲሞም። "ማሕበረሰባት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዚኽበረሉን ዚስማዕሉን ብኽብረት ዚርእዩሉን ኣብነታት ምትእምማንን ምይይጥን ምእንቲ ኪዀኑ፡ ነዚ ተወፋይነት እዚ ንቕድሚት ክተሰጕሙ እምሕጸነኩም - ቢሎም - "ፍትሒ ብምሕረት ኣብ ዝንብረሉ እዋን ኣቑሳል ኵሉ ኣፍደገ ጸጋ ይኸውን! እንክብሉ ኣረጋጊጾም፡ ንዕዮ እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ዕቝባ ቆልዑን ተነቀፍትን ኸም ዚድግፉ ብኣጽንዖት ኣረጋጊጾም ነቶም ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ድማ ቤተ - ክርስትያን "ኣብ ባህሊ ዕቝባ ዕብየት" ንምድንፋዕ ብሓባር ኪዓዩ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 Nov 2025, 16:48