ድለ

2025.11.17 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ሰብ ሰረሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ስርዓት ጥዕና ብምውህሃድ ሰብኣዊ ክብረት ምሕላው 2025.11.17 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ሰብ ሰረሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ስርዓት ጥዕና ብምውህሃድ ሰብኣዊ ክብረት ምሕላው  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ሰብ ሰረሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ስርዓት ጥዕና ብምውህሃድ ሰብኣዊ ክብረት ምሕላው

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ነቶም ካብ ዕለት 17 - 21 ሕዳር ኣብ ሮማ ኣብ ዝካየደ ዓውደ ኣኼባ ስነ - ምግባር ኣብ ምምሕዳር ትካላት ጉዳይ ጥዕና ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ክንክን ጥዕና ዘስዕቦ ብድሆታት ዳግማይ የስተብህሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንኣባላት ማሕበር ናይ ግሊ ስርዓታት ክንክን ጥዕና ላቲን ኣመሪካ (ALAMI) ዕለት 17 ሕዳር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም፡ እደ ጥበባውን ስነ ኣሃዛውን ምህዞታት ንጉዳይ ክንክን ጥዕና ኣብ ዝጸልውሉ ዘሎ እዋን፡ ተሳተፍቲ ንጹር ስነ - ምግባራዊ ራእይ ክሕዙ ኣተባቢዖ፣ እዚ ጉጅለ ኣብቲ ብጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ሕይወት ኣብ ዝተወደበ 9ይ ዓውደ ኣኼባ ስነ - ምግባር ኣብ ምሕደራ ጥዕና ዝሳተፍ ከም ዝኾነን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እቲ ኣብ ዓመት እዮቤል ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ "ብዛዕባ ስነ - ምግባራዊ ኣገዳስነት እማመትና ንምስትንታን ኣብቲ ከም ሕብረተሰብን ከም ቤተ - ክርስትያንን ክንመላለስ ኣብ እተጸዋዕናሉ መገዲ ኣገዳሲ መድርኽ” ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ ነቲ እቶም ተሳተፍቲ ዝውክልዎ እተፈላለየ ተመክሮታት ኣፍልጦ ሂቦም፡ ቤተ - ክርስትያን "ንእተፈላለየ ኣቀራርባታትኩምን ክእለትኩምን ዕላማታትኩምን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ንሕሙማት ናይ ምክንኻን ሓባራዊ ዕማማትኩም ከም ናይ ተስፋ ንግደት ገይራ ትቕበሎ እንክብሉ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መጠንቀቕታ ኣንጻር ስነ - ምግባራዊ ኣድልዎ ኣብ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ እደ ጥበባዊ ምዕባለታት ዘምጽኦ ብድሆታት ብምፍታሕ፡ ብፍላይ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብዘይግቡእ ምጥቃም ምስ ዝህሉ ኣብ ስርዓተ ጥዕና ረቂቕ ዓይነት ኣድልዎ ኺፍጠር ከም ዚኽእል ኣጕሊሖም፡ "እቲ ዘሎ ኣድልዎ ናይ ምፍጣር ተኽእሎ . . . ነቲ ብዛዕባ ክውንነት ሕብረተሰብን ብዛዕባ ጭቡጥ ሕሙምን ዘሎና ኣረኣእያ ብምዝባዕ ወይ ብምድንጋር ኣብ ምምሕዳር ሃብቲ ጥዕና ዘይፍትሓዊ ዅነታት ይፈጥር።" ዝለዓሉ ኣዚዮም እተራቁ መሳርሒታት ንቝጠባዊ ወይ ፖለቲካዊ ረብሓታት ክውዕሉ ከም ዝኽእሉ ድማ ኣጠንቀቖም፡ እዚ ኸኣ "ኣብ ሓበሬታን ኣብ ምምሕዳርን ንገዛእ ርእስና ንኻልኦት ኣብ እንቐርበሉ መገዲ መብዛሕትኡ ግዜ ዘይርአ ኣድልዎ ይፈጥር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ምዝባዕ ንሰባት ኣብ ናይ ሕክምና ወጻኢታት ወይ ኣብ ባህርይ ሕማሞም ተመርኲሶም "ናብ ነገራትን ጭብጥታትን ብስነ ኣሃዝ ንምቕራብ ናብ ዘገልግል መጋበርያ የውርድ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ሰብኣዊ ክብሪ ዝተሰረተ ራእይ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ነዚ ዝንባለታት እዚ ንምቅዋም ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ብሓድነትን ሓባራዊ ጥቕምን ተመሪሖም ዝሰፍሐ ኣረኣእያ ክህልዎም ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ካብ ዘነኣእስ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ምርሓቕ "ኣጠማምታና ምቕያር . . . ኣረኣእያ ኣምላኽ እንትሃልዩና ኣብ ህጹጽ ረብሓ ዘይኰነስ ኣብቲ ንዅሉ ዚሓይሽ ነገር ከነተኩር ኢና . . . እደ ጥበባዊ ምዕባለ ሰብኣዊ ርክባት ዘዕድይ ክኸውን የብሉን፡ እዚ ሰፊሕ ራእይ እዚ ካብ ሰብኣዊ ርክባት ካብ ናይ ሓልዮት ምልክት ካብቲ ጭቡጥ ሰብ ብተነቃፊነቱን ክብረቱን ኣፍልጦ ምሃብ ክፍለ የብሉን” ምስ በሉ ኣብ መደምደምታ፡ ከምዚ ዝበለ ዝተዋደደ ኣገባብ፡ ስነ - ምግባራዊ ኣርሒቕካ ምርኣይ ምስ ትኩር ህላወ ደቂ ሰባት ዘወሃህድ፡ ንኣካየድቲ ጥዕና ኣብ ኣገልግሎቶም ክመርሖም ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 Nov 2025, 16:50