2025.11.27 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንጋዜጠይናታት፥ 'መልእኽቲ ሓድነትን ሰላምን' ምብጻሕ! 2025.11.27 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንጋዜጠይናታት፥ 'መልእኽቲ ሓድነትን ሰላምን' ምብጻሕ!  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንጋዜጠይናታት፥ 'መልእኽቲ ሓድነትን ሰላምን' ምብጻሕ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብታ ናብ ኣንካራ ኣብ ዝተጓዕዙላ ነፋሪት ንዘሰንይዎም ንልዕሊ 80 ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝተዋጽኡ ጋዜጠይናታት ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ ካብቶም ጋዜጠይናታት ዝተፈላለየ ገጸ በረኸት ከም ዝቐረበሎምን ነቲ ናብ ቱርክን ሊባኖስን ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ድማ ሰላምን ሓድነትን ንምድንፋዕ ዝዓለመ እዩ እንክብሉ ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ነቶም ኣብታ ነፋሪት ንዝነበሩ ገለ ኣመሪካውያን ጋዜጠይናታት ድማ ዝተበርከ መዓልቲ ምስጋና ተመንዮም ነቶም ካብ ዕለት 27 ሕዳር ክሳብ ዕለት 2 ታሕሳስ ኣብ ቱርክን ሊባኖስን ዘብጽሖም ናይ መጀመርታ ሓዋርያዊ ጉዕዞኦም ንዘሰንይዎም ልዕሊ 80 ዝኾኑ ጋዜጠይናታት ስለ ኣገልግሎቶም ኣመስጊኖም፡ "ሎሚ እቲ መልእኽቲ ብሓቂ ነቲ ዓለም ዘድልያ ሓቅን ስኒትን ብዘቃልዕ መንገዲ ክመሓላለፍ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ብፍሉይ መንገዲ፡ እዚ ፍሉይ ጉዕዞ ናብ ቱርክን ናብ ሊባኖስን፡ ቅድሚ ኩሉ፡ ትርጉም ሓድነት ዘቃልሕ እዩ” እንክብሉ ንዝጽበል መበል 1700 ዓመት ቀዳማይ ኤቁመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ብሓባር ምስ ኣቢያተ ክርስትያን ከብዕሉ ምዃኖም ብምዝኽካር፡ ነዚ ምብጻሕ ብሃንቀውታ ክንጽበዮ ዝድርኸና ምኽንያት ንክርስትያን ግን ከኣ ንመላእ ዓለም ብመንጽር ምድንፋዕ ሰላም ዘለዎ ዓቢይ ትርጉም እዩ . . . ብፍሉይ መንገዲ፡ ህላወ ገዛእ ርእሰይ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን፡ ናይ ኣመንቲ ኣብ ክልቲኡ ቱርክን ኣብ ሊባኖስን፡ ሰላም ኣብ መላእ ዓለም ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ’ውን ከነበስርን ከነመሓላልፍን ክንእውጅን ከምኡ’ውን ኩሉ ህዝቢ፡ ዋላ’ኳ ፍልልይ እንተሃለወን ሃይማኖታት ዝተፈላለየ እምነታት እኳ እንተሃለዎም ኣብ ሓደ ክመጹን ዝዓበየ ሓድነትን ስኒትን ክደልዩን ኩሎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብሓቂ ኣሕዋትን ኣሓትን ክኾኑ ዝኽእሉሉ መንገድታት ክንደሊ ክንዕድም ተስፋ ንገብር፡” ኩሉ ሰብ ኣብ መላእ ዓለም ሰላምን ሓድነትን ኣብ ምድንፋዕ ኣካል ክኸውን” ከም ዝኽእል እውን ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ምብጻሕ ኣብ ቱርኪ

ድሕሪ ሓጺር በረራ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብኣቆጻጽራ ቱርኪ ሰዓት 12፡22 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣንካራ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ኤሰንቦጋ ምስ በጽሒ ኣብ ቱርኪ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ናብታ ቅዱሰንቶም ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ደይቦም ንቕዱስነቶም ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ርእሰ ከተማ ኣንካራ ምስ በጽሑ ናብቲ መካነ መቓብር መስራትን ቀዳማይ ርእሰ ብሔርን ሪፓብሊካዊት ቱርኪ ሙስጣፋ ከማል ኣታቱርክ ምብጻሕ ከም ዘካየዱን፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ብርእሰ ብሔር እታ ሃገር ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ወግዓዊ ኣቀብላ ምስ ተገብረሎም ንሰበስልጣን ቱርኪ፣ ወከልቲ በርገሳውያን ማሕበራትን ኣብታ ሃገር ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ተራኺቦም ቀዳማይ መደረ ከም ዘስምዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ኣብ መወዳእታ ናይቲ መዓልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ኣንካራ ናብታ ዝዓበየት ከተማ ቱርኪ ዝኾነት ኢስጣንቡል ብነፋሪት ከም እተጓዕዙን ኣዘካኺሩ፡ ጭርሖ ናይቲ ናብ ቱርኪ ዝግበር ጉዕዞ “ሓደ ጎይታ፡ ሓደ እምነት፡ ሓደ ጥምቀት” ዝብል ኮይኑ፡ ኣብ ምህናጽ ሕውነትን ዘተን ኣብ መንጎ ምብራቕን ምዕራብን ትኹረት ዝገበረ እውን ምዃኑ የመላኽት።

27 Nov 2025, 17:07