ሓዋርያዊ ዑደት ር. ሊ. ጵ. ናብ ሃገረ ቱርኪ፦ ቀዳመይቲ መዓልቲ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሓሙስ ኣብ ርእሲ ኸተማ ቱርኪ ኣንካራ በጺሖም፣ እዚ ድማ ንሽዱሽተ መዓልቲ ናብ ቱርኪን ሊባኖስን ዝገበርዎ ናይ መጀመርታ ሓዋርያዊ ጕዕዞኦም እዩ ዝነበረ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሚኒስተር ባህልን ቱሪዝምን ቱርኪ መህመድ ኑሪ ኤርሶይ ተቐበሉ። ድሕሪ ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ቅዱስ ኣቦና ናብ መቓብር ሙስጠፋ ከማል ኣታቱርክ በጽሑ፣ ኣብኡ ድማ ኣብ መቓብር መስራትን ቀዳማይ ርእሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ሃገረ ቱርኪ ቁኑን ዕማባባ ኣንበሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምኽንያት ዝገብርዎ ዘለዉ ምብጻሕ ንጕዕዞኦም ንምዝካር ኣብ "ወርቃዊ መጽሓፍ" እታ ሃገር ክፍርሙ ኸለዉ፣ ብቋንቋ እንግሊዝኛ "ናብ ቱርኪ ክበጽሕ ስለ ዝኸኣልኩ፣ ንኣምላኽ አመስግኖ ኣሎኹ፣ ነዛ ሃገርን ህዝባን ከኣ ብዙሕ ሰላምን ብልጽግናን እልምኖ ኣለኹ" ክብሉ ውን ጸሓፉ።
ኣኼባታት ምስ ፖለቲካውያንን ሲቪላውያንን መራሕቲ
ትማሊ ሓሙስ ኣብ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጉዕዞኦም ናብ ሃገረ ቱርኪ ምስ ፖለቲካውያንን ሲቪላውያን ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ብዘካየድዎ ርክባት እያ ተጀሚራ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብ ዝኽሪ ኣታቱርክ ድሕሪ ምብጻሖም ብጕጅለ ሓለውቲ ኣፍራስ ተሰንዮም ናብ ቤተ-መንግስቲ ርእሰ ብሔር ኣምርሑ ኣብኡ ድማ ርእሰ ብሔር ሃገረ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ተቐበሎም።
ኣብ ቤት ጽሕፈት ርእሰ ብሔር ምስ ላዕለዎት መራሕቲ እታ ሃገር ብሕታዊ ኣኼባ ድሕሪ ምክያድ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ርእሰ ብሔር እታ ሃገርን ክልቲኦም ብሕብረት፣ ንመራሕቲ ምስ ሰበ-ስልጣንን ተወከልቲ ሲቪላዊ ምሕበረሰን ኣባላት ዲፕሎማስያዊ ኣካላትን ንምርኻብ ናብ ሃገራዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ከዱ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዘቕረብዎ መደረ ሃገረ ቱርኪ ንእተፈላለዩ ማሕበረሰባት ሓድነት ኣብ ምህናጽ ዘለዋ ግደን፣ ኣገዳስነት ስድራቤታት ኣብ ዘመናዊ ዓለምን ከምኡውን ነቲ "ዓውለማነትን ባህሊ ሸለልትነትን፣ ባህሊ ተነጽሎም" ምንጻግ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ መወዳእታ ወግዓዊ ምብጻሕ ንምክያድ ናብ ኣቦ መንበር ሃይማኖታዊ ጕዳያት ዲያኔት ማለት ኣብ ሃገረ ቱርኪ ንትምህርትን ልምድን ሃይማኖት እልምና ሱኒ ዜተባብዕ መንግስታዊ ትካል ንምርኻብ ናብ ኣቦ መንበር ዲያኔት ሳፊ ኣርፓጉሽ ብሕታዊ ኣኼባ ኣካየዱ።
ሪፓብሊካዊት ሃገረ ቱርኪ ካብ እትምስረት ኣትሒዛ፣ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ እትስዕብ ሃገር እኳ እንተ ዀነት፣ ዝበዝሐ ህዝባ ማለት ልዕሊ 99 ሚእታዊት ሰዓብቲ ሃይማኖት እልምና ኢዮም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንሓጺር እዋን ጸኒሖም ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኢስታንቡል ቅድሚ ምምላሶም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ሰራሕተኛታት ርክብ ብምክያድ፣ ኣብ ቱርኪ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ዑደቶም ዛዘሙ።
ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ጉዕዞ፣ ሎሚ ዓርቢ ምስ ጳጳሳትን ካህናት ዲያቆናት ሰብኡትን ኣንስትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ሰራሕተኛታት ሓዋርያዊ ጉስነት ንምርኻብ ኣብ ካቴድራል ኢስታንቡል ቤተክርስትያን ዘመንፈስ ቅዱስ ብጸሎት ዝተሰነየ ርክብ ኣካይዶም።
ቀጺሎም ድማ ሎሚ ዓርቢ ድሕሪ ቐትሪ ሓደ ኻብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ምብጻሕ ስዒቡ፣ እዚ ኸኣ ንመበል 1,700 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ኣብ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ቀዳማይ ኢቁመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ንምዝካር ኣብ ዝካየድ ኢቁመናዊ መደብ ጸሎት ምስታፍ ኢዩ ዝንበረ።
