UNCTAD 16 intergovernmental meeting in Geneva UNCTAD 16 intergovernmental meeting in Geneva  (ANSA)

ቅድስቲ መንበር፦ ምዕባለ ኣብ ሰባት ምስ ዘየቕልብ ናብ ቅልውላው እዩ ዚወድቕ

ምክትል ጸሓፊ ናይ ብዙሓ-ጐናዊ ጕዳያት ቅድስቲ መንበር የኔታ ዳንኤል ፓቾ ኣብ ዋዕላ ምኒስተራት ንግድን ምዕባለን ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNCTAD) ብዛዕባ ኣገዳስነት ቃልሲ ኣብ ቅልውላው ምዕባለ ኣመልኪቶም መደረ ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ምክትል ጸሓፊ ብዙሓ ጐናዊ ጕዳያት ቅድስቲ መንበር ክቡር የኔታ ዳንኤል ፓቾ ኣብ መደረኦም፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ሎሚ ኣብ ዓለም ዘሎ ቅልውላው ምዕባሌ ንምስጋር ብሓባር ክዓዪን፣ ናብ "ዝያዳ ሕውነታውን ቀጻልን መጻኢ ንምህናጽ ዝሕግዝ ዕድል" ክቕይርዎ ኣተባቢዖም። ዝሓልፈ ሰሉስ ዕለት 21 ጥቅምቲ ኣብ ጀኔቫ ኣብ እተገብረ መበል 16 ዋዕላ ሚኒስተራት ንግድን ምዕባለን ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNCTAD) ኣብ ዘቕረብዎ መግለጺ "ንመጻኢ ምቕራጽ፦ ንፍትሓውን ንዅሉ ሓቛፍን ቀጻልን ምዕባለ ቍጠባዊ ለውጢ ምምራሕ" ኣብ ዘተኰረ ዛዕባ ኣመልኪቶም ተዛሪቦም።

"ምዕባለ ንሰብኣዊ ኣካልነት ክግደስ ምስ ዘይርከብ ናብ ቅልውላው እዩ ዝወድቕ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅልውላው የጋጥሞ ኣሎ፣ ዕቤት ብዘይ ማዕርነት፣ ምዕባለ ብዘይ ተሳትፎ፣ ሃብቲ ድማ ብዘይ ሓቀይና ብልጽግና እዩ ዝኸውን" ድማ በሉ።

"ምዕባለ ናብ ኣሃዛትን ዜናታትን ጥራይ ኪንኪ ኣይክእልን እዩ፣" ከመይሲ ልዕሊ ዅሉ "ብዛዕባ እቶም ሰብኣዊ ክብረቶም ኪኽበር ዘለዎም ሰባት" ብፍላይ ከኣ "ናይቶም ኣብ ድኽነት ዚነብሩን፣ ብዙሕ ግድነታትን ኣድላይነታትን ሰባት" እዩ። ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምጥቃስ ድማ የኔታ ፓቾ ኣስዒቦም፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ "መዋቕር ጠንቂ ድኽነት ንምፍታሕ ዝያዳ ቈራጽነት ክገብር" ከም ዘለዎ ኣጕልሑ።

ገለ መፍትሕ ዝኾኑ ኣገደስቲ መዳያት ምዕባለ

እዞም ብዓል መዚ ቅድስቲ መንበር ኣብቲ "ሓቀኛን ምሉእን ምዕባለ ንምድንፋዕ ሓባራዊ ቘራጽነት" ቅድስቲ መንበር ኣቓልቦ ኽትስሕበሉ እተደሊ ገለ ቐንዲ መዳያት ውን ኣጕልሑ። ንኣብነት "ንህይወት ክፉታት ምዃንን፣ ንቅድስና ህይወት ምኽባርን ማእከል ሓቀይና ምዕባለ እዩ" በሉ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ካልእ ኣገዳሲ ዅነታት ሃይማኖታዊ ናጽነት እዩ" ክብሉ ውን ኣስመሩሉ። ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ንናጽነት ሃይማኖታት ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ውን ኣጕልሑ፣ ኰይኑ ግና "ደይመደይ ኢልካ ሃይማኖታዊ ዘይምግዳስ ወይ ግብራዊ ኣልቦ እግዚኣብሔርነት ብሃገራት ምዝርጋሕ" ንምዕባለ ደቂ ሰብ ኪተዓናቕፍ ይኽእል እዩ ክብሉ ውን ኣጠንቀቑ።

ቍጠባዊ መሳለጢያታትን፣ ቕልውላው ዕዳን

የኔታ ፓቾ ቀጺሎም እዚ ቅልውላው ምዕባለ "ነቲ ሃብቲ ንምድንፋዕ ተባሂሉ እተዳለወ መዋቕር" እንተላይ "ነቲ ሕጂ ዘሎ ብድሆታት ንምፍታሕ ዝቃለስ ዘሎ ህሉው ኣህጉራዊ ቍጠባዊ መዋቕር" ብኸመይ ከም ዝጸለዎ ኣጕልሑ።

ብተወሳኺውን ብዛዕባ ናይ ዕዳ ቅልውላው "ኣብ ምዕባሌ ዝርከባ ዘለዋ ሃገራት ድኽነት" ስለ ዘእቱ ዘሎ፣ "ቀዋሚ ምዕባለ" ከም ዝዕንቅፍ ገለጹ። እዞም ምክትል ጸሓፊ ብዝሓ ጐናዊ ጉዳያት ቅድስቲ መንበር ወሲኾም ከም ዝገለጽዎ፣ "ናይ ወለድ ክፍሊት ካብቲ ወሳኒ ህዝባዊ ወጻኢታት ይዛይድ" ብምህላዉ "ተቐባልነት የብሉን" ብምባል ኣስመሩሉ። እቲ ፈልሚ ዕቤት ተባሂሉ እተዳለወ ልቓሕ፣ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት "ንመጻኢ ወለዶታት ተስፋ ዘቝርጽ ጾር" ኰይኑ ኸም ዘሎ ውን ኣትሪቶም ተዛረቡ።

ብተወሳኺውን "ሥነ ኣከባቢያዊ ዕዳ" ብምጥቃስ፣ እዚ ድማ እቲ "ብሰንኪ ንኣከባቢ ዘዕኑ ዘሎ ንግዳዊ ምንቅስቓሳት፣ ሚዛናዊ ዘይምዃንን ከምኡውን ገሊአን ሃገራት ንነዊሕ እዋን ዘይመጣጠን ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ብምጥቃም ዝምንጩ" ምዃኑ ጠቒሶም። ኣብዛ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘውጽኣቶ ጻውዒት፣ መንግስታት ዕዳታት ክኸፍላ ንዘይክእላ ሃገራት ዕዳታተን ክስርዛ ምሕጽንታ ኣቕሪባ ትርከብ ኣላ።

ጕዳይ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት

ብተወሳኺ ድማ የኔታ ፓቾ ብዛዕባ እቲ ንቅልውላው ምዕባለ ዝጸሉ ካልእ ቀንዲ መዳይ ኣመልኪቶም "ቅልጡፍ ዕቢት ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት" ምዃኑ ኣመልኪቶም። "ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ነባሪ ምዕባለ ንምድንፋዕ ተኽእሎ እኳ እንተ ሃለዎ፣ ኣብ ሰብኣዊ ህላዌ ዘተኰረ ሓላፍነትን ምስትውዓልን ስነ-ምግባራዊ ምምሕዳርን መምርሒታትን እውን ዝሓትት ኢዩ" ክብሉ ኣተንቀቑ። ኣጠቓቕማኡ ንሰብኣዊ ክብሪ ኪትክእ "ባዕላዊ ምሳሌትነ" ከፍቅድ ይርከብ ኣሎ በሉ።

ተስፋ ኣብ ዓለም ንምምዕባል

የኔታ ፓቾ ኣብ መደረኦም ብዛዕባ ፍረ ነገር ናይቲ ዋዕላ እውን የስተንትኑ፣ እዚ ድማ ነቲ "ህሉው ቅልውላው" ናይ "ብዝሓ-ጐናዊ ስርዓታት" ንምቅላስ "ስነ-ምግባራዊ ትብዓትን፣ ካልእ ኣንፈት ንምውሳድን ዝግበር ውሳነ" ዝፍለጥ ኣድላዪ ኩነት "ናይ ተስፋ ምላሽ ኢዩ"  ክብሉ ይገልጽዎ።

ንቅድስቲ መንበር እተን "መጻኢ፣" "ለውጢ" ከምኡውን "ምዕባለ" ዚብላ ቓላት ነዚ መንፈስ ተስፋ ዜንጸባርቓ እየን ፣ ከመይሲ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከባ ሃገራት ዝሓሸት ዓለም ንኽሃንጻ፣ ዓለምለኻዊ ዘይማዕርነት ከማዕብላ ከምኡውን ንሓቀይና ሰብኣዊ ብልጽግና ንኺጽዕራ እየን ዚጽዕራ ዘለዋ።

"እዚ ማለት ንሰብኣዊ ኣካል ዘማእከለን፣ ኣምላኽ ዝሃቦም ክብሪ ብምኽባር ከምኡውን ቍጠባውን ማሕበራውን ባህላውን ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን መዳያት ድሕንነት ብምስታፍ ሓባራዊ ረብሓ ዘደንፍዕ ምዕባለ ማለት ኢዩ" በሉ።

በዚ ኣረኣእያ እዚ ድማ "ዕዮ ዋዕላ ንግድን ምዕባለን ውድብ ሕቡራት ሃገራት በቶም ሰለስተ ኣዕኑዱ ኣቢሉ ከም መብራህቲ ተስፋ ኰይኑ ደው ኢሉ ይርከብ ኣሎ፦ ሓድነትን ሓላፍነትን ንመጻኢ ደቂ ሰባት ክቕይር፣ ተስፋ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብፍላይ ከኣ ድኻታት ኣብ ፍትሓውን ግሉጽን ሓቀይናን ሰብኣውን ምዕባለ ክሳተፉ ተስፋ ይገብሩ" ክብሉ ውን መደረኦም ዛዘሙ።

23 Oct 2025, 16:33