ድለ

2025.10.31 ር.ሊ.ጳ. ንካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ፡ ንሓባራዊ ረብሓ ተወፋይነት ዘለዎም ዜጋታት ምፍራይ 2025.10.31 ር.ሊ.ጳ. ንካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ፡ ንሓባራዊ ረብሓ ተወፋይነት ዘለዎም ዜጋታት ምፍራይ  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ንካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ፡ ንሓባራዊ ረብሓ ተወፋይነት ዘለዎም ዜጋታት ምፍራይ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ብምኽንያት ኢዮቤልየ ናይ ትምህርቲ ዓለም፡ ንውድብ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ዕለት 31 ጥቅምቲ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ "መንገዲ ኣእምሮ ናብ ኣምላኽ" ክኾኑ ዓዲሞም፣ ጳጳሳዊ መናብርተ ጥበብ ነቲ ምሉእ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብብሉጽነትን ብቕዓትን ብሞያውነትን ክተዂራ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣገዳስነት "ወሳኒ - ተመራማሪ ኣእምሮ፡ ኣመንቲ ልብን ንሓባራዊ ረብሓ ተወፋይነት ዘለዎም ዜጋታትን" ምፍጣር ኣገዳሲ ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 31 ጥቅምቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንልኡካን ውድብ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ብምኽንያት ቅነ ኢዮቤል ናይ ትምህርቲ ዓለም ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣጒሊሖም፡  ንውድብኩም መለለዪ ክኸውን ዘለዎ ምትሕብባርን ፍቕርን ምትእስሳርን እዩ እዚ ድማ ርኡይ ምልክት ክኸውን ኣለዎ፡

ካብ ዕላማታት ናይዚ ልዕሊ ሚእቲ ጳጳስዊ መናብተ ጥበብ ዝሓቖፈ መርበብ፡ ምዕባለ ካቶሊካዊ ላዕለዋይ ትምህርትን ኣገልግሎት ንሕብረተሰብን፡ እምነትን ባህልን ዝራኸበሉ ቦታታት ምፍጣር፡ ኣብ ኵነታት መናብርተ ጥበብ ወንጌል ምእዋጅ ምዃኑ አዘኻኽረኩም!

ምሉእ ሰብኣውነት

ብዛዕባ ተልእኾ መናብርተ ጥበብ ኣብ ውሽጢ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣተኲይሮም፡ "ሓደ ካብቲ ቤተ - ክርስትያን ንግዜና እተቕርቦ ብሉጽ መጋበርያታት" መግለጽታት ፍቕሪ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ "መዳርግቲ ዘይብሎም ማእከል ምህዞን ንረብሓ ደቂ ሰብ ዚኸውን ፍልጠትን ኪዀኑን፣ ኣብኡ ድማ "ሓባራዊ ጻዕሪ ኣስተውዕሎን እምነትን" ሰባት ናብ ሰብነቶም ምሉእ ብምሉእ ንኺበጽሑ የኽእሎም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነቐፍቲ ኣእምሮን ኣመንቲ ልብታትን

ኣብ ላቲን ኣመሪካ ንዘሎ ህይወት መናብርተ ጥበብ ዳግማይ ብምድህሳስ፡ ቤተ ክርስቲያን ከመይ ጌራ ንትምህርቲ ድርኺት ኮይና ከም ዝጸንሐት ኣጒሊሖም፤ ገለ መናብርተ ጥበብ ከም ኣብ ሳንቶ ዶሚንጎን ሳን ማርኮስ ደ ሊማን ሜክሲኮን ብተበግሶ ጳጳሳትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ልኡካን ወንጌልን ዝተመስረታ ምዃነን ብምዝካር፡ እትውክልወን ጳጳሳውያን መናርብተ ጥበብ፡ ‘መንገዲ ኣእምሮ ናብ ኣምላኽ’ ክኾና ዝተጸውዓ እየን፣ በዚ ድማ ነቲ ክፈልየን ዘለዎ ካቶሊካዊ መንነት የንጸባርቓ . . .

ናይ ካቶሊክ ኣቢያተ ትምህርትን መናብርተ ጥበብን ዘቐርብኦ ሓሳብ ውሁድ ምዕባለ ሰብ ምድላይ፣ ወሳንን ተመራማርን ኣእምሮ ምህናጽር፣ ንሓባራዊ ረብሓ ዝወፈየ ልብን ዜጋታትን ምፍጣር ጥራይ እዩ። እዚ ዅሉ ድማ ብብሉጽነትን ብኽእለትን ብሞያውነትን፡

ብድሆታት ትምህርቲ

ምስ በሉ ኣብ መወዳእታ ነቲ ትምህርቲ ዘጋጥሞ ብድሆታት ኣብ ግምት ብምእታው ቤተ - ክርስትያን ዝሃበቶ ተልእኾ ክንቅጽል፡ ነዚ ድማ "ብመሃዝነት" ብምስትውዓልን ንነፍሲ ወከፍ ስጕምትታ ብዝድግፍ ጸጋን ክንገብሮ ተማሕጺኖም። ብድሕሪ’ዚ፡ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ማርያምን ጐይታን ብዝገበርዎ ጻዕሪ፡ ዝተፈጸሙ ዕዮታትን ዝገብርዎ ስራሕን ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ንካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ፡ ንሓባራዊ ረብሓ ተወፋይነት ዘለዎም ዜጋታት ምፍራይ
31 Oct 2025, 15:23