2025.10.30 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንተማሃሮ፡ መጋበርያ እደ ጥበብ ኣይትኹኑ! 2025.10.30 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንተማሃሮ፡ መጋበርያ እደ ጥበብ ኣይትኹኑ!  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንተማሃሮ፡ መጋበርያ እደ ጥበብ ኣይትኹኑ!

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14ኣብ መዓልቲ ናይ ትምህርቲ ኢዮቤል ንዝስተኣትፉ ተማሃሮ ብትምህርቲ ኣቢሎም ንህንጸት ዝሓሸ ሕብረተሰብ ክዓዩ ተላብዮም፣ ትምህርቲ “ሓደ ካብቶም ንዓለም ንምቕያር ዝሕግዙ ሰናይን ሓያልን መጋበርያ” እዩ ዝብል ሓሳብ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሰሙን ዝጸንሐ ተኸታታሊ መደባት ኢዮቤል ንትምህርቲ ዓለም መሰረት ዕለት 30 ጥቅምቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ምስ ተማሃሮ ተራኺቦም። ነቶም ተመሃሮ መንእሰያት፡ እቲ ርክብ ሒሳብ ኣብ ምምሃር ዘሕለፍዎ ግዜ ዘዘኻኽር ብምዃኑ ሓጎሶምን ትጽቢታቶም ብምግላጽ መደረኦም ኣበጊሶም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መጀመርያ ኣብነት ናይቲ ኣብ ቀረባ እዋን ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ቢላ ዝኣወጀቶ ኢጣሊያዊ ተማሃራይ ፒየር ጆርጆ ፍራሳቲ ዝነበሮ ክልተ መርሕ ቃላት ዘኪሮም፡ “ብዘይ እምነት ምንባር . . . ምቕማጥ ጥራይ እምበር ምንባር ኣይኮነን” ከምኡ’ውን “ናብ ላዕለዋይ ጫፍ ምብራኽ” ቢሎም፡ ነቶም መንእሰያት ተማሃሮ “ህይወት ብምልኣት ክነብሩ ትብዓት ይሃልኹም . . . ኣብ ዘመን ኣመጽኦ፡ መልክዕ፡ ወይ ሓላፊ ደስታ ክዓርፉ ከም ዘይብሎም ኣስሚሩም፡ “ንዝዓበየ ነገር ክናፍቑ” ኣተሓሳሲቦም፡ እዚ ድሌት ናይቶም ዝሓሸ ሕብረተሰብ ተስፋ ዝገብሩን ዝውጥኑን መንእሰያት እዩ። ስለዚ: መብራህቲ ተስፋ ኰይኖም “ኣብ ምብራኽ” ኪጽዕሩ ተማሕጺኖም። “ሓደ መዓልቲ እዚ ወለዶኹም ‘ወለዶ ተደመሮ’ ተባሂሉ እንተዝዝከር፡ በቲ ናብ ቤተክርስትያንን ዓለምን ዘምጻእክምዎ ተወሳኺ ድፍኢት እንተዝዝከር ክንደይ ሰናይ ምኾነ።” ነዚ ድሌት እዚ ሕልሚ ከይገብርዎ ኣጠንቂቖም፡ ነዚ ንምዕዋት እቲ “ሓደ ካብቲ ንዓለም ንምልዋጥ ሰናይን ሓያልን መሳርሒ” ዝኾነ ትምህርቲ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ወቕቲ ትምህርቲ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ነቶም ኣብ ጳውሎሽ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝተረኽቡ ተማሃሮ፡ ተቐበልቲ ትምህርቲ ጥራይ ዘይኮኑስ፡ “ቀንዲ ተዋሳእቱ” ምዃኖም ኣዘኻኺሮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኩሉ ሰብ መሰኻኽር ሓቅን ሰላምን ዝኾነሉ “ሓድሽ ወቕቲ ትምህርቲ” ኣብ ዝብል መርገጺ ኣብ ሓደ ክመጹ ኣተሓሳሲቦም። እዚ ግን በይኖም ክገብርዎ የብሎምን። ኣብ ምድላይ ሓቅን ህንጸት ሰላምን ንኣዕሩኽቶም ከሳትፉ ኣተባብዖም።

ኣብዚ ዕማም እዚ ንተማሃሮ ንምሕጋዝ፡ ቅዱስነቶም ሓደ እዋን “ፍልጠት ክካፈል ከሎ ይዓቢ፡ ሃልሃልታ ሓቂ ድማ ኣብ ዘተ ምስ ኣእምሮ እዩ ዝነድድ” ዝብል ቅዱስ ጆን ሄንሪ ኒውማን ዝተዛረቦ ጠቒሶም፡ ከም ከዋኽብቲ ብዙሓት ሰባት ተኣኪቦም ውቁብ ቅርጽታት ምስ ዝፈጥሩ ሓቀይና ሰላም ከም ዝረጋገጽ ገሊጾም፡ ሓቢርና ብምስራሕ "ንቕድሚት ዚመርሕ ትምህርታዊ ጭፍራ ኸዋኽብቲ ኽንፈጥር ንኽእል ኢና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናብ ከዋኽብቲ ጠምቱ

ካብ ባሕረይናታት ክሳዕ ፖሊነዥያውያን ካብ ሓረስቶት ኣንደስ (በሪኽቲ ቦታታት ኣላቲን ኣመሪካ) ክሳዕ እቶም ኣብ ታሪኽ ልደት ዝነበሩ ሰብኣ ሰገል ንከዋኽብቲ ከም መምርሒ ይጥቀሙሎም ከም ዝነበሩ ኣብሪሆም፡ ልክዕ ከም ኣቦሓጎታትና ንሕና እውን ዚመርሑና ኸዋኽብቲ ኣለዉና፣ እዚ ኸኣ ወለድናን መምህራንናን ካህናትን ፈተውትናን ዝውክል እዩ። ነቲ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ብድሆታት ንኽንሰግሮ ዝሕግዘና እዩ። ኵላትና እውን ብግዴና ነቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት "ዜንጸባርቑ መሰኻኽር" ኽንከውን ተጸዊዕና ኢና። በይንና ከም ውልቅና ከዋኽብቲ እኳ እንተ ዀንና ብሓባር ግን ጭፍራ ኸዋኽብቲ ኢና እንፈጥር” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ትምህርቲ ንሰባት ዘራኽብ መገዲ እዩ። ናብ ሰማይ ናብ ላዕሊ ክንጥምት የተባብዓና። ትምህርቲ ኪኖ ክንጥምትን እቲ ክንገብሮ ዘይግብኣና ንኽንግንዘብን ዚሕግዘና መጋበርያ እዩ። ስለዚ ንታሕቲ ንናይ ኢድ ተለፎንና ክንጥምት ዘይኮነስ ናብ ሰማይ ናብቲ ዝበረኸ ጠምቱ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ንሕና ንብዙሕ ካልእ ዝተፈጠርና ኢና

ናብቲ ዓለምለኻዊ ውዕል ትምህርቲ ምልስ ቢሎም፡ መንእሰያት ባዕሎም ነቲ ናይ መጀመርታ ሓድሽ ብድሆታት ኣብዚ ውጥን እዚ ብኸመይ ከም ዘቕረቡ ዘኪሮም - "ብዛዕባ ውሽጣዊ ህይወት ኣብ እንመሃረሉ ትምህርቲ ሓግዙና" ዝብል ሕቶ ዘቕረብሉ ምዃኑ እውን ኣመላኺቶም፣ እዚ መን ምዃንና ወይ ትርጕም ህይወት እንታይ ምዃኑ እንተ ዘይፈሊጥና ሰፊሕ ፍልጠት ጥራሕ ክህልወና እኹል ከም ዘይኰነ ዘረጋግጽ እዩ፣ ምኽንያቱ፡ "ብዘይ ናይ ጽሞና ግዜ ብዘይ ምስማዕ ብዘይ ጸሎት ብርሃን ከዋኽብቲ እውን ከይተረፈ ይጠፍእ። ገሊኦም ሰባት ከም ዓመጻን ምድሃልን ጭቈናን ዝኣመሰለ እተፈላለየ ዓይነት ባዶነት ወይ ህርፋን ይስምዖም ዝነበሩ ክኾኑ ይኽእሉ። እዚ ድማ "ኣብ ተግባራዊ ማሕበራዊ ወይ ግብረ ገባዊ መዳያት ህይወት ጥራይ ብምትኳር ንመንፈሳዊ ስፍሓት ሰብኣዊ ኣካል ብኸመይ ከም ዚምስርት ዝረስዐ ሕብረተሰብ ዝፈጠረ ባዶነት" ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ናይ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ታሪኽ ህይወት ኣብታ ኑዛዜ ዘርእስታ መጽሓፉ ንውሽጣዊ ህይወት ብኸመይ ከም እንመሃር ንኽንርዳእ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ነቲ ህርፋንና ኽንሰምዖን ካብኡ ንኸይንሃድም ወይ ነቲ ባዶነት ብሓላፊ ነገራት ከይንመልኦን ክንጥንቀቕ ኣሎና ። ንብዙሕ ነገራት ስለ እተፈጠርና ኣብ ደውታ ክንተርፍ ከም ዘይብልና ከም ዘተሓሳሰቡ ኣፍሊጡ።

ትምህርቲ ኣብ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ ዓለም

እቲ ኻልኣይ ሓድሽ ትምህርታዊ ብድሆታት እቲ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ ትምህርቲ፡ መንእሰያት ተማሃሮ ብሓቂ መምህራን ዝዀኑሉ መዓልታዊ ዝነርዎ ተወፋይነት እዩ፡ ኣብዚ ጥንቁቓት ክዀኑ ድማ ቅዱስነቶም ተማሕጺኖም፡ ኣብ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና እንተዀነ ግን እደ ጥበብ ታሪኽና ክጽሕፍ ወይ መጋብርያታቱ ክንገብረና ክንፈቕደሉ የብልናን - ምስ በሉ - ብዛዕባ ኻልእ ዘመናዊ ዓለም ብድሆ ክዛረቡ እንከለዉ ማለት ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ተንኪፎም "በሊሕ" እኳ እንተዀነ ሰብኣዊ ስጕምቲ ንምውሳድ ክንጥቀመሉ ኸም ዘሎና ኣጒሊሖም። "ነቲ ብስነ ኣሃዝ እተራቐ መጋበርያ ከም ሕውነትን ምህዞን ቦታ ጌርና ኽንሃንጾ ኽንመሃር ኣሎና - ኣብ ውሽጥኻ እትዓጸወሉ ወልፊ ወይ ካብ ኩሉን ካልእን ንምህዳም ክኸውን የብሉን። ኣብዚ ድማ ንህይወት ቅዱስ ካርሎ ኣኩቲስ ከም ኣብነት ቅድስና ኣብ መዋእል እደ ጥበብ ተወኪሶም የነጽሩ።

ሰላምን ትምህርትን

ሳልሳይ ብድሆ ውጥን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፡ ትምህርቲ ንሰላም እዩ ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፡ እዚ ድማ "ኣብ ማእከል እቲ ሓድሽ ዓለምለኻዊ ውዕል ትምህርቲ" ዘሎ ብድሆ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ነቲ ብውግእን ጽልእን ምክፍፋልን ዘስግእ ዘሎ መጻኢ ናይ ምቕያር ሓይሊ ኣሎና። መልስከ እንታይ እዩ? "ኣጽዋር ዘፍትሕን ኣጽዋር ዝፈተሐን ትምህርቲ ሰላም" ምዃኑ ኣጒልሖም፡ ይኹን እምበር ኣጽዋር ስቕ ምባል ጥራይ ማለት ኣይኰነን፡ "ንዅሉ ዓመጽን ጽዩፍን ብምሕዳግ ኣጽዋር ልባትና ክንፈተሕ ኣሎና፡ ኣጽዋር ዘፍትሕን ኣጽዋር ዝፈተሐን ትምህርቲ ንዅሉ ሰብ ማዕርነትን ምዕባለን ንምፍጣር ይሕግዝ ክብረት ናይ ኵሉ ሰብ ኣፍልጦ ንምሃብ ከምኡውን ኣብ መንጎ ሰባት ምግምማዕ ንምርሓቕን ይሕግዝ - ምስ በሉ - ንዅሎም እቶም ኣብኡ ንዝትረኽቡ ተመሃሮ ፈለማ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ገበርቲ ሰላም ኪዀኑ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ተተኳሲ ከዋኽብቲ ከይደልዩ፡ የግዳስ “ናብቲ ወትሩ ኣብ ​​መገድታት ህይወት ዝመርሓኩም ‘ጸሓይ ጽድቂ’ ኢየሱስ ክርስቶስ ጠምቱ” እንክብሉ ብዘቕረብዎ ምሕጽንታ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንተማሃሮ፡ መጋበርያ እደ ጥበብ ኣይትኹኑ!
30 Oct 2025, 16:49