ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንጉስ ቻርለስን ንግስቲ ካሚላን ኣብ ቫቲካን ክቕበሉ እዮም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይን ንግስቲ ካሚላን ሓሙስ ዕለት 23 ጥቅምቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ መንግስታዊ ዑደት ከካይድ እዩ. ኣብኡ ድማ ብር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣቀባብላ ክግበረሉ እዩ። እዚ ብኽልቲኦም ቅድስቲ መንበርን ቤተ መንግስቲ ባኪንግሃምን ዝተረጋገጸ ዑደት ኣብ ዝምድና ኣንግሊካንን ካቶሊክን ታሪኻዊ ህሞት ዝሕብር ኮይኑ፡ ኣብ ክልተ ክርስትያናዊ ሓድነትን ሓልዮት ከባቢን ኣብ ዝብል ወሰንቲ ኣርእስታት ዘተኮረ ዑደድ እዩ።
ከም ኣካል ናይቲ መዓልቲ ፍጻመታት፡ ንጉስ ቻርለስ ካብ መናድቕ ሮማ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ምብጻሕ ከካይድን ንጉሳዊ ወዲ ማሕበር ቅዱስ ጳውሎስ ዝብል ናይ ክብሪ ማዕርግ ክወሃቦ እዩ፡ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ዘውዲ ብሪጣንያን ምስቲ ባዚሊካ ዝተኣሳሰር ገዳም በነዲክታውያን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ርክብ ኣፍልጦ ዝህብ እዩ።
ብኣቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 12፡00 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲን ንሓልዮት ፍጥረት ዝዓለመ ኤቍመናዊ ጸሎት ክመርሑ እዮም። ብድሕሪኡ ኣብ ንጉሳዊ ኣዳራሽ ምስ ውልቀሰባትን ንሓለዋ ከባቢ ውፉያት ትካላትን ኣኼባ ክካየድ እዩ ። ሰዓት 14፡45 ንጉስን ንግስትን ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ካብ መናድቕ ሮማ ወጻኢ ክበጽሑ እዮም፡ ኣብኡ ድማ ንጉስ ቻርለስ ንጉሳዊ ወዲ ማሕበር ቅዱስ ጳውሎስ ዝብል መዓርግ ብወግዒ ክወሃቦ እዩ።
ቤተ መንግስቲ ባኪንግሃም ነቲ ዑደት “ታሪኻዊ” ክብል ገሊጹ፣ ምስቲ ናይ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ነጋዲያን ተስፋ ዝብል መርሕ ቃል ብምትሕሓዝ፡ ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ቤተ ክርስቲያን እንግሊዝን ዝግበር ናይ ሓባር ኵላዊ ጻዕርታት ኣፍልጦ ዝህብ ምዃኑ ይሕብር።
ኣብ ሓድነትን ከባብን ዘተኮረ ዑደት
ናይቲ ንጉሳዊ ዑደት ክርስትያናዊ ሓድነትን ሓልዮት ፍጥረት ኣብ ዝብል ክልተ ማእከላይ ኣርእስታት እውን ተተኮረ እዩ። ዕለት 17 ጥቅምቲ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፍላቪዮ ፓቸ ናይቲ ዕደት ኤቍመናዊ መዳያቱ ክገልጹ እንከለዉ፡ ኵለንታዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊት እናቴ ኣሌሳንድራ ስሜሪሊ ናይቲ ዑደት ስነ ምህዳራዊ መዳያቱ ኣብሪሀን።
እዚ ፈለማ ምስ ዝኽሪ መበል 10 ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ ስነ ምህዳር ኣማእኪሎ ዝለገስዎ ስቡሕ ኣንተ ዘርእቱ ዓዋዲት መልእኽቲ ብምትሕሓዝ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ዑደት ከም ዝነበረን ደሓር ግን ንጉስ ቻርለስ - ከም ላዕለዋይ ኣመሓዳሪ ቤተ ክርስቲያን ዓዲ እንግሊዝ ነቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝጸነሐ ናይ ሓባር ተወፋይነት - ብፍላይ ኣብ ሓልዮት ፍጥረት ኣማእኪሉ ኣብ ዝካየድ ሊጡርጊያዊ ስነ ስርዓት ክሳተፍ ድሕሪ ምሕታቱ ናብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተሰጋገረ እዩ። እቲ ሊጡርጊያዊ ስነ ስርዓት ብር.ሊ.ጳ ሊዮ መበል 14ን ብናይ ዮርክ ኣንጊሊካዊ ሊቀ ጳጳሳት ስቲቨን ኮትረልን ብሓባር ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲን ዝምራሕ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ትውፊታት ዘጣምር መዝሙር
እቲ ኤቍመናዊ ቃና ናይቲ ምብጻሕ ኣብቲ ስነ ስርዓት ሊጡርጊያ ዝንጸባረቕ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ብቅዱስ ኣምብሮሲዩስ ዘ ሚላኖ - ብቅዱስ ጆን ሄንሪ ኒውማን ዝተዘመረ መዝሙር ዘጠቓልል ክኸውን እዩ። ኣብ ዝምድናታት ኣንግሊካንን ካቶሊክን መሰረት ዝነበረ ኒውማን፡ ቅድሚ ካቶሊክ ምዃኑ መብዛሕትኡ ህይወቱ ኣንግሊካዊ ዝነበረ ዕለት 1 ሕዳር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንኒውማን ሊቀ ቤተ ክርስቲያን እንክብሉ ክእውጅዎ እዮም፣ ኣብዚ ሊጡርጊያዊ ስነ ስርዓት እውን ልዑል ልኡኽ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክሳተፍ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ፍሉይ ክብሪ ንንጉስ
ድሕሪ ቀትሪ ናብቲ ምስ ዘውዲ ብሪጣንያን ጥቡቕ ርክብ ኣብ ዘለዎ ካብ ወጻኢ መናድቕ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስን ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዝርከብ ገዳም በነዲክቶስ ምብጻሕ ካካይዱ እዮም፡ ነዚ ኣጋጣሚ ንምዝካር ንጉስ ቻርለስ ብወግዒ ብካርዲናል ጀምስ ማይክል ሃርቪን ኣበምኔት ዶናቶ ኦሊያሪን ብፍቓድ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንጉሳዊ ወዲ ማሕበር ቅዱስ ጳውሎስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማዕርግ ክወሃብ እዩ። ሊቀ ጳጳሳት ፓቸ ነዚ ማዕርግ እዚ ድማ “ናይ ክብርን መንፈሳዊ ሕብረትን ምልክት እዩ” እንክብሉ ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ይሕብሩ።
መጋብነት መሬት
ድሕሪ’ቲ ኤቍመናዊ መደብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን ንጉስ ቻርለስን ምስ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ሰብ ሞያ ንግዲን ተሓለቕቲ ከባቢን ክኢላታት ሕቡራት ሃገራትን ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ንጉሳዊ ኣዳራሽ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ክሳተፉ እዮም። ወከልቲ ምንቅስቓስ ‘ስቡሕ ኣንተ' እውን ክሳተፉ እዮም።
እናቴ ስመሪሊ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “እዚ ኣኼባ እዚ ኣብ መንጎ ካቶሊካውያንን ኣንግሊካንን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ጉዳያት ምህዳር ዘሎ ጽኑዕ ርክብ ዘጕልሕ እዩ” ቢለን፡ "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኵሉ ነገር ተማራዃሲ ምዃኑን ኣከባብያውን ማሕበራውን ቅልውላው ብሓባር ክፍታሕ ከም ዘለዎ ኣዘኻኺሮምና እዮም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድማ ነዚ ኣቀራርባ እዚ ተወሳኺ ስጕምቲ ብምውሳድ ይቕጽልዎ ከም ዘለዉ ሓቢረን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተወስዱ ተበግሶታት እቲ ዕለት 9 ሓምለ ዝዓረገ Missa pro custodia creationis - ቅዳሴ ንሓለዋ ፍጥረት፡ ከምኡ’ውን ዕለት 5 መስከረም ዝተፈጸመ ምረቓ “ቅርዓት ስቡሕ ኣንተ’ ኣጒሊሐን፡ ብተወሳኺ ንጉስ ንውልቃዊ ጽላት ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ለውጢ ከባቢያዊ ኣየርን ክሳራ ብዙሕነት ህይወትን ንምብዳህ ክዋሳእ ንዝገበሮ ጻዕሪ ከም ዝነኣዳ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ንቕድሚት ምጥማት
ክልቲኦም ሊቀ ጳጳሳት ፓቸን እናቴ ስሜሪሊን ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ኣገዳስነት ናይዚ ምብጻሕ ኣስሚሮም፡ ሊቀ ጳጳሳት ፓቸ "ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያናትና ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ዕርቂ፡ "ክሳብ ክንደይ ከም እተጓዓዝና ዘብዕል - ንመጻኢ ድማ ተስፋ ዝህብ ታሪኻዊ ህሞት እዩ” ከምዝበሉን፡
እናቴ ስመሪሊ ፡ ሓያል ምልክት ሓድነትን ኣብ ልዕሊ መሬት ዘሎና ናይ ሓባር ሓላፍነትን ዘጉልሕ እዩ፡ እዚ ጉዳይ እዚ ንመጻኢ ወለዶታት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ እዩ” ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
