ድለ

2025.10.27 Sርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ 'ሲኖዳውነት ገዛእ ርእሱ ንቕድሚት ዝመርሕ ተስፋ ዘለዎ መንገዲ ኮይኑ ይቐርብ!” 2025.10.27 Sርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ 'ሲኖዳውነት ገዛእ ርእሱ ንቕድሚት ዝመርሕ ተስፋ ዘለዎ መንገዲ ኮይኑ ይቐርብ!”  (@VATICAN MEDIA)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ 'ሲኖዳውነት ገዛእ ርእሱ ንቕድሚት ዝመርሕ ተስፋ ዘለዎ መንገዲ ኮይኑ ይቐርብ!”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንካቶሊኮስ ፓትርያርክ ኣሶርያዊት ቤተ ክርስቲያን ምብራቕን ንኣባላት ሓባራዊ ሽማግለ ቲዮሎጊያዊ ዘተ ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣሶርያዊት ቤተ ክርስቲያን ምብራቕን ኣብ ሃገር ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ክልቲአን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ መንገዲ ዘተ ዘመዝገባኦ ምዕባለ ይንእዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንቅዱስነቶም ማር አዋ ሳልሳይ ካቶሊኮስ ፓትርያርክ ኣሶርያዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣባላት ሓባራዊ ሽማግለ ቲዮሎጊያዊ ዘተ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣሶርያዊት ቤተ ክርስቲያን ምብራቕን ዕለት 27 ጥቅምቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን፡ ቅዱስ ኣቦና እቲ ሓባራዊ ምብጻሕ ናይ ካቶሊኮስ ፓትርያርክን ኣባላት ሽማግለ “ሕውነታዊ ርክብን ስነ መለኮታዊ ዘተን ኣብ መንገዲ ሓድነት ንሓድሕዶም ዝቖሙ ባእታታት ምዃኖም ዝምስክር እዩ” ኣንክብሉ ገሊጾም፡ “ዘተ ሓቂ” መግለጺ “እቲ ድሮ ንቤተ ክርስቲያናትና ዝጥርንፍ ፍቕሪ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ‘ዘተ ልግስነት’ ብቲዮሎጊያ እውን ክስትውዓል ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ዕብየት ግዜ

ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝተበገሰ ወግዓዊ ዘተ መበል 30 ዓመት ንምዝካር ኣብ 2024 ናብ ሮማ ምብጻሕ ከም ዝገበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘኪሮም፡ "ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት እተራእየ ምዕባለታት ነቲ ቕድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዘቘምዎ ተልእኾን ሜላን ብተኣማንነት” ከም ዝስዕቡን፡ ነቲ ኣብ 1994 ብር.ሊ.ጳ. ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማውን ቅዱስነቶም ማር ዲንካ ራብዓይን ዘውጽእዎ ሓባራዊ ኣዋጅ ብምጥቃስ፡ “ሓድነት ብዛዕባ ትሕዝቶ እምነትን ምስጢራትን ቅዋመ ቤተ - ክርስትያንን ሓደ ድምጺ ምዃን ይሓትት” ቢሎም፡ እዚ ሰለስተ ሸነኻዊ መግለጺ እዚ ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ቲዮሎጊያዊ ዘተ ንዝቕጽል ስጉምትታት ዝኸውን ማዕቀፍ ከም ዝፈጠረ ኣስሚሮም፡ እቲ ናይ 1994 ሰነድ ነቲ ን1500 ዓመታት ዝጸንሐ ክትዕ ንምፍታሕ ሓጊዙ እዩ፣ እዚ ድማ ብግዲኡ ነቲ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም "ኣብ መንጎ ኣብያተ - ክርስትያንና ኣብ ቅዱስ ነገራት እተወሰነ ሕብረት ንኺህሉ ዘኽእል ሓባራዊ ኣፍልጦ ምሃብ" ነቲ ኣብ መንጎ ኽልቲኡ ዝነበረ ምይይጥ ኣደልዲልዎ እዩ። ነቶም ኣብ ሓባራዊ ሽማግለ ቲዮሎጊያዊ ዘተ ዘለዉ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ነዚ ስምምዓት ንምብጻሕ ንዝገበርዎ ተወፋይነትን ስራሕን ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ትኹረት

ሕጂ ድማ ትኹረት ናይቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝካየድ ዘተ ቅዋመ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት እዩ። ኣብዚ “እቲ ቀንዲ ብድሆ ኣብ ቀዳማይ ሽሕ ዓመት ናይ ዝተበገሰ ናይ ምሉእ ሕብረት ቀጥዒ ብሓባር ምምዕባል ዝብል ነቲ ኣብዚ ዘመንና ዘሎ ብድሆታት ብሓሳብ ምላሽ ኣብ ምሃብ ዘተኮረ እዩ” እንክብሉ ኣመልኪቶም። እንተኾነ ግና ከምቲ ቅድሚኦም ዝነበሩ ሓድነት እዚ ብምውሓጥን ወይ ብዓብላልን” ከምዘይብጻሕ ብምስምማዕ። እንታይ ደኣ እቲ ኣገባብ ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣብያተ ክርስቲያናት ውህበት ምክፋል ከተባብዕ "ኣብዚ ናብ ምሉእ ሕብረት ዝመርሕ ጕዕዞ ሲኖዳውነት ንገዛእ ርእሱ ከም ተስፋ ዘለዎ መገዲ ንቕድሚት የቕርብ" እንክብሉ ኣጕሊሖም። ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ መወዳእታ ሰነድ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነት እተዛረብዎ ቓላት ብምስትንታን "እቲ ብካቶሊካዊት ቤተ - ክርስትያን እትገብረ ጕዕዞ ሲኖዳውነት ከምቲ ኤቍመናዊ ሲኖዳውነት ዝኾኖ ኤቁመናዊ እዩ" ቢሎም፡ ንመንፈስ ሲኖዶስ ኣብ ግምት ብምእታው መበል 1700 ዝኽሪ ቀዳማይ ኤቍመናዊ ዋዕላ ኒቅያ ኣብ መንጎ ኵሎም ክርስትያን ንሲኖዳዊ ቅርጺ ብጭቡጥ ኣብ ግብሪ ንምውዓልን "ብሓደስቲ 'ኤቍመናዊ ሲኖዶሳዊ ልምድታት' ከም ዘነቓቕሓናን ዘለዎም ተስፋ ምስ ገለጹ፣ ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኩሎም ቅዱሳን ክልቲአን ኣብያተ ክርስትያን ብፍላይ ከኣ ቅዱስ ይስሃቅ ዘነነዌ ኣብዚ ናይ ምይይጥ ጕዕዞ ከማልዱ ሓቲቶም። ብኣማልድነቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ወትሩ ብዛዕባ ክርስቶስ ብተኣማንነት ክምስክሩ ጸልዮም፣ "እቲ ኣብ መንጎና እነካይዶ ዘተ ነታ ዓለም ምእንቲ ኽትኣምን ኣብ ሓደ መሰውኢ ብሓባር ናይ መድሓኒና ስጋን ደምን ብሓባር እንካፈለሉ መዓልቲ የቀላጥፎ" (ዮሓ 17 21) ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን ቅዱስነቶም ማር አዋ ሳልሳይ ካቶሊኮስ ፓትርያርክ ኣሶርያዊት ቤተ ክርስቲያን
28 Oct 2025, 16:10