ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ምስ ኢየሱስ ምርኻብና ዝፈጥሮ ሓጎስ ኣስፍሑ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ መርበባት ደቀባትን መርበብ ቲዮሎጊያውያን ደቀባትን ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ኣብ ዘብዕሉሉ ዘለዉ ዕለት 16 ጥቅምቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ቅዱስነቶም ናይቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሌት ዘኪሮም፣ ንሶም፣ ንፍጻመታት ኢዮቤል ኣብ ብዙሕ ዘቕርብዎ ዝነበረ ጻውዒትን ዕድመታትን ኩነታት ህይወትን ዝግለጽ: ስድራ ቤት፣ ህጻናት፣ መንእሰያት፣ ኣረጋውያን፣ ካህናትን ደቂ ተባዕትዮን ደቂኣንስትዮም ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ዓለማውያንን፣ ኣገልገልቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን" ዝሓቍፍ ኵላውነት ቤተ ክርስቲያን ከጉልሑ ከም ዝደለዩ ኣስተብሂሎም፣ “ብቅዱስ ኣፍደገ ምሕላፍ፡ ካብ ብውቁብ ቤተ መቕደስ ምሕላፍ ዝብል ምሳልያዊ ምልክት ምፍጻም ንላዕሊ፡ እቲ ብሓቂ እንደልዮ፡ ብእምነት ናብቲ ባዕሉ ምንጪ መለኮታዊ ፍቕሪ - ናብቲ ናይ ዝተሰቕለ ክፉት ጎኑ ምእታው እዩ ዘመልክት . . . “ኣብዚ እምነት እዚ ኢና ናይ ኣሕዋት ኣሓትን ዝኾነ ህዝቢ፣ ሓደ ኣብቲ ሓደ ዝኾንና (ቅዱስ ኣጎስጢኖስ፣ ሓተታ መዝሙር 127፡4 ተመልከ)። ካብዛ ሓቂ እዚኣ ኢና ታሪኽናን ህሉው ክውንነትናን ደጊምና ከነንብብ፣ ቅዱስ ዓመት ዋላ’ኳ ጻዕርናን መከራን እንተሃለወ ተስፋ ሒዝና ንመጻኢ ክንገጥሞ ይዕድመና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዕርቂ ምስ ታሪኽ
ብተወሳኺ “እቲ ደቀባትና ዘጋጠሞም ናይ ነዊሕ ታሪኽ ስብከተ ወንጌል ብርሃንን ጽላሎትን ዝመልአ ምዃኑ” ኣስተብሂሎም፣ ንቅዱስ ኣውጉስጢኖስ ብምጥቃስ ልኡኻት ወንጌል ኩሉ ግዜ ምስ መልእኽቱ ኣብ ዘይሰማምዑሉ እዋን እውን እንተኾነ “እግዚኣብሔር ባዕሉ ጸጋ ይገብር” እንክብሉ ኣስሚሮምሉ። በዚ ኸኣ ኢዮቤል “ንኣሕዋትና ካብ ልብና ይቕረ ክንብለሎም” (ማቴ 18፡35)፡ ምስ ታሪኽና ክንዕረቕ፡ ብምሕረት ኣምላኽ ከነመስግን ምሹእ ግዜ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ህዝብታት ብሓቂ ሕዝበ እግዚኣብሔር ክኾኑ ዝኽእሉ ብመለኮታዊ ሓይሊ ብተኣማንነት ኢዶም ብምሃብ ጥራይ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ጎይታ “ዘርኢ ቃል ኣብ ኩሉ ባህልታት ከም ዝተኸለን” ብሓድሽ መገዲ ክዕምብብ ከም ዝገብርን ኣዘኻኺሮም፣ ኣብዚ መዳይ እዚ ንቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ጠቒሱ፤ "ሓይሊ ወንጌል ኣብ ኩሉ ቦታ ዝቕይርን ዝሕድስን እዩ። ኣብ ሓደ ባህሊ ክኣቱ ከሎ ወንጌል ምስ ባህልታት ኣብ ዝራኸበሉ እንተዝቕየር ነይሩ ትምህርተ ክርስቶስ ዘይከኣል ምኾነ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዘሀብትም ዘተ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘተን ርክብን “ክርስቶስ ንዅሎም ህዝብታት ዘቕርቦ ምልኣት ህይወት” ንምርካብ ከም ዘኽእል ኣረጋጊጾም። እዚ ህይወት እዚ ኣብቲ "ብናይ መጀመርታ ሓጢኣት እተንጸባረቐ" ሰብኣዊ ድኽመትን ኣብቲ "ብዙሕ ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ነጠብጣብ ደሙ ዘፍሰሰ" ጸጋ ክርስቶስን ከም እተገልጸ ኣዘኻኺሮም፣ ንኣበርክቶ ማሕበረሰባት ደቀባትን ደቀባት ቲዮሎጊያውያን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ስለ ዘለዎም ኣበርክቶ ኣመስጊኖም፣ ኣድማሳዊ ኣረኣእያኦም “ምስ ፈጣርን ፍጥረትን ዘሎ ሕብረት ብዓሚቝ ናፍቖት ዝገልጽ ምዃኑ” ኣጕሊሖም - እዚ መልእኽቲ እዚ ቤተ ክርስቲያን ክትሓቑፎን ብመመያ ከተሰንዮን ኣለዋ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ወንጌል ትብዓትን ተልእኾን
ቅዱሠንቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝፈትውዋ፡ ፓረዝያ - ብናጽነት ምዝራብ እተመልክት ቃል ተወኪሶም፣ “ካብ ገዛእ ርእስና ወጺእና ብዘይ ፍርሕን ብናጽነት ልብን ወንጌል ክንእውጅ ዝድርኸና ወንጌላዊ ትብዓት ይሃልወና ቢሎም፣ ኣብ ህዝባዊ መዳያት ደቀባት ናይ ገዛእ ርእሶም ሰብኣዊ፡ ባህላውን ክርስትያናውን ሃብቲ ብትብዓትን ናጽነትን ከቕርቡ ከም ዘለዎም ኣረጋጊጾም። ቤተ ክርስቲያን “ብፍሉይ ድምጾም ተሀብትም እያ፣ እዚ ድማ ኣብቲ ኩሎም ዝእውጁሉ ዕዙዝ መዘምራን መተካእታ ዘይብሉ ቦታ ኣለዎም: ዘለኣለማዊ ጐይታ ኣምላኽ፣ ብሓጐስ ንዓኻ፣ ንዓኻ ምስጋናና ንዝምር” ምስ በሉ፣
ማርያም ኮኾብ ስብከተ ወንጌል
ኣብ መወዳእታ ንስራሕ ናይተን መረባት ደቀባት ንቕድስቲ ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፕ “ኮኾብ ስብከተ ወንጌል” ሕድሪ ቢሎም፣ ንሳ ድማ “ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽልተ ህዝብታት ከመይ ገይሩ ሓደ ከም ዝገበሮ፣ ነቲ ዝፈላልዮም ዝነበረ መንደቕ ጽልኢ ከም ዘፍረሶ ኣርእያ” እያ፣ “ኪዱ፡ ንዅሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም”፡ “ምስ መለኮታዊ ልቡ ብምርኻብ ዝፍልፍል ሓጐስ” ብምዝርጋሕ” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
