ድለ

2025.10.25 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ መርሔ መንግስቲ ሊባኖስ ናዋፍ ሰላም ተራኺቦም 2025.10.25 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ መርሔ መንግስቲ ሊባኖስ ናዋፍ ሰላም ተራኺቦም  (@VATICAN MEDIA)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ መርሔ መንግስቲ ሊባኖስ ናዋፍ ሰላም ተራኺቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ ሊባኖስ መራሔ መንግስቲ ናዋፍ ሰላምን ምኽትሉን ታረክ ሚትሪን ዕለት 25 ጥቅምቲ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን መራሔ መግንስቲ ሊባኖስ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብመሰረት ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር፡ ዕለት 25 ጥቅምቲ ንጉሆ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ መራሔ መንግስቲ ሊባኖስ ናዋፍ ሰላምን ምስ ምኽትሉ ታረክ ሚትሪን ከም እተራኸቡን ኣስዒቦም እውን ክልቲኦም ላዕለዎት ኣካላት መንግስቲ ሊባኖስ ብናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ ርክብ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ሰናይ ክልተኣዊ ዝምድና፡ ከምኡ'ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ዕለት 30 ሕዳር ክሳብ ዕለት 2 ታሕሳስ 2025 ናብ ሊባኖስ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ከም እተመያየጡን እቲ ዘተ ብተወሳኺ "ህዝቢ ሊባኖስ ኣብ መስርሕ ጽገናን ምርግጋእን እታ ሃገር ዘንበሮ ተስፋታትን ምሉእ ርግኣት ኣብ ቀረባ እዋን ክረጋገጽ እዩ ዝብል ሓባራዊ ተስፋ" ከም እተሰመረሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ይሕብር።

Photogallery

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ መርሔ መንግስቲ ሊባኖስ ናዋፍ ሰላም ተራኺቦም
27 Oct 2025, 15:35