ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ርእሰ ብሔር ጋቦን ተራኺቦም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 30 ጥቅምቲ ቅድሚ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ናይ ረፓብሊካዊት ጋቦን ርእሰ ብሔር ብሪስ ክሎቴር ኦሊጊ ንጉማ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ርእሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ጋቦን ብሪስ ክሎቴር ኦሊጊ ዕለት 30 ጥቅምቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከም እተራኸቡ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። ርእሰ ብሔር ብሪስ ክሎቴር ኦሊጊ ንጉማ ካብ ቅዱሰንቶም ምስ ተሰናበቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ፡ ኣብቲ ክሌኣዊ ዘተ፡ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ጋቦንን ዘሎ "ሰናይ ርክብ” ከም እተሰመረሉን፡ ከምኡ እውን "ብዛዕባ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቍጠባውን ኩነታት እታ ሃገር ብፍላይ ከኣ ምስ ቤተ - ክርስትያን ኣብ ዓውዲ ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ሞያውን ትምህርቲ መንእሰያት ዘሎ ምትሕብባር” ምይይጥ ከም እተገበረሉን፡ "ኣብ መንጎ ህዝብታት ዘተን ዕርቅን ምትብባዕ ኣድላዪ ምዃኑ ዘጕልሕ ዞባውን ኣህጉራውን ኣርእስትታት ኣማእኪሎም እውን ከም እተመያየጡ ኣፍሊጡ።
30 Oct 2025, 16:47
