ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ 'ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝጽወር ዝኾነ ዓይነት ግህሰት የለን!”
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን
"ኣብ ቤተክርስትያን ንዝኾነ ዓይነት ግህሰት ምጽዋር ክህሉ ከምዘይክእል ጻውዒተይ አሐድስ፡” ነዚ ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ኣብቲ ካብ 20 - 24 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ፊሊፒንስ ናብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ዋዕላ ምክልኻል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኮይኑ፡ ነቲ መልእኽቲ ብስም ቅዱስነቶም ኣብ ፊሊፒንስ ንቤት ምኽሪ ጳጳሳት ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሓለዋ ትሕቲ ዕድመን ተቓላዕቲ ዓበይትን ናይ ሳን ፈርናንዶ ሊቀ ጳጳሳት ፍሎረንቲኖ ላቫሪያስ ዘረከቡ ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ቻርለስ ብሮውን ከም ዝኾኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መልእኽቶም ንሃገራዊ ዋዕላ ምክልኻል ዘለዎም ኣድናቖት ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣድማዒ ሓለዋ ክግበር ኣጽኒዖም ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንዝኾነ ዓይነት ግህሰት ምጽዋር ዝበህል ነገር የሎን
"ቤተክርስትያን መንፈሳዊት ቤትና እያ፡ ከምኡ ስለዝኾነት ኩሉ ቁምስናታትን ጓሳዊ ንጥፈታትን ንኣምላኽ እነኽብረሉን ንኻልኦት ብፍላይ ድማ ንህጻናትን ንተቓላዕትን እንሓልየሉ ቦታ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዝኾነ ዓይነት ግህሰት ምጽዋር ክህሉ ከም ዘይግባእን ክህሉ ከም ዘይብሉን ጻውዒተይ አሐድስ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ኣድላይነት ግሉጽነት ዘረጋግጹ ሕግታትንን ኣሰራርሓን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ምይይጥ ግልጽነት ዘረጋግጽ ናይ ምክልኻል ባህሊ ዘማዕብልን 'ነዞም ናይ ጎይታ ዝኾኑ ንኣሽቱ ቘልዑ” ዘዕቍብን መሰረታዊ ሕግታትንን ልምድታትን ናብ ምትግባር ክመርሕ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ "ከምኡ ብምግባር ኣብ ፊሊፒንስን ኪኖኡን እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ሓቀይና ምስክር ናይቲ ንመጓሰኡ ወትሩ ዘፍቅርን ዝሓልይን ሕያዋይ ጓሳ ክርስቶስ ክትከውን እያ" እንክብሉ ኣተባቢዖም፡ ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ተጋባእያን ንሓለዋ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣወኪፎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
