ድለ

2023.10.04 ር.ሊ.ጳ.፡ ቅዱሳን ሉዊስን ዜሊ ማርቲንን ኣብዚ ናይ ሎሚ 'ዝተደናገረ ዓለም' ንመጻምድቲ ኣብነት 2023.10.04 ር.ሊ.ጳ.፡ ቅዱሳን ሉዊስን ዜሊ ማርቲንን ኣብዚ ናይ ሎሚ 'ዝተደናገረ ዓለም' ንመጻምድቲ ኣብነት  (Caroline Dreier)

ር.ሊ.ጳ.፡ ቅዱሳን ሉዊስን ዜሊ ማርቲንን ኣብዚ ናይ ሎሚ 'ዝተደናገረ ዓለም' ንመጻምድቲ ኣብነት

ንመበል 10 ዓመት ቅድስና ቅዱሳን ወለዲ ቅድስቲ ተረዛ ዘ ሊዝየ ሉዊስን ዜሊ ማርቲንን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ፈረንሳ ንናይ ሰበኻ ሴዝ ጳጳስ ብሩኖ ፋይሌት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ነቶም መጻምድቲ ከም ኣብነት ንክርስትያናዊ ኣባይቲ ስድራ የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ንዝኽሪ 10ይ ዓመት ኣዋጅ ቅድስና ወለዲ ቅድስቲ ተረዛ ዘ ሊዚዮ፡ ቅዱሳን ሉዊስን ዜሊ ማርቲንን ዕለት 18 ጥቅምቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ናይ ሎሚ “ዝተደናገረ እዋን” ንመንእሰያትን ኣባይቲ ስድራን እተቕርቦ “ኣብነት መጻምድቲ” እዮም ቢሎም፡  “ኣብዚ ብዙሓት ጸረ - ኣብነት መጻምድቲ - መብዛሕትኡ ግዜ ሓላፊ፡ ውልቃውነትን፡ ከምኡ’ውን ንነብሶም ጥራይ ዝሓስቡ፡ መሪርን ተስፋ ዘቑርጽን ኩነታት ኣብ ዝሰፍሓሉ - ንመንእሰያት ሽግርን ምድንጋርን ዝመልኦ ኩነታት ኣብ ዝቐርበሉ እዋን፡ እታ ስድራቤት ከምቲ ፈጣሪ ዝሓሰቦ ግዜ ዝሓለፎን ኣሰልካይን ክመስል ይኽእል’ዩ” እንክብሉ ኣጒሊሖም፣

“ሉዊስን ዜሊ ማርቲንን ስድራ ቤት - መጻምድቲ ምዃን ከምኡ ከምዘይኮነ ይምስክሩ: ሕጉሳት ነይሮም - ዓሚይቝ ሓጎስ ነይርዎም! ህይወቶም ብምሃብ: እምነት ብምብራህን ብምትሕልላፍን: ከምኡ’ውን ደቆም ኣብ ትሕቲ የዕንቲ ጐይታ ክዓብዩን ክዕምብቡን ዝገበሩ እዮም።

እቲ ዕለት 1 ጥቅምቲ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስቲ ተረዛ ዘ ሊዝየ ዝኸተምዎ፡ ናብታ ዓዲ ስድራቤት ማርቲን፡ ኣለንሶ እትርከበሉ ሰበኻ ሴዝ ጳጳስ ብሩኖ ፋይሌት ብምኽንያት ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ኣዋጅ ቅድስናኦ ዘመሓላልፍዎ ኮይኑ፡ ወለዲ ቅድስቲ ተረዛ ዘ ሊዘ ኣብ 2015 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድስና ከም እተኣወጀሎም ዜና ቫቲካን የተዘኻኽር።

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም “እዚ ዓመታዊ በዓል እዚ መወዳድርቲ ዘይብሉ ናይ መጻምድትን ወለድን ንቕሓት ህይወትን ብቕዓቶምን ንምዕባይ ዝሕግዝ ዕድል ክኸውን እዩ” ዝብል ተስፋ ገሊጾም፣ ኣባይቲ ስድራ  - “ንልቢ ኣምላኽ ኣዝየን ፍቑራት ግን ከኣ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ተነቃፍነትን ፈተናታትን ኣብ ዘጋጥሞም እዋን - ኣብ ጉዕዞኦም ንምቕጻል ዝድርኾም ደገፍን ጸጋን በማላድነት ቅዱሳን ማርቲን” ክረኽቡ ይኽእሉ” እንክብሉ የስተብህሉ።

ንመንእሰያትን ስድራቤታትን ዝኸውን ኣብነት

ቅዱሳን ሉዊስን ዜሊ ማርቲንን “ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ነቶም - ምናልባት ምድንጋር ኣብ ዝበዘሓሉ እዋን - ሓዳር ንዝመርጹ መንእሰያት እተቕርቦም” ብርሃን ዝህቡን ዘነቓቕሑን ኣብነት እዮም።” ወለዲ ቅድስቲ ተረዛ ዘ ሊዚየ “ንሓድሕድ ናይ ተኣማንነትን ትኩርነትን፡ ናይ ውዕዉዕን ጽንዓትን ኣብ እምነት፡ ናይ ክርስትያናዊ ትምህርቲ ንህጻናት፡ ናይ ሓልዮትን ምጽዋርን ማሕበራዊ ፍትሕን” ከምኡ’ውን “ግዜ ፈተና ናይ ምትእምማን” ኣብነት እዮም። ልዕሊ ኩሉ ግና፡ “ኣብነታዊ መጻምድቲ ነቲ እግዚኣብሔር ዝህቦ ዘይንገር ሓጐስን ዓሚቝ ሓጐስን ዝምስክር እዩ፡ ብፍላይ ነቶም ነዚ ናይ ተኣማንነትን ፍርያምን መንገዲ ንርእሶም ዝውፍዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካና ኣስዒቡ፡ ኣብ መልእኽቶም ገለ መዳያት መዓልታዊ ህይወት ስድራቤት ማርቲን ፡ “ሰንበት ድሕሪ ቅዳሴ ኣብ ዙርያ መኣዲ ብሓደ ምዃን፣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓጐስን ሓዘንን መደባትን ተስፋን ምክፋል፡ ወይ ንናይ ሓባር ጸሎት ህሞታት፡ ብሓባር ግዜ ናይ ምሕላፍ ዘመልክቱ ስድራቤታዊ ፍጻመታት ምሕባር” ዝብሉ ብምጒላሕ፡ ከምኡ’ውን “ኣብ ግዜ ፈተና ኣብ መስቀል ክርስቶስ ከም እንጥርነፍ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ክብሪ ሰማይ ምስኡ ክንጥርነፍ ኢና ዝብል ተስፋ” ዝነበረት ስድራ ቤት እያ” ከም ዝበሉ የመላኽት።

ናይ ተራ ቅድስና ኣብነት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቅዱሳን ሉዊስን ዜሊን ከመይ ገይሮም “ካብ ዓለም ብምርሓቕ ቅዱሳን ክኾኑን ደቆም ብቕድስና ንምምሃር ዝነበሮም ድሌት” ካብ ግብሪ ኣየውጽእዎን፣ እንታይ ደኣ ነዚ ግቡእ ብተራ መዓልታዊ ህይወት” ኣቢሎም ከም ዝፈጸምዎ ኣዘኻኺሮም፡ እቶም ቅድሚኦም ብዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንቶም ወለዲ ቅድስና ኣብ ዝወጅሉ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ እቶም ቅዱሳን ወለዲ “ኣካል ናይቲ ኣብ ጎረባብታ  ዘለዉ ኣዝዩ ብዙሓት ዝኾኑ ጭፍራ ቅዱሳን እዮም ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ተወኪሶም፡ እቶም ቅዱሳን ወለዲ ዝነብርዎ ዝነበረ ዕለታዊ ተወፋይነት፡ “ብመንገዲ ሰበኻኦም፡ ብሞያዊ ንጥፈታቶም፡ ብናይ ግብረ ሰናይ ስራሖም፡ ብዓንኬል ፈተውቶም፡ ከምኡ’ውን ብርግጽ ብስድራቤታዊ ህይወቶም ክነብርዎ ዝጽዕሩ” ምንባሮ ቅዱስነቶም ገሊጾም፡ ብሓቂ፣ እዛ ስድራቤት እዚኣ “‘ተራ’ ዝመስል ህይወት ብናይ ብሓቂ ‘ዘይተለምደ’ ህላወ ኣምላኽ ዝተመልአት ምንባራን፡ ኣምላኽ ብቐዳምነት ኣብ ህላወ ዝብል መራሕ ቃል ከም ዝነበራ እውን ኣዘኻኺሮም፡ ታሪኾም፣ “ንሓዳር ከም መንገዲ ቅድስና ዘጉልሕ እዩ” ከምኡ’ውን “ሓዳር ሓደ ካብቶም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብእግዚኣብሔር ዝጽውዑሉ ዝኸበረን ልዕል ዝበለን ጸዋዕታታት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንኢየሱስ ኣብ ማእከል ህይወትኩም ኣቐምጥዎ

ር.ሊ.ጳ. ቀጺሎም ንመጻምድቲ “ኣብቲ ዝጀመርዎ መንገዲ ብትብዓት ክጸንዑ” ኣተባቢዖም፡ “ሓድሓደ ግዜ ከቢድን ጠለብ ዝተመልአ እውን እንተኾነ፣ ብብርሃን ዝተመልአ” ምዃኑ ኣረጋጊጾም፡ “ልዕሊ ዅሉ ንኢየሱስ ኣብ ማእከል ስድራ ቤትኩምን ንጥፈታትኩምን ውሳነታትኩምን ኣቐምጥዎ” እንክብሉ ምዒዶም፡ “ደቃትኩም ነቲ ደረት ኣልቦ ፍቕሩን ለውሃቱን ንኽረኽቡ ሓግዝዎም፣ ከምቲ ዝግብኦ ገይሮም ከፍቅርዎ ክትምህርዎም ጽዓሩ - ቢሎም - ካብ ቅድስቲ ተረዛ ዘሊዘ እዚ ኩሉ ካብ ንእስነታ ኣትሒዛ ካብ ቅዱሳን ወለዳ እንተዘይትመሃሮ ነይራ ከመይ ኢላ ንኢየሱስን ንማርያምን ክሳብ ክንድዚ ብዕምቆት ከተፍቅሮምን - ደሓር ድማ ከምዚ ዝበለ ጽቡቕ ትምህርቲ ንዓና ከተመሓላልፈና ምኽኣለት? ሎሚ ቅዱሳን ሉዊስን ዜሊን ዝህቡና ዓቢ ትምህርቲ፡ ንቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ኣዝዩ ዘድልይ ትምህርቲ እዩ” እንክብሉ መልእኽቶም ክም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 Oct 2025, 15:29