ድለ

2025.10.23 Membri dell'Ordine Equestre del Santo Sepolcro di Gerusalemme 2025.10.23 Membri dell'Ordine Equestre del Santo Sepolcro di Gerusalemme  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ንፈረሰኛታት ቅዱስ መቓብር፦ 'ብሰናይ ንቕድሚት ኪስጕሙ' ክብሉ መዓድዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስቶም ንንግደት ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ኣብ ከረማ ሮማ እተረኽቡ ፈረሰኛታትን እመቤትና ቅድስቲ ድንግል ማርያምንን ቅዱስ መቓብር ኢየሱስን ኢየሩሳሌም ተራኺቦም ስለቲ ዘለዎም ተልእኾ ድማ ኣመስገንዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሓሙስ ምስ ፈረሰኛታት እመቤትና ቅድስቲ ድንግል ማርያምን፣ ፈረሰኛታት ቅዱስ መቓብር ኢየሱስን ተራኺቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን መበቈል እቲ ስርዓሶም ኣብ ጕዕዞን ኣገልግሎትን ከም ዝዀነ ብምጥቃስ ጀመሩ። እቲ ንቅዱስ መቓብር ጐይታና ንምዕቋብን ንነጋድያን ንምክንኻንን እተመስረተ ማሕበር፣ ኣባላቱ ሎሚ ነዚ ተልእኾ እዚ "ብትሕትናን ተወፋይነትን መንፈስ መስዋእትን" ከም ዝቕጽልዎ ዘለዉ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ኣብያተ ትምህርትን ካልኦት ኣብያተ ትምህርትን መናብርተ ጠበባትን ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ዘካይድ ዘሎ ንፓትርያርክ ላቲናዊ ሥርዓት እትኽተርል ቤተክርስቲያን የሩሳሌም ዝገበሮ ደገፍ እውን ምስጋናኦም ገለጹሎም። እቲ ዝገበርዎ ኣበርክቶ ብፍላይ ኣብ እዋን ቅልውላው እንተላይ ለበዳ ኮቪድ-19ን ከምኡውን ኣብቲ ዞባ ዝቕጽል ዘሎ ግጭታትን ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም "ንመቓብር ጐይታናን መድሕናኢናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዕቃብ ኪበሃል ከሎ፣ ነታ ካብ ህያው ኣእማን እተሰርሐት ቤተ-ክርስትያን ምድጋፍ ማለት እዩ" በሉ። እዚ ድማ ምልክት ተስፋ በዓል ትንሳኤ ኢዩ" ክብሉ ኣተባብዕዎም።

ሰለስተ ስፍሓት ተስፋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ሰለስተ መዳያት ተስፋ ኣተኲሮም ከምዚ ክብሉ ቃለ ምዕዳን ኣካፈልዎም።

እቲ ቐዳማይ  ተስፋ ዝመልኦ ትጽቢታት  ምዝውታር ምዃኑ ገለጹ። ኣብ መቓብር ጐይታና ኣመንቲ ኣብቲ ንተስፋታቱ ዚፍጽም ኣምላኽ ዘለዎም ትውክልቲ የሐድሱ። "ኣብዛ ትዕቢትን ዓመጽን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ልዕሊ ልግሲ ዝዕብልለላ ዘሎ ዓለምና፣ ህይወት ንሞት ከም እትስዕር፣ ፍቕሪ ንጽልኢ ከም እተጥፍእ፣ ይቕረ ምባል ንሕነ ምፍዳይ ኸም እትስዕር፣ ምሕረት ከኣ ንሓጢኣት ከም ዝድምስሶ ከተርእዪ ተጸዊዕኩም ኢኹም" በሉ።

ነቶም ኣባላት እዚ ማሕበር ኣብ ተሳትፎ ምስጢራትን፣ ትምህርቲ ቅዱሳት መጻሕፍትን፣ ጸሎትን እተመስረተ ድልዱል መንፈሳዊ ህይወት ብምንባር ምስክርነቶም ኪቕጽሉ ውን ተማሕጸንዎም።

እቲ ኻልኣይ መዳይ  ከኣ በተን ንሬሳ ኢየሱስ ክቐብኣን ናብ መቓብር ዝኸዳ ኣንስቲ ዜመልክት ተስፋ ኣብ ኣገልግሎት ምቕጻል እዩ ክብሉ ውን ኣመልከቱሎም። እቲ ጽኑዕ ሓልዮቶም ነቲ ስርዓት ኣብ ቅድስቲ ምድሬት ዚገብሮ ናይ ግብረ ሰናይ ንጥፈታት ዜንጸባርቕ እዩ፣ እዚ ኸኣ ነቶም ጸገማት ዜጋጥሞም ዘሎ ሰባት "ብርሃን ተስፋን" የምጽኣሎም ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉውን "ልግስናኹም ኣብ ድሌት ሰባት ምልክታት ግዜ ኣፍልጦ ይህብን ናብ ምልክት ተስፋ ይቕይሮን" ድማ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ብዛዕባ ሳልሳይ መዳይ ናይዚ ኣገልግሎቶም ክዛረቡ  ኸለዉ ናብ ዕላማ ዝመርሕ ተስፋ ምኹኑ ኣስተንተኑ። ቅዱሳን ጴጥሮስን ዮሓንስን ኣብ ንግሆ ፋሲካ ናብቲ መቓብር ኪጐዩ ኸለዉ ብምጥቃስ ድማ ብዛዕባ ተስፋ ኸም ጕዕዞ ብምምሳል ተዛረቡ። "ንስኻትኩም እውን ጕዕዞኹም ወዲእኩም ኢኹም፣ ግናኸ ኣብዚ ዘሎኩም ግዜ ከም ምምጻእ ዘይኰነስ ከም መድረኽ ናብቲ ናይ መወዳእታ ሸቶ - ምስ ኣምላኽ ምሉእ ሕብረት ምግባር" ኢዩ ዕላማኹም በሉ።

ኣብ ተልእኾ ጽንዓት ከም ዘድሊ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቃለ ምዕዳኖም ኣብ ምዝዛም ነቶም ፈረሰይናታት ኣባላት ማሕበርን ብቘራጽነትን እምነትን ዕዮኦም ኪቕጽሉ ጸውዒት ኣቕረቡሎም። "ብተስፋ ትጽቢትን ቅንኣት ኣገልግሎትን ሓጐስን እቶም ብተስፋ ዚመላለሱ ሓለውቲ መቓብር ክርስቶስ ኩኑ" ክብሉ ውን  ተማሕጸንዎም።

ኣብ መወዳእታ ንቅዱስ ኣጉስጢኖስ ብምጥቃስ ወሲኾም ቅዱስ ኣቦና "ብሰናይ ንቕድሚት ግስግሱ። ካብ መገዲ ኣይተግልሱ ንድሕሪት ውን ኣይትመለሱ" ክብሉ መዓድዎም።

24 Oct 2025, 17:08