ድለ

2025.10.13 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቫቲካን ክርስቶስ ብትሕትና ክደምቕ ዝገብር መንገዲ እዩ 2025.10.13 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቫቲካን ክርስቶስ ብትሕትና ክደምቕ ዝገብር መንገዲ እዩ  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቫቲካን ክርስቶስ ብትሕትና ክደምቕ ዝገብር መንገዲ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ብዛዕባ ተክለ ሰብነት ካርዲናል ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ራፋኤል ሜሪ ደል ቫል ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ንዝተሳስተፉ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፣ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበር ብትሕትና ክርስቶስ ክደምቕ ዝገብር መንገዲ ምዃኑ የስተብህሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መበል ዝኽሪ 160 ዓመት ልደት ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ካርዲናል ራፋኤል ሜሪ ደል ቫል ተክለ ሰብነት ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ንዝተሳተፉ ቅዱሰንቶም ኣብ ሃገር ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን እቶም ኣብ 1865 ዓ.ም. ኣብ ለንደን ዝተወልዱ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ነፍሰ ሄር ካርዲናል ራፋኤል ሜሪ ደል ቫል ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ብዛዕባ ተልእኾን ሕድሪን ካርዲናል ሜሪ ደል ቫል ብሰፊሑ እንከስተንትኑ፣ “ዓለም ኣብቲ ብዓበይቲ ብድሆታት እብ እትልለየሉ እዋን ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣገልግሎት ቅድስቲ መንበር ምእዙዝ መጋበርያ ክይኖም ዘገልገሉ” እንክብሉ ገሊጾም፣ እቶም ናይ መጻኢ ካርዲናል ካብ ስጳይናዊ ልኡከ መንግስቲ ኣቦን እንግሊዛዊት ኣደን ዝተወልዱ፡ ኣብ ኵላዊ ሃዋህው ዝዓበዩን፡ ድሒሮም ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዝተቐበልዎ ጸጋ ጸዋዕታ ተወፍዩም ዘገልገሉ ከም ዝኾኑን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 13 ነዞም ኣብ ዓቕለሲያዊ ተቕዋም ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበር ትምህርቶም ዘጠናቐቑ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ንምስጓም ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ካናዳ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎምን፣ ድሒሩ ድማ ነቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን መበል 325 ዓመት ምምስራቱ ዘብዕል ዘሎ ዓቕለሲያዊ ተቕዋም ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ከም ዝመርሑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ “ኣብኡ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቤተ ክርስቲያን ብክህነታዊ ተኣማንነት እናነበሩ፣ ብዝተወፈየ ልቢ ንተካኢ ጴጥሮስ ዝተዋህበ ተልእኾን ብዝነበሮም ዓሚቝ ናይ ምስትውዓል ዓቕሞምን ኣቢሎም ብኣብነቶም ንኽርስቶስ ዝመስከሩ” እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝገለጽዎም ኣፍሊጡ።

ሊቀ ጳጳሳት ራፋኤል ሜሪ ደል ቫል ኣብ መበል 38 ዓመት ዕድመኦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ካርዲናልን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍን እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም እንክዝከር፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መደረኦም፡ “እቲ ናይ ተኣማንነትን ጥንቍቕን ተወፋይነትን ዝስዕብዎ ዝነበረ መንገዲ ኣብ መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን ኣብ ጳጳሳዊ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ሰባት ንኽኾኑ ከም ዝገበሮም” ገሊጾም፣ ካርዲናል ሜሪ ደል ቫል ከም ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ጥራሕ ከይኮኑ ህጻናትን መንእሰያትን ዞባ ትራስተቨረ ዝደገፉ ንመምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ እውን ዘሰነዩን ኣቦን ዓርክን ከም ዝነበሩ ዝንገረሎም ወዲ ቤተ ክርስቲያን” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።  

ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ናይ ካርዲናል ሜሪ ደል ቫል ትሕትና ኣስተንቲኖም ፣ ጸዋዕታኦም ንሓዋርያዊ ልኡካን ቅድስቲ መንበር ኣብነት እዩ - ቢሎም -

“ካብ ድሌት ምስጋና . . . ኣድሕነኒ ኢየሱስ! ካብ መኻሪ ናይ ምዃን ድሌት . . . ኣድሕነኒ ኢየሱስ! ካብ ፍርሒ ውርደት . . . ኣናግፈኒ ኢየሱስ! ካብ ተቐባልነት ናይ ምርካብ ድሌት . . . ኣድሕነኒ ኢየሱስ!” ይብሉ ዝነበሩ ምዃኖም ቅዱሰንቶም ዘኪሮም ኣዚ መግለጽታት እዚ ንቤተ ክርስቲያን ምግልጋል ካብ ውልቃዊ ዕብየት

ንላዕሊ ምግባር ዝብል ዝነበሮም ባህጊ ንኢዶም፣ ድሓር እውን እቲ ከም ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዝነበሮም ስልጣን ንኣገልግሎት ጴጥሮስ ካብ ኵሉ ብሕታዊ ረብሓታት ንላዕሊ ቐዳምነት ክወሃቦ ከም ዘለዎ ብምስትውዓል ዝነበርዎ እውን ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ "ንቤተ-ክርስትያን ዜገልግል ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ድምጺ ኪዕብልል ዘይኰነስ ናይ ክርስቶስ ሓቂ እዩ ክዛረብን ክነብርን ዘለዎ፣ ነዚ ብምግባሮም ድማ ሓርነት ናይ ሓቂ ኣገልጋሊ ከም ዝረኸቡ ኣመላኺቶም ቀጺሎም ንህይወት ካርዲናል ሜሪ ደል ቫል መለለዪ ዝኾና ክልተ ሓጸርቲ ሓረጋት እንከዘኻኽሩ፥

ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘሎ መቓብሮም - “ ነፍሳት ሃቡኒ፣ ካልእ ኩሉ ውሰዶ - ዝብል ናይ ዝተጻሕፈ ናይ ጵጵስናኦም መርሕ ቃል፣ “ኣብ ትሕቲ እቲ ንዝኽሪ ሃዋርያ ዘዕቁብ ስፍራ “ክብሪ የለን፡ መዓርግ የለን፡ ታሪኽ ህይወት የለን - ኣውያት ልቢ ጓሳ ጥራይ ዝገለጽ እዩ ካላኣይ ድማ ትሕትናኦም ከምቲ ዝግበኣኒ ቅዱስ እንተኾንኩ ካልኦት ካባይ ንላዕሊ ምእንቲ ክቕደሱን እዩ” ዝብል ምኻኑ ኣዘኻኺሮም ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ሜሪ ደል ቫል ቅድስና ብምንጽጻር ዘይኮነስ ብሱታፌን ሕብረትን ከም ዝዕቀን ከም ዝኾነ እውን ኣጸቢቖም ዝፈልጡ እዮም” እንክብሉ ገሊጾም፣ “እታ ራፋኤል ሜሪ ደል ቫል ብለውሃት ውሉዳዊ ውፉይነት ዘፍቅርዋ ድንግል ማርያም፡ ንኣባይቲ ስድራና ንናይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ንኹሎም ንቤተ ክርስቲያን ዘገልግሉን፡ ኣብ ሓቅን ፍቕርን፡ ጥንቃቐን ትብዓትን፡ ኣገልግሎትን ትሕትናን ክጥርነፉ፡ ኣብ ኩሉ ነገር ክርስቶስ ጥራይ ምእንቲ ክደምቕ፡ ትምርሓዮም” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 Oct 2025, 18:06