ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ 'ንጥሜት ምስዓር መንገዲ ሰላም እዩ'
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ሮማ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ውድብ መግብን ሕርሻን - FAO ጥምየት፡ ዘይውሕስነት መግቢ፡ ሕጽረት መግቢ ብዘላቒ መንገዲ ንምውጋድ፡ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብምድጋፍ፡ ኣብዛ ግርጭታት፡ ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየርን፡ ግዱድ ስደትን ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ጋግ፡ ነቲ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብስም ፍትሕን ሰላምን ንደቂ ሰብ ካብ መኽሰብ ቀዳምነት ንምሃብ ዘለዎ ጽቡቕ ድሌት ኣብ ሕቶ ዘእትወሉ ዓለም ይንጸባረቕ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ዕለት 16 ጥቅምቲ መበል 80 ዓመት ዝኽሪ ቅዋመ ናይቲ ትካል ንምኽባር ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ውድብ መግብን ሕርሻን - FAO ዝተኣከቡ ተዓዘብቲ መራሕቲ ሕቡራት ሃገራትን ዓለምን ልኡካነ መንግስታትን ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባትን ኣብ ዝተረኽብሉ መድርኽ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡
"ክብርታት ብምእዋጅ ዕጉባት ክንከውን ኣይንኽእልን፤ ከነሰብኦ ይግባእ" ብምባል ዝተሓደሰ ስነ - ምግባራዊ መሰረት ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ "ጭርሖታት ንሰባት ካብ ሕሰም ኣየልዕሉን እዮም። ንሰብኣዊ ሰብ ልዕሊ መኽሰብ ኣቐሚጥና ውሕስነት መግቢ፡ ተበጻሕነት ጸጋታት፡ ከምኡ'ውን ዘላቒ ልምዓት ገጠራትን ከነውሕስ ኣሎና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ዘስምዕዎ መደረ ኣብዚ ኣንብቡ
“ብጥሜት ዝሳቐ ሓወይ እዩ”
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም “ቃልሲ ኣንጻር ጥሜት ፖለቲካዊ ወይ ቁጠባዊ ዕማም ጥራይ ዘይኮነስ ብዓሚቝ ሰብኣውን ግብረ ገባውን ግዴታ እዩ፡ ብጥሜት ዝሳቐ ጓና ኣይኮነን፣ ንሱ ሓወይ እዩ፣ ብዘይ ወዓል ሕደር ክሕግዞ ኣለኒ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ውድብ መግብን ሕርሻን ካብ ዝፍጠር ሰማንያ ዓመት የቑጽር፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንክሎ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ገና እኹል መግብን ኣመጋግባን ከምዘይብሎም ኣዘኻኺሮም፣ ነዚ ክፍኣት እዚ ንምውጋድ፡ ኣበርክቶ ናይ ኩሎም: መንግስታት፡ ትካላት፡ በርገሳውያን ማሕበራትን ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብን ይሓትት” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ሓባራዊ ግብረ ገባዊ ውድቀት
ልዕሊ 673 ሚልዮን ሰባት ብጥሙይ ከብዶም ከም ዝድቅሱን 2.3 ቢልዮን ድማ ዝተመጣጠነ መግቢ ከም ዘይረኽቡን ዝሕብር ህሉው መረዳእታ ብምጥቃስ ቅዱስነቶም እቲ ጸብጻብ ረቒቕ ቁጽሪ ዘይኮኑስ “ዝተሰብረ ህይወትን ደቀን ክምግባ ዘይክእላ ኣዴታትን” ዝገልጽ እዩ፣ ነፍሲ ዘይብሉ ቁጠባን ንሓፋሽ ኣብ ሕሰም ዝገድፍ ስርዓተ ምክፍፋል ሃብትን ብምኹናን፡ ኣብ ዘመነ እኹል ተረፍ ጥምየት ክህሉ “ሓባራዊ ግብረ ገባዊ ውድቀትን ታሪኻዊ ጌጋን” እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
“መግቢ ፈጺሙ ዕጥቂ ክኸውን የብሉን”
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣስዒቦም መግቢ ከም ኣጽዋር ኲናት ይውዕል ከም ዘሎን እዚ ዓቢይ ሻቕሎት ከም ዝፈጥረሎም ገሊጾም፣ "ንሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን መሰረታዊ መሰሎም ማለት መሰል ህይወት ዚኽልክል ጭካነ ዝመልኦ ኮነ ተባሂሉ ዝሕንጸጽ ሜላ እዩ፣ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ እዋን ጥሜት ከም ኣጽዋር ምጥቃም ገበን ኲናት እንክብል ከም ዝኾነኖን እዚ ሓባራዊ ስምምዕ እዚ ዝጠፍአ እዩ ዚመስል" እንክብሉ ጓሂኦም ገሊጾም፣ ስቕታ እቶም ብጥሜት ዝሞቱ ሰባት "ኣብ ሕልና ደቂ ሰብ ይጭድር - ምእንቲ እዚ ኩለን ሃገራት ህጹጽ ስጉምቲ ክወስዳ ተማሕጺኖም፣ "ጥሜት ናይ ደቂ ሰባት ዕድል ዘይኰነስ ውድቀት እዩ፣ እዚ ክፍታሕ ዘለዎ ጸገም ጥራይ ኣይኰነን፡ ናብ ሰማይ ዚድይብ ኣውያት እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስነ - ምግባራዊ ራእይ ፖለቲካ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ፍቱው ዝኾነ ኣምር፣ “ምግቢ ምድርባይ ማለት ሰባት ምድርባይ ማለት እዩ - ቢሎም - ንሱ እውን ካልኦት ብጥሜት እናተሳቐዩ ምግቢ ምብኻን ኮኒኖም፣ መራሕቲ ዓለም ድማ “እዚ ዘሕዝን ስግጢር” ከብቅዑን ካብቲ ንርህራሄና ዘደንዝዝ ንጠንቀቕ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣
“ማይ ህይወት እዩ፣ ማይ መግቢ እዩ”
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንናይ ሎሚ ዓመት ዓለማዊ መዓልቲ መግቢ፣“ማይ ህይወት እዩ፣ ማይ መግቢ እዩ። ንማንም ኣይትግደፍ” ዝብል ዘንበሮ መርሕ ቓል ንኹሉ ህዝቢ ብሓባር ክዋሳእ ዝጽውዕ እዩ፣ ኣብዚ ዓለም ብምግምማዕን ዘይምግዳስን እትልለየሉ እዋን፡ ብምትሕብባር ዝቐውም ሓድነት ርእዮተ ዓለም ጥራይ ዘይኮነስ ግቡእን ግዴታን እዩ። ኣእዳውና ብምትሕብባር ጥራይ ኢና ውሕስነት መግቢ መሰል እምበር ፍሉይ ዕድል ዘይኰነሉ መጻኢ ክንሃንጽ እንኽእል- ቢሎም - ነተን "ኣብ ጽሞና ናይ ድሕነት መሃንድሳት ናይ መጀመርታ ተስፋ ዝዘርኣ ከምኡውን ጥንቁቓት ኣመሓደርቲ ፍጥረት" እንክብሉ ዝገለጽወን ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ክብሪ ሂቦም፣ እቲ ዝገበርኦ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ምሃብ "ናይ ፍትሒ ጕዳይ ጥራይ ዘይኰነስ ዝያዳ ሰብኣውን ነባርን ስርዓት መግቢ ውሕስነት ኢዩ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ምሕዳስ ብዙሓ ጎናውነት ምትሕግጋዝን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መንጎ ኣህዛብ ብዙሓ - ጎናውነትን ዘተን ኣገዳስነቱ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ድምጺ ድኻታት ብቐጥታ ክስማዕ ኣተሓሳሲቦም፡ "ነፍሲ ወከፍ ተዋሳኣይ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ንሓቀይና ድሌታት ናይቶም ከነገልግሎም ዝተጸዋዕና ሰባት ብኣድማዒ መንገዲ ክምልስ ዘኽእል ራእይ ክንሃንጽ ኣሎና፣ ምስ በሉ ኣስዒቦም ብተወሳኺ ኣብ ዩክሬን፡ ቓዛ፡ ሃይቲ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ማሊ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ የመንን ደቡብ ሱዳንን ብጥምየትን ዓመጽን ዝሳቐዩ ንዘለዉ ብዙሓት ህዝብታት “ማሕበረሰብ ዓለም እናረኣየ ከም ዘይረኣየ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
“ዝብላዕ ሃብዎም”
ቅዱስ ኣቦና መደረኦም ነቲ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ዝበልዕዎ ሃብዎም” (ማር 6፡37)፡ እንክብ ዝተዛረቦ ቃል ጠቒሶም እዚ ትእዛዝ ወንጌል እዚ “ንማሕበረሰብ ዓለም ህጹጽ ብድሆ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፣ ነባርን ጠቓምን ውጽኢት ዘምጽእ ፍትሒ ንምስራሕ ትብዓትን ጉልበትን ንኣምላኽ ክትልምንዎ ኣይትድከሙ። ኩሉ ግዜ ኣብ ምትሕግጋዝ ቅድስቲ መንበርን ናይታ ኣብ መላእ ዓለም ንዝደኸዩን ዝተጸገሙን ንምግልጋል ድልውቲ ዝኾነት መላእ ቤተክርስትያንን ክትተኣማመኑ ከም እትኽእሉ እረጋግጸልኩም” እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
