ብዕለት 2 ሕዳር ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 ንዕለት ዝኽሪ ኩሎም ምዉታት ኣብ ቬራኖ ክበጽሑ ኢዮ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 2 ሕዳር፣ ቤተ-ክርስትያን ብሞት ንዝሓለፉ ኩሎም ምእመናን ኣብ እትዝክረሉ ዕለት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ልክዕ ሰዓት 4 ድሕሪ ቐትሪ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ዓብዪ ሓወልቲ መካነ መቓብር ቬራኖ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክመርሑ ኢዮም።
ኣብ ናይ ዕለት 1 ሕዳር ክብረ በዓል ኵሎም ቅዱሳንን ዝኽሪ ዕለት ምዉታትንን፣ ካብ መንበረ ዕቅብና ሰበኻ ሮማ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ካልእ መካነ መቓብራት ሮማውያን ውን እተመደበ ኻልእ ዝርዝር መደባት መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣመልኪቱ ይርከብ።
ቅዳሴን ጸሎተ መቝጸርያን ኣብ ሎረንቲኖ
ብፍላይ ኣብ ካነ መቓብር ላውረንቲኖ ኣብቲ ኣስታት 13 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ጐደና ላውረንቲና፣ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳም ዕለት 1 ሕዳር ልክዕ ሰዓት 11 ናይ ንግሆ፣ ካልእ ድማ ሰዓት 3.30 ድሕሪ ቐትሪ መደብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክካየድ ኢዩ፣ ኣብኡ ድማ እቶም ክሳተፉ ዝደልዩ ካህናት እዚ ሰበኻ ክፉት ክኸውን ኢዩ። ከም ብሓድሽ ዕለት 2 ሕዳር ልክዕ ሰዓት 11 ቅ. ቐ. መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ሰዓት 3 ድሕሪ ቐትሪ ድማ መደብ ጸሎት መቝጸርያ ክካየድ ኢዩ፣ ድሕሪኡ ካልእ ድሕሪ ቐትሪ ልክዕ ሰዓት 4 ድሕሪ ቐትሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክዓርግ ኢዩ።
መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ኦስቲያ ኣንቲካ፡ ፕሪማ ፖርታን፡ ፖርቱዌንሴን
ኣብ መካነ መቓብር ኦስቲያ ኣንቲካ ብዕለት 1 ሕዳር ልክዕ ሰዓት 3 ድሕሪ ቐትሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ ውን ክዓርግ ኢዩ። ንጽብሒቱ ድማ ልክዕ ሰዓት 3 ድሕሪ ቐትሪ ኣብ መካነ መቓብር ፍላሚኒዮ ፕሪማ ፖርታ ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ ኣብ ቪያ ፍላሚንያ ልክዕ ሰዓት 3.30 ድሕሪ ቐትሪን ከምኡ ድማ ኣብ መካነ መቓብር ፖርቱዌንስ ቪያ ኢሳኮ ኒውተን መሥዋዕተ ቅዳሴ ክዓርግ ተመዲቡ ኣሎ።
