ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅዳሴ መዓልቲ ኢዮቤል ማርያማዊ መንፈሳውነት፡ ማርያም ናብ ወዳ ኢየሱስ ትመርሓና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ኣብ መዕጸዊ መዓልቲ ኢዮቤል ማርያማዊ መንፍሳውነት ዕለት 12 ጥቅምቲ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፣ ምእመናን ኣብ ቅድስት ኣደ ከመይ ጌሮም ናብ ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝምለሱን ከም ዝስዕቡን ዝድርኾም ጽቡቕ ኣብነት ክርእዩ ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 12 ጥቅምጢ ንማርያማዊ መንፈሳውነት እተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል መዛዘሚ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ "ንእምነትና ዝምግብ ማርያማዊ መንፈሳውነት ኢየሱስ ማእከል ዝገበረ" ምዃኑ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ኣተሓሳሲቦም፣ ከምቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓዳስ ሰሙን ብግርማ ትንሳኤኡ ካብ ምዉታት እትኸፍት ሰንበት እያ፣ ንየሱስ ክርስቶስ ዘክርዎ" እዚ ጥራይ እዩ ዜገድስ። ተወፋይነት ማሪያም ኣብ ኣገልግሎት ወንጌል ከም ዘሎን ምእመናን ብምልኣት ንኽነብርዎ ዝሕግዞም እዩ . . .

"መንፈሳውነት ማርያም ኣብ ኣገልግሎት ወንጌል እዩ ገርሀይናነቱ ዝግለጽ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ማርያማዊ መንፈሳውነት

 “ንማርያም ናዝሬት ዘለና ፍቕሪ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክንከውን ይመርሓና፣ ናብኡ ክንምለስን ነቲ ተንሲኡ ክሳብ ሕጂ ናባና መጺኡ ዝጽውዓና ፍጻመታት ህይወትና ከነስተንትንን ይምህረና . . . እዚ መንፈሳውነት እዚ ነቶም ምእመናን ኣገልግሎት መደብ ምድሓን ኣምላኽ ከም ዝስሕቦም ገሊጾም፣ “ማርያማዊ መንፈሳውነት ኣብቲ ሰማይ ዝተኸፍተሉ ታሪኽ ይስሕበና፣ "ዕቡያት ብትዕቢቶም ፋሕ ክብሉ፡ ሓያላት ካብ ዝፋኖም ክድርበዩ፡ ሃብታማት ድማ ጥራሕ ኢዶም ዝተርፉ ምዃኖም ንኽንርኢ ይሕግዘና። ንዝጠመዩ ብሰናይ ነገር ክንዕንግል፡ ንትሑታት ከነልዕሎም፡ ምሕረት ኣምላኽ ክንዝክርን ኣብ ሓይሊ ቅልጽሙ ክንውከልን ይድርኸና እዩ . . . ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ - ተሎት ማርያም ማርያም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ ናይ ማርያም ምቕባል ፍቓድ እግዚኣብሔር ከስተንትኑ እንከለዉ “እወ” ዝብል ናይ ሓደ ግዜ ተግባር ዘይኮነስ መዓልታዊ ቃል ኪዳን ምዃኑ ኣብሪሆም፣ "ኢየሱስ ልክዕ ከምቲ ንማርያም 'በቲ ‘እነኹልካ” ዝበለቶ ቃል ንሕና እውን እነኹልካ ብምባል ክፍሊ መንግስቱ ኽንከውን ንዕደም፣ እዚ ኸኣ ሓንሳእ ቃል ምስተኣተወ በብመዓልቱ ዝሕደስ እዩ” ከም ዝበሉን ኣስዒቦም እውን፣ ካብቶም ዓሰርተ እቶም ትሽዓት ድሕሪ ምሕዋዮም ከመስግኑ ብዛዕባ ዘይተመልሱ ለምጻማት ዝገልጽ ቃል ወንጌል መሰረት ገይሮም፣  “እቶም ኣብ ወንጌል ዘለዉ ለምጻማት ከመስግኑ ዘይተመልሱ ጸጋ እግዚኣብሔር ክትንክፈና ከም ዝኽእልን ምላሽ መልሲ እውን ክረክብ ከም ዘይኽእል የዘኻኽሩና፣ ክሕውየና ይኽእል እዩ፡ ኣብ ምቕባሉ ክንቦክር እውን ዝከኣል እዩ። ስለዚ ንኢየሱስ ክንስዕቦ ብዘይመርሓና መንገዲ ኣቢልና ናብ ቤተ መቕደስ ከይንድይብ ንጠንቀቕ . . . ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

መጠንቀቕታ

ምእመናን ካብ ጎረባብቶም ዝንጽል ሃይማኖታዊ ተግባራት ከይፍጸም ኣጠንቂቖም . . . “ገለ ዓይነት ኣምልኾ ምስ ካልኦት ሕብረት ዘየዕብዩን ንልብና ከደናግሩን ይኽእሉ እዮም። ኣብ ከምዚ ኩነታት ምስቶም እግዚኣብሄር ኣብ ህይወትና ዘቐመጦም ሰባት ክንራኸብ ኣይንኽእልን። ከምቲ ማርያም ዝገበረቶ ንዓለም ንምልዋጥ ኣበርክቶ ክንገብር እውን ኣይንኽእልን ኢና፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሓጎስ ነብሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ ክንካፈል ኣይንኽእልን ኢና። ወሲኹ ነቶም ዝተነጸሉ - መብዛሕትኡ ግዜ ድኻታት - ጸላእቲ፡ ክውገዱን ክነጽጉን ዘለዎም ‘ለምጻማት’ ኢልካ ምጽዋዕ ክመርሕ ካብ ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ምዝመዛ እምነት ከይህሉ ንጠንቀቕ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ

ምስ ማርያም ንክርስቶስ ምስዓብ

እቲ ናይ ማርያም ጕዕዞ ወትሩ ናብ ኢየሱስን ናብቶም እተሸገሩ ሰባትን ብዝያዳ ኸም ዚቐርብ እዩ ዚገብር።

"መገዲ ማርያም ንመገዲ ኢየሱስ እዩ ዚስዕብ፣ እዚ ኸኣ ምስ ኵሎም ሰባት ብፍላይ ከኣ ምስ ድኻታትን ጒዱኣትን ሓጥኣንን ንኽንራኸብ ይመርሓና . . .

ኣብነት ፍቕርን ለውሃትን

ሓቀይና ማርያማዊ መንፈሳውነት ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ለውሃት እግዚኣብሔር ከም ዝገልጽ ሓቢሮም፣

 “ሓቀይና ማርያማዊ መንፈሳውነት ንለውሃት እግዚኣብሔር፡ ‘ኣደ ምዃን’ ዝገብሮ ኣገባብ፡ ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያ ብርሃን ይምጽእ . . . Evangelii Gaudium - ናይ ወንጌል ሓሴት ዘርእቱ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ ምዕዳን ጠቒሶም፣ “ናብ ማርያም ክንጥምት እንኮለና ዳግማይ ኣብቲ ሰውራዊ ባህሪ ፍቕርን ለውሃትን ክንኣምን ንጅምር - ምስ በሉ - ኣብኣ ትሕትናን ለውሃትን ጽቡቕ ባህርያት ናይቶም ድኹማት ዘይኮነስ ባህርያት ናይቶም ሓያላት ንኻልኦት ብንዕቀት ምሕላው ክግበሩ ናይ ዝደልዩ እዩ" ከም ዝበሉ የመላኽት።

ናብ ማሕበራዊ ለውጥን ምሕዳስን ዝወስድ መንገዲ

ንማርያም ምውፋይ ርህራሄ ብዘይምጥፋእ ናብ ተግባርን ማሕበራዊ ለውጥን ከም ዘምርሕ ኣስተብሂሎም፣ "ንማርያም ከነስተንትን እንኮለና፡ እታ ንኣምላኽ 'ንሓያላት ካብ ዝፋኖም ገልበጦም ንሃብታማት ጥራሕ ኢዶም ሰደድሞ' ኢላ ዘመስገነት፡ ነቲ ፍትሒ ንምርካብ እንገብሮ ጻዕሪ እውን ፍሉጥ ቤታዊ ስምዒት ከም እተምጽእ ንፈልጥ፣ ኣብዚ ፍትሕን ሰላምን ኣብ እትደልየሉ ዓለም፡ ነቲ ገጽ ምድሪ ንዘልኣለም ዝቐየሩ ፍጻሜታትን ቦታታትን ብእግዚኣብሔር ዝባረኾም ክርስትያናዊ መንፈሳውነትን ህዝባዊ ውፉይነትን ዳግማይ ነበራብር። ከም መንቀሳቐሲ ሓይሊ ንሕዳሴን ለውጥን ንጠቐመሎም . . . ኢዮቤል ጽምብል ጥራይ ዘይኮነስ ዕድመ እዩ፣ ስለዚ ንዝዓሞቐ ለውጢ ዝጽውዕ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ “ብሓቂ እዚ እነብዕሎ ዘሎና ኢዮቤል፡ ናይ ምልዋጥን ምምላስን፡ ናይ ኣስተንትኖን ሓርነትን ግዜ ዝጽውዕ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣

ንገዛእ ርእስና ንማርያም ኣሕሊፍና ምሃብ

ቅዱስነቶን ማርያም ተስፋና ንቤተ ክርስቲያን ንኣደነትኪ ሓድራ ንብል ምእንታና ለምንልና፡ ናብቲ ዝተሰቕለ ጎይታ ኢየሱስ ወትሩ ምርሕና" እንክብሉ ጸልዮም “ኣብኡ ምድሓን ንኹሉ ኣሎ” እንክብሉ ዘስምዕዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 Oct 2025, 17:28