ድለ

2025.10.10 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ሃይማኖታዊ ናጽነት 'ሓቂ ንምድላይን ንምንባርን ኣገዳሲ ባእታ እዩ!’ 2025.10.10 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ሃይማኖታዊ ናጽነት 'ሓቂ ንምድላይን ንምንባርን ኣገዳሲ ባእታ እዩ!’  (@VATICAN MEDIA)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ሃይማኖታዊ ናጽነት 'ሓቂ ንምድላይን ንምንባርን ኣገዳሲ ባእታ እዩ!’

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ኣባላት ንሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ጳጳሳዊ ትካል ረድኤት ብምርኻብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ኣገዳሲ ባእታ ሕይወት ደቂ ሰባት ዝኾነ ሃይማኖታዊ ናጽነት ክኽበር ንዝፍጽምዎ ንጥፈታት ይንእዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 21 ጥቅምቲ ጸብጻብ ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣብ ዓለም ቅድሚ ምሕታሙ ዕከት 10 ጥቅምቲ ምስ ኣባላት ጳጳሳዊ ዓለም ሓቆፍ ትካል ረድኤት ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን (ANC) ከም እተራኸቡን ር.ሊ.ጳ. ኣብ መደረኦም ናብ ሮማ ዝገበርዎ ምብጻሕ "ኣብ ልዕሊ እቶም እተፈላለየ እምነት ዘለዎም እንኮላይ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን" ጽልእን ዓመጽን እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ምዃኑ ገሊጾም፣ ተልእኾ እቲ ጳጳሳዊ ትካል ምስቲ ዓመጽ ዝጻረር ኮይኑ፡ ቤተክርስትያን ነቶም ዝስደዱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ፈጺማ ንበይኖም ከም ዘትይገድፎም ድማ ኣረጋጊጾም፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ሃይማኖታዊ ናጽነት ናይ ምንባር መሰሉ “ኣማራጺ ዘይኰነስ ኣገዳሲ እዩ” ብምባል፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ውሽጢ ልቡ “ንሓቅን ትርጕምን ምስ ካልኦትን ምስ ኣምላኽን ምሕባርን ዝድርኽ ዓሚቝ ናፍቖት” ከም ዘለዎ ኣመልኪቶም  “ኣብ ሰብኣዊ ክብሪ ሱር ዝሰደደ፡ ብኣምሳል ኣምላኽ ዝተፈጥረን ምኽንያትን ናጻ ድሌትን ዝተዓደለ፣ ሃይማኖታዊ ናጽነት፡ ውልቀሰባትን ማሕበረሰባትን ንሓቂ ክደልዩ፡ ብናጽነት ክነብሩ፡ ብግልጺ ክምስክሩ የኽእሎም ሃይማኖታዊ ናጽነት እምበኣር እምነ ኩርናዕ ሕብረተሰብ እዩ፣ ንሕልናና ክንቀርጽን ክንጥቀመሉን እንኽእል ግብረ ገባዊ ቦታ ስለ ዝሕሉ። እምበኣር፡ ሃይማኖታዊ ናጽነት፡ ብመንግስታት ዚወሃበና ሕጋዊ መሰል ወይ ፍሉይ መሰል ጥራይ ኣይኰነን። ሓቀይና ዕርቂ ተኻእልነቱ ዘረጋግጽ መሰረታዊ ኩነት እዩ - ምስ በሉ፣ ኣስዒቦም፡ ሃይማኖታዊ ናጽነት ክኽልከል ከሎ፡ ሰባት ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰባት ዘሎ ስነ - ምግባራውን መንፈሳውን ምትእስሳር ቀስ ብቐስ ከም ዝበታተኽ የስተውዕሉ። ናይ ሃይማኖት ናጽነት፣ ናይ ሓሳብ ናጽነት፣ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት፣ ናይ ካልኦት ኣረኣእያ ኣኽብሮት እንተዘይሃልዩ ሰላም ክህሉ ኣይክእልን እዩ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ህዝቢ ሃይማኖታዊ ናጽነት ትድግፍ - ቢሎም - ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሃይማኖታዊ ናጽነት ብነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ኣፍልጦ ክወሃቦ ዘለዎ መሰል እዩ ዝብል ዘቕረቦ ኣዋጅ የዘኻኽሩ።

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ከም ዝገለጽዎ እቲ ጳጳሳዊ ትካል ረድኤት ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ 1947 ነቲ ብሰንኪ ኲናት ዝወረደ ስቓይ ምላሽ ብምሃብ ይቕረታን ዕርቅን ንምድንፋዕ ቤተ - ክርስትያን ኣብ እትሳቐየሉ ወይ ኣብ ስግኣት ኣብ ዝወደቐትሉ ቦታ ድምጺ ንምሃብ ዝተወልደ ምዃኑ ኣብ መደረኦም ብምዝኽካር፣ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት እቲ ጳጳሳዊ ትካል ዘሕትሞ ጸብጻብ ብዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣብ ዓለም ኣፍልጦ ንምሃብን "ዘይንገረሉ ስዉር ስቓይ ብዙሓትን" ንምግላጽ ኣገዳሲ መጋበርያ ንኢዶም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከባ ኣብያተ - ክርስትያን ብፍላይ ከኣ ንሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ቡርኪናፋሶን ሞዛምቢክን ንዝገበርዎ ኵለ መዳያዊ ሓገዝ ኣመስጊኖም፣ "እቲ ጳጳሳዊ ትካል ድሌታት ቤተ ክርስቲያን መልሲ ንምሃብ ንኣብነት ቤት ጸሎት ንምሕናጽ፣ ደናግል ዝድግፍ ወይ መደበር ረድዮ ወይ መጓዓዝያ ኣብ ዝድልየሉ እዋን ነዚ ድልየታት ቤተ ክርስቲያን ክዉን ሓገዝ ኣብ ዘቕርበሉ እዋን ንህይወት ቤተ - ክርስትያን ከምኡውን መንፈሳውን ስነ - ምግባራውን ቅርጺ ሕብረተሰብ የደልድል - ቢሎም - ንናይ ከባቢ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዝግበር ደገፍ ንውሑዳት ኣብ ዓዶም ገበርቲ ሰላም ክኾኑ ከም ዘኽእሎምን እዚ ድማ “ህያው ምልክት ማሕበራዊ ስኒትን ሕውነትን፣ ንጐረባብቶም ዝተፈለየ ዓለም ተኻኣሊ ምዃኑ ዘርእይ ህያው ምልክት ክኾኑ ይሕግዞም” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዛዘሙ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

11 Oct 2025, 18:06