ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ትንሳኤ ንነፍሲ ወከፍ መዳይ ህይወትና ይቕይር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋድያንን መጻሕትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ዝለገስዎ ሰሙናዊ ናይ ዕልተ ረቡዕ ሓፍሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ብዛዕባ ምስጢር ፋሲካ ዘማእከለ ዘበገስዎ ኣስተምህሮ ምብቕጻል፣ ብዛዕባ ትሕትና ክርስቶስ ኣብ ትንሳኤ የስተንትኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ክርስቶስ ካብ ሞት ምስ ተንስአ ብመላእኽቲ ተኸቢቡ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ተመሊሱ፣ መስተንክር ተግባራት እናፈጸመ ወይ ምስጢር ኣድማስ ንምግላጽ ዓበይቲ መደረታት ኣይቕረበን እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣዘካኺሮም፣

የግዳስ ትንሳኤኡ ብተራ ትሕትናን ተራ ሰብኣዊ ንጥፈታትና ዝተለለየ እዩ ነይሩ፣ ከም ሰራሕተይና ኣብ ኣታኽልቲ ስፍራ፣ ከም ጓና - መጻእተይና ወይ ሓላፊ ጓና ኮይኑ ይቐርብ። ንሕናን ደቀ መዛሙርትን “ፍሉይ ውጽኢት፡ ሓያል ምልክታት፡ ወይ ልዕሊ ዓቐን መርትዖ” ኣብ እንጽበየሉ ቦታ፡ ኢየሱስ ነቲ “ናይ ምቅርራብ፡ ናይ ንቡር፡ ናይ ሓባር መኣዲ” ዝብል ቋንቋ ይመርጽ።

እዚ “ዘገርም መዳይ” ናይ ትንሳኤ፡ “ንዓና ክቡር መልእኽቲ ዝሓዘ እዩ፡ ትንሳኤ መዓልታዊ ውዲታዊ ምጥምዛዝ ዘይኮነስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ተግባር ብትርጉም ዝመልእ ኣብ ጽሞና ዝኸውን ለውጢ እዩ” ዝብል፡ “ኣብ ፋሲካ ምስጢር ክርስቶስ፡ ኩሉ” - ዋላ እቲ ኣዝዩ ተራ ሰብኣዊ ንጥፈታትና - ጸጋ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘርኢ እዩ።”

ምስእዚ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም “ኣብ መዓልታዊ ህይወት ህላወ ክርስቶስ ከነለሊ ዝዓግተና ዕንቅፋት ኣሎ: ሓጐስ ብዘይ ቁስሊ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ምትላል” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፣ ኣብ መንገዲ ኤማሁስ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ በቲ ኣብ ልዕሊ መሲሕ ዝነበሮም ትጽቢት ተስፋ ቆሪጾም ከም ዝሓዘኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣዘኻኺሮም። ኢየሱስ ግና፡ ሓዘንን ቃንዛን ንመብጽዓታት ኣምላኽ ከም ዘይነጽግ፡ ኣብ ክንድኡስ “ኣምላኽ መዓሙቕ ፍቕሩ ዚገልጸሉ መገዲ” ምዃኑ ንኺርድኡ ሓጊዝዎም እዩ።

ትንሳኤ ኢየሱስ ዝዀነ ይኹን ታሪኽ ህይወት ብተስፋ ምቝራጽ ወይ ብሓጢኣት እተለለየ "ብተስፋ ኺበጽሕ" ከም ዘይክእል "ዝዀነ ይኹን ውድቀት ናይ መወዳእታ ከም ዘይኮነ፣ ዘለኣለማዊ ለይቲ፣ ንዘለኣለም ክፉት ኪኸውን እተመደበ ቝስሊ ከም ዘየለ ይምህረና - ዝበሉ ቅዱስነቶም - "ክሳዕ ክንደይ ርሑቕ ዘሎና ኰይኑ ይስምዓና ብዘየገድስ ዝጠፍኣና ወይ ዘይብቑዓት እኳ እንተ ዀንና ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሓይሊ ፍቕሪ ኣምላኽ ኬጥፍኦ ዚኽእል ርሕቀት የልቦን" ኢሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ልክዕ ከምቲ ኣብ “ዝጸልመተ ህሞትና” ናባና ዝመጽእ ኢየሱስ፣ ምሳና ክጸንሕን ልብና ከማሙቕን ክንፈቅደሉ ዝሓትተ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ “ፈተና ዘይብሉ ህይወት ንምሕታት ዘይኮነስ ኩሉ ሓዘን ብፍቕሪ እንተተነቢሩ ናይ ሕብረት ቦታ ክኸውን ከምዝኽእል ንምፍላጥ፣ እምበኣር ነቲ ትሑትን ለዋህን ህላወኡ ንምልላይ ጸጋ ንለምን፣ ንሕና’ውን ብሓጐስ ዝነደደ ልብና ሒዝና ናብ ገዛውትና ንመለስ - ንቑስልና ዘይድምስስ ግን ከኣ ዘብርህ ቀሊል ሓጐስ፤ እግዚኣብሄር ህያው ምዃኑ፣ ምሳና ከም ዝመላለስ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞት ከም ብሓድሽ ክንጅምር ዕድል ከም ዘቕርበልና ካብ ርግጸይናነት ዝተወልደ ሓጐስ” እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 Oct 2025, 17:26