ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንግዳያት ህቦብላ ሜሊሳ ይጽልዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዝወደቑ ዓንዲ መስመራት ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ኵምራ ፍርስራስን ኣብ ጭቃ ዝመልኦ ማይ ዝጠሓላ ማካይንን፡ ውሑድ ካብታ ብህቦብላ መሊሳ ኣዚያ ካብ ዝተጎድአት ሃገረ ጃማይካ ዝወጹ ዘለዉ ምስላታት ኮይኑ፡ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 29 ጥቅምቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋዲያን ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ሓሳቦም ናብቲ ኣብ ካሪብያን ከቢድ ዕንወት ዘስዕብ ዘሎ ህቦብላ መሊሳ ገይሮም ንኹሎም ግዳያት ህቦብላ ቅርበቶምን ጸሎትም ኣረጋጊጾም ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሖም ከም እተማሕጸኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ህቦብላ ሜሊሳ ኣብ ኩባ ኣብ ጥቓ ከተማ ቺቪሪኮ ኣብ ዞባ ሳንትያጎ ደ ኩባ ድሮ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ክመዛበሉ ከም ዝገበረን፡ ንሓያሎ ኣባይቲ ሕክምና ሓዊሱ ኣባይትን ትሕተ ቅርጽን ከም ዘዕነወ ኣፍሊጡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንዅሎም በቲ ብርቱዕ ህቦብላን ዝናምን ንዝተጎድኡ ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፡ “ነቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ፡ ነቶም ዝተመዛበሉን ከቢድ ጭንቀትን ሻቕሎትን ንዘጋጥሞ ዘሎ ህዝብን” ጸሎቶም ኣረጋጊጾም፡ ቀጺሎም በርገሳውያን ሰበስልጣን “ዝተኻእለ ኩሉ ክገብሩ” ኣተባቢዖም፣ ንማሕበረሰባት ክርስትያንን ወለንተይናታት ትካላትን “ንዘቕርብዎ ዘለዉ ኵለ መዳያዊ ረድኤት” ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
