ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ሜክሲኮ ንግዳያት ምዕልቕላቕ ማይ ጸሎቶምን ቅርበቶምን የረጋግጹ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምዝ ተረኽቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነጋድያን ተስፋ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ መክሲኮ ካብ ዕለት 6 - 11 ጥቅምቲ ብዘይ ምቁጻር ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናም ብዘስዓቦ ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ምብራቓዊ ማእከላይ ሜክሲኮ ዝተጎድአ ህዝቢ ዘኪሮም ጸሎቶምን ቅርበቶምን ከም ዘረጋገጹን በቲ ዘጋጠመ ከቢድ ምዕልቕላቕ ማይ ብውሕዱ 76 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣስታት ሰለስተ ደርዘን ሃለዋቶም ከም ዘይተረኽበን ልዕሊ 100 ማሕበረሰባት ድማ ብዘይ መራኸብታት ከም ዝተረፉን ክንገር እንከሎ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ምእንቲ ኩሎም ብሰንኪ እዚ መዓት ዝሳቐዩ ዘለዉን” ጸሎቶም ብምርግጋጽ፡ ብእኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናይቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ኩሎም ነፍሳት ንጐይታ ከም ዘማዕቆቡን፡ ብጀካ እዚ ቅዱስነቶም ንዅሎም እቶም ብውግእን ዓመጽን ኣብ ዝዓነወ ቦታታት ዚነብሩ ሰባት እውን ዘኪሮም፡ “ጸሎት ምእንቲ ሰላም ብዘይምቍራጽ ብፍላይ ከኣ ብናይ ሓባር ጸሎት መቝጸርያ ክቕጽል" ተላብዮም፡ ኣብ ጸሎት መቝጸርያ ብእነተስተንትኖ ምስጢራት ኣቢልና "ስቓይን ተስፋን ናይቶም ግዳያት ውግእ ዝዀኑ ቈልዑን ኣዴታትን ኣቦታትን ኣረጋውያንን ናትና ንገብሮ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ምእንቲ እቶም ብኲናት ኣብ ዝተሃስየ ቦታታት ዝነብሩ ጸሎትና ብምቕራብ፡ ግብረ ሰናይን ሓድነትን ጭቡጥ ክኸውን ተማሕጺኖም። ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ነዚ ተልእኾ እዚ ውፉያት ዝዀኑ ሰባት ድማ "ገበርቲ ሰላም ብጹኣን እያቶም!” እንክብሉ ከም ዝዘከርዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
