ድለ

2025.10.11 ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ መዓልቲ ኢዮቤል ንሰብ ወፉይ ህይወት ምስ ጉጅለ ባሕታውያን ኢጣልያን ተራኺቦም 2025.10.11 ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ መዓልቲ ኢዮቤል ንሰብ ወፉይ ህይወት ምስ ጉጅለ ባሕታውያን ኢጣልያን ተራኺቦም  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ መዓልቲ ኢዮቤል ንሰብ ወፉይ ህይወት ምስ ጉጅለ ባሕታውያን ኢጣልያን ተራኺቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ጉጅለ ባሕታውያን ኢጣሊያ ኣብ ሮማ ኣብ መዓልቲ ኢዮቤል ሰብ ውፉይ ሕይወት ተራኺቦም ንቤተክርስትያንን ንኹሎም ምእመናንን ኣገዳስነት ቅርበት ምስ እግዚኣብሔር ዳግማይ ንኽረኽቡ ናይ ምሕጋዝ ጸዋዕታኦም ብቐጻሊ ክነብሩ ከም ዘተባብዕዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብዛ ብመራኸቢ ብዙሓንን እደ ጥበባውን እናተጓነጸት እትኸይድ ዘላ ዓለም” ነቲ “ንውሽጣውን ስቕታን ዝጽውዕ፡ ምስ ገዛእ ርእስኻ፡ ምስ ብጻይካ፡ ምስ ፍጥረትን ምስ ኣምላኽን እናተራኸብካ ምንባር” ዝብል ጸዋዕታ ምላሽ ምሃብ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣድላይነት ኣለዎ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 11 ጥቅምቲ ኣብ ኣዳራሽ ጉባኤ ካርዲናላት ካብ ዕለት 8 ክሳብ 9 ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ መዓልቲ ኢዮቤል ሰብ ውፍዩ ህየውት ዝተሳተፉን ናብ ሮማ ዝነገዱን ምስ ጉጅለ ባሕታውያን ጣልያን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ዘስምዕዎ መደረኦም ኣበጊሶም ጸዋዕታ ባሕታውያን ንቤተ ክርስቲያን “ጽባቐ ናይቲ ኣስተንትኖን ምሱጥ ሕይወት” ዝምስክር እዩ . . . “ባሕታዊ ምዃን ካብ ዓለም ምህዳም ዘይኮነስ፡ ልቢ ዘለዎ ናይ ምስማዕ ብቕዓት ዝሕደሰሉን፣ ምንጪ መሃዛውን ፍረ ዘለዎን ተግባር ናይቲ እግዚኣብሔር ኣባና ዘነቓቕሖ ፍቅሪ እዩ፡ ካብ ዓለም ዘለካ ርሕቐት ካብ ካልኦት ዝፈልየካ ዘይኮነስ ኣብ ዝዓሞቐ ምትሕግጋዝ ይጥርነፈካ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣገዳስነት ባሕታውያን ኣብ ቤተ ክርስቲያን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብቲ ባሕታዊ ሕይወት ንኽነብሩ ዝተጸውዑ “ምስ ጎይታ ቅርበት ዕርክነት” “ናይ ምንባር ሓጐስ፣ ድንቂ እምነትን ጣዕሚ ቤተ ክርስቲያናዊ ሕብረትን ከም ብሓድሽ ከም ዝውለድ” ኣጉሊሖም። ብፍላይ ኣብ ገጠራት ይኹን ርሑቕ ከባቢታት፡ ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን፣ ሳሕቲ እናወሰኹን ሰበኻታት ዕድላት እናጠፍኣን ኣብ ዝኸዳሉ ዘለዋ እዋን፡ ኣገዳስነት ህላወኦም ኣስሚሮም። ኣብቲ ብኣሉታዊ ዓይነት ጽምዋ ዝልለይ ዝተሓላለኸ ከተማዊ ኵነታት እውን እንተኾነ፣ ባሕታዊ ህይወት ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝራኸበሉ ጠሊ ይኸውን ቢሎም፥“ተራን ገርሀይናን ህላዌኹምን ምስ ጳጳሳ ብዘለኩም ሕብረትን ምስ ካህናት ሰበኻን ብዘለኩም ሕውነትን ብእትነብርዎ ተራን ገርሀይናን ህላወኹምን ናይ ጸሎት ምስክርነትኩምን ኣቢልኩል ናይ ማሕበረሰብ ክርስቲያን መፍንሳዊ ትንፋስ ክብ ዘብል ምስ ዝኸውን ክቡርን ፍረ ዘለዎን ይኸውን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ካልኦት ልቦም ከማእከሉ ምሕጋዝ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፡ ባሕታውያን ንሕድሪ ኣበው ቤተ ክርስቲያ - “ቃል ኣምላኽ ብምሕላው፡ ብናይ ሰዓታት ጸሎት ከምኡ’ውን ኣገልግሎት ጸሎትን ኣማላድነትን ምስ ጸሎት መዝሙር” እተሰነየ ዕለታው ሕይወቶም ኣቢሎም እሙናት ኮይኖም ክቕጽሉ እንከለዉ ሓድሽ መንፈሳዊ ብድሆታት “ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ” ክገጥምዎ ዝተጸውዑ እዮም። “ምስ ኩሎም ደለይቲ ትርጉምን ሓቅን ንምዝታይ ክፉታት ክትኮኑን መብዛሕትኡ ግዜ ዝተደናገረ መንፈሳዊ ጻዕሮም ንዘካፍልኹም ንኽትመርሑ ዝምህረኩም ጰራቅሊጦስ እዩ . . .

“ኩልኹም ካልኦት ናብ ገዛእ ርእሶም ክምለሱ፣ ማእከል ስሕበት ልቢ ዳግማይ ክረኽቡ ከተተባብዑ ትኽእሉ ኢኹም፣ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ Encyclical Dilexit nos - ኣፍቀረነ ዘርእቱ ዓዋዲ መልእክቶም ዝመሃሩና። ኣብኡ ኣብ መዓሙቕ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ ዝቃጸልን ዘይጠፍእን ሓዊ ድሌት ኣምላኽ ክረክብ ይኽእል እዩ፣ ባሕታውያን ነዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝነብር ድሌት “ሓለውትን መሰኻኽርን” እዮም፣ “ነፍሲ ወከፎም ምእንቲ ክረኽብዎን ኣብ ውሽጢን ክሕብሕብዎን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናብ ምስጢር ልቢ ምእታው

ከምኡ’ውን “ኣቦ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዘመን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብብርሃን መንፈስ ቅዱስ ከምልኹዎ . . . ከምኡ’ውን ምሉእ ብምሉእ ንዕኡ ክውፈዩ፡ ክደልይዎን ክሰምዕዎን፡ ክውድሱዎን ክጽውዕዎን፡ ለይትን መዓልትን ብሕቡእ ልቦም ክራኸብዎን” እንክብሉ ኣስሚሮም፣ ኣምላኽ ንባሕታውያን “ብትዕግስቲ ናብቲ ሕቡእ ቦታ ልቢ ክንኣትዉ” ከም ዝጽውዖም ገሊጾም፣ “ንርእስና ባዶነትን ምውጻእን” ዝሓትት ውሽጣዊ ጉዕዞ ክገብሩ “ሓንሳብ ምስ ኣተና”፣ ኣምላኽ “ንጹህን ትሑትን ልኡምን ልቢ ንምሕላው፣ ብንቕሓትን መንፈሳዊ ውግእን ማዕጾ ሕማቕ ሓሳባት ክንዓጽዎ” ይሓተና . . . ብሕቡእ ህልው ዝኾውንን ዝርእን፣ ብሕቡእ ድማ ብውህበታቱ ዝመልኣና ኣቦ ገዝእ ርእስና ሓዲግና ውሳጣዊ ዘተ ክንገር እንኽእል።”

ኣብ ሽግር እዋን ኣገዳሲ ተልእኾ

ባሕታውያን ምመናን ንኣገዳስነት ቅርበት ምስ እግዚኣብሔር ዳግማይ ንኽረኽብዎ ክሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም፣ ምኽንያቱ “ኣብ ብሕትውና ጸሎት ንኹሉ ሰብን ንኹሉ ፍጥረትን፣ ብመንፈሳዊ ኣድማስን ኣብ ቤተ ክርስቲያናውን ማሕበራውን ኵነታትን” መነኮሳት “ብሑቕ መለኮታዊ ሕይወት” ኮይኖም ዝሰርሑሉ ሕብረትን ርህራሄን ስለ ዘመንጩ - ቢሎም -  ኣእዳውኩም ኣልዒልኩም ልብኹም ድማ ነቒሑን “ኩሉ ግዜ ምስ ፈተናታት ደቂ ሰባት ብምትሕብባር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክትመላለሱ ኣላበው . . . ኣጠማምታኹም ናብ ኢየሱስ ጌርኩም ንመንፈሱ ልብኹም ከፊትኩም ምስ መላእ ቤተ ክርስቲያን ኣዴና ኣብታ ህቦብላዊ ባሕሪ ታሪኽ መርከብ ናብታ ኣቦ ንዅሉ ዘዳልዋ መንግስቲ ፍቕርን ሰላምን ተጓዕዙ” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 Oct 2025, 17:19