ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቓዛ ንግዳያት ሕጻናት ናይ መድሃኒት ሓገዝ ሰዲዶም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ሓገዝ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 12 ጥቅምቲ ቅዱስነቶም ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ “ብልጭታ ተስፋ” ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝያዳ ጭቡጥ መልክዕ ክሕዝ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ዝገለጽዎ ቅርበቶም ንተቓላዕቲ ዝጭበጥ ምልክት ሓልዮት ይኸውን።
ካብ ቃላት ናብ ተግባር
Dilexi Te - ኣነ ኣፍቀርኵከ ዘርእስታ ናይ ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣብ ግብሪ ነውዕል ኣሎና” እንክብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ግብረ ሰናይ ህየንተ ካርዲናል ኮንራድ ክራየቭስኪ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፣ “ንዝተጸገሙ ቆላሕታ ምሃብ ኣድላዪ እዩ” ኢሎም።
እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ንተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ብንጹር ይገልጽ፣ ነቲ ሓቂ “ኣዋጅ ወንጌል ተኣማንነት ዝህልዎ ቅርበትን ምቕባልን ብጭቡጥ ምልክት ምስ ዝግለጽ ጥራይ እዩ” እንክብሉ ኣጒሊሖም፣ ሳላ ላቲናዊ መንበረ ጳጳስ ዘየሩሳሌም፡ እቲ ዝተላእከ ኣገዳሲ መድሃኒት ድሮ ነቶም ዝተጸገሙ ከም እተዓደለን ኣብ ዓመታት ውግእ እውን እንተኾነ፡ መግብን ነዳድን ንምዕዳግ ዝውዕል ናይ ገንዘብ ሓገዝ ብምልኣኽ ነቲ ኣብ ጸገም ዘሎ ህዝቢ ቀረባ ንምዃን ብዙሕ ጻዕሪ ከም እተገብረ ሓቢሮም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ዩክሬን ዘለዎም ቅርበት
ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ግብረ ሰናይ ብዘይ ምቁራጽ ይቕጽል ኣሎ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ግጭት እውን። ድሕሪ ብዙሕ ተልእኾታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ - ንሰባት ቁሪ ክጻወሩ ዝሕግዙ ጀነሬተራት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ካብ ቁርን ኣስሓይታን ዝከላኸል ክዳውንትን ሓዊሱ - እቲ ቤት ጽሕፈት ነቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ “ቤተክርስትያን ዩክሬናውያን” ባዚሊካ ቅድስቲ ሶፍያ ኣብ ምቕራብ ይቕጽል ኣሎ ኢሎም።
እቲ ባዚሊካ ነታ ብኲናት ዝተሃስየት ሃገር ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ንጡፍ ኮይኑ ይቕጽል ከም ዘሎን ካብቲ ባዚሊካ ብሓቂ፡ ናይ ጽዕነት መካይን ኣገደስቲ ኣቑሑት ሒዘን ናብ ዩክሬን ብቐጻሊ ከም ዝብገሳን፣
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ሰንደቕ ዕላማ ቫቲካንን ዩክሬንን ዝተነብረን - ብቋንቋታት ጥልያንን ዩክሬንን - “ህያብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንህዝቢ ካርኪቭ” ዝብል ጽሑፍ ዝተመነብሮ ዕሹግ ሰባኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና ዓበይቲ ማካይን ናብታ ከተማ ከም ዝኣተዋ ገሊጾም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በዚ ምልክታት እዚ ኣቢሎም ናብቲ ንዓመታት ዝጸንሐ ብውግእ ዝደኸመ፣ ሕጂ’ውን ኣድማስ ቅጽበታዊ ሰላም ክረአ ዝጽበ ዘሎ ህዝቢ ስቓይን ቃንዛን ቐረባ ምዃኖም የረጋግጹ ኢሎም።
