ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ዳግማይ ዘተ ክንመሃር ኣሎና
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"እዚ ክልተ ኣዝዩ መሪር ዓመታት እዩ። ቅድሚ ክልት ዓመት 1200 ሰባት ብሽበራዊ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም። ኣብ ዓለም ክሳብ ክንደይ ጽልኢ ከምዘሎ ክንሓስብን እንታይ ክንገብር ንኽእል ኢና ኢልና ንነብስና ክንሓትት ክንጅምር ኣሎና። ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ኣስታት 67 ሽሕ ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም። ጽልኢ ከነወግድ ኣሎና፡ ሰላማዊ ፍታሕ ንምድላይ መሰረት ዝኾነ ናይ ምዝታይ ዓቕሚ ዳግማይ ክንዕወቶ ኣሎና"
ዝብል ሓሳብ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ኣብ ካልኣይ ዓመት ዝኽሪ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ምጅማር ናይቲ ንቓዛ ዘዕነውን ሞት ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ሰላማውያን ዘስዓበን ግጭት ምዃኑ ካብ ሮማ ወጻኢ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ሕንጻ ኣፈት ንዝተርኽቡ ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ዘስመርሉ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኣንጻር ግብረሽበራን ጸረ - ሴማውነትን መርገጺ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንኽልቲኡ ማለት ግብረሽበራን ኣብ ቀረባ እዋን ዝተራእየ ጸረ - ሴማውነትን ብምኹናን ናይ ወንጌል መልእኽቲ ሰላም የረጋግጹ፣ "ኣብ ግብረሽበራ ዝዋፈሩ ጉጅለታት ክንቅበል ከምዘይንኽእል ርግጸይና እዩ፤ እዚ ኣብ ዓለም ዘሎ ቅዲ ጽልኢ ኩሉ ግዜ ክንጸግ ኣለዎ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ህላወ ጸረ - ሴማውነት ይውስኽ ኣይውስኽን ዘተሓሳስብ እዩ። ኩሉ ግዜ ሰላም ክንእውጅ ይግባእ፣ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ድማ ከነኽብር ኣሎና። እዚ መልእኽቲ ቤተክርስትያን እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሓይሊ ዘየቋርጽ ጸሎት
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኩሎም ምእመናን ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ግጭት ደው ክብል ጸሎት ክቕጽሉ ብምዕዳም፡ ቤተ ክርስቲያን ዘተን ዕርቅን ንምድንፋዕ ዘለዋ ተወፋይነት ደጊሞም ምስ ኣረጋገጹ - "ቤተክርስትያን” - ይብሉ ቅዱስነቶም - "ብፍላይ ኣብዚ ወርሒ [ጥቅምቲ] ኹሉ ሰብ ምእንቲ ሰላም ክጽሊ ሓቲታ ኣላ። ብተወሳኺ'ውን ኵሉ ሳዕ ከም ቤተ ክስቲያን ዘተ ከነተባብዕ ኢና" ምስ በሉ ብዛዕባ’ቲ ልኡከ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ኢጣሊያ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ማዕከናት ዜና ቫቲካን ምዘካየድዎ ቃለ መሕትት ነቐፌታዊ ግብረ መልሲ ከም ዝሃበን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ እንታይ ትብሉ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ፣ “ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ቅድስቲ መንበር ዘለዋ መርገጺ ኣዝዩ ብንጹር ገሊጾምዎ” እዮም እንክብሉ ከም ዝመለሱ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ጉዕዞ ናብ ቱርኪ፡ ናይ ሓድነት ህሞት
ዕለት 7 ጥቅምቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ናይ መጀመርታ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ቱርክን ሊባኖስን፣ እዚ ኸኣ ካብ ዕለት 27 ሕዳር ክሳብ 2 ታሕሳስ ካካይዱ ምዃኖም ብወግዒ ከም ዝሓበረን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ እውን ዘለዎም ርእይቶ ምስ ተሓተቱ፣ "እቲ ናብ ቱርኪ ዝግበር ጉዕዞ፡ ዝኽሪ መበል 1700 ዓመት ቀዳማይ ኤቝመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ዘማእከለ ከም ዝኾነን እዚ ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ ህሞት'ዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ክገብርዎ ዝደለዩ ጉዕዞ እውን እዩ ነይሩ . . . ንኹሎም ክርስትያን ኣብ እምነት ሓቀይና ሓድነት ዝረኣየሉ ህሞት ከም ዝኸውን ድማ ዘለዎም እምነት ገሊጾም። ነዚ ታሪኻዊ ዕድል ክንሓልፎ የብልናን። ንድሕሪት ንምጥማት ዘይኮነስ - ንቕድሚት ንምጥማት'ዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምጽንናዕ ወንጌል ናብ ሊባኖስ ምምጻእ
እቲ ናብ ሊባኖስ ዘካየድዎ ዑደት ብቐንዱ ነቲ ዕለት 4 ነሓሰ 2020 ኣብ ወደብ ቤሩት ዘጋጠመ ፍንጀራ ምክንያት ከቢድ መጉዳእቲ ንዘጋጠሞ ህዝቢ ምጽንናዕ ንምቕራብ ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢሮም፣ “ኣብ ሊባኖስ፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፣ ኣብታ ብዙሕ መከራ ዘጋጠማ ሃገር፣ ዳግማይ መልእኽቲ ሰላም ክእውጅ ዕድል ክረክብ እየ” ቢሎም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እውን ናብኡ ክኸዱ ይደልዩ ከም ዝነበሩ እውን ኣዘኻኺሮም። ንህዝቢ ሊባኖስ ድሕሪ እቲ ፍንጀራ፣ ኩሉ ዝተጻወረ ህዝቢ እታ ሃገር ንምሕቋፍ እውን እዩ፣ ናይ ሰላምን ተስፋን መልእኽቲ ከነብጽሕ ክንፍትን ኢና” እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
