ድለ

2025.10.24 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንኢየሱሳውያን፡ 'ብትብዓትን መመያን ናብ ዶባት ኪዱ' 2025.10.24 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንኢየሱሳውያን፡ 'ብትብዓትን መመያን ናብ ዶባት ኪዱ'  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንኢየሱሳውያን፡ 'ብትብዓትን መመያን ናብ ዶባት ኪዱ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ ዞባታት ኣሕሉቕ ማሕበር ኢየሱሳውያን ዕለት 24 ጥቅምቲ ኣብ ሃገር ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ነቲ ኣብ ዶባት ባህልን እምነትን ሰብኣዊ ድሌትን ዘሎ ናይ መመያን ኣገልግሎትን ናይ ማሕበሮም ትውፊት እሙናት ኮይኖም ክቕጽሉ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ነቶም ንዓውደ ኣኼባ ማሕበሮም ሮማ ንዝኣተዉ ናይ ዞባታት ኣሕሉቕ ማሕበር ኢየኡሳውያን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ዓቢይ ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ኣርቱሮ ሶዛን ንማሕበር ኢየሱሳውያን “ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓለም ተልእኾኦም ንምፍጻም ሓድሽ መገድታት ከለልዩ” ከም ዘተባብዑን፡ ማሕበር ኢየሱሳውያን ድሕሪ 2005 ናይ መጀመርታ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኣስታት 100 ናይ ዞባታት ኣሕሉቕ ናይቲ ማሕበር ዘራኽብ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 17 ጥቅምቲ ዝጀመረ ናይ ዓሰርተ መዓልታት ኣኼባ፡ ናይ ኣስተንትኖ ህሞታት፡ ናይ ሓባር መመያን፡ ከምኡ’ውን ብምኽንያት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ብቅዱስ ኣፍደገ ናይ ምሕላፍ ንግደት ዘጠቓልል ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ምሉእ መደረ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣብዚ ኣንብቡ

ናብ ዶባት ጽውዓት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰፊሕ መደረኦም ነቲ ሕጂ ዘሎ “ናይ ለውጢ ዘመን” እንክብሉ ዝገለጽዎ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ባህልን እደ ጥበብን ፖለቲካን ብቕልጡፍ ለውጢ ዘጋጥሞ ዘሎ እዋን፡ "ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ካልኦት ምህዞታትን ኣብ ስራሕን ዝምድናን ዘለና ርድኢት ይቕይሩ ኣለዉ፡ ስነ ምህዳራውን ውልትውናን ዝብሉ ስክፍታታት ጠቒሶም ብዛዕባ መንነት ደቂ ሰባት ሕቶታት የልዕሉ ኣለዉ" እንክብሉ ኣመልኪቶም፡  “ግናኸ ናብዛ ዓለም እዚኣ ክርስቶስ ክሳብ ሕጂ ንደቀ መዛሙርቱ ይልእኽ ኣሎ” ብምባል ኣረጋጊጾም፡ ቅዱስ ኢግናጽዮስ ብዓል ሎዮላን ብጾቱን “ዘይርጉጽነት ወይ ጸገም ከምዘይፈርሑ፡ እምነትን ኣመክንዮን ምስ ሓድሽ ባህልታትን ዓበይቲ ብድሆታትን ዝጋጨወሉ ወሰናስን ከምዝኸዱን” ብምዝካር ኣረጋጊጾም፡ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1974 ንኢየሱሳውያን ዘስምዕዎ መደረ ብምጥቃስ “ኣብ ዝኾነ ቦታ ቤተ ክርስቲያን ዋላ ኣብቲ ኣዝዩ ከቢድን ጽንፈይናን ዓውድታት . . . ኢየሱሳውያን ነይሮምን ኣለዉን” እንክብሉ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ “ሎሚ ደጊመ እብለኩም፡ ቤተክርስትያን ኣብ ዶባት፡ መልክዓ ምድሪ፡ ባህላዊ፡ ስነ ፍልጠታዊ፡ መንፈሳዊ ይኹን ተድልይዋ ኢኻትኩም። እዚኦም ናይ ሓደጋ ቦታታት እዮም፡ ድሕሪ ደጊም እቲ እንፈልጦ ዝነበረ ምልክዕ ምድሪ እኹል ከም ዘይኮነ እዮም ዝረጋግጹልና። ኢየሱሳውያን ብትብዓት መመያ ክገብሩን ነቲ ኢግናስያዊ መትከል “ቅዱስ ዘይምግዳስ” ክለማመዱን ዓዲሞም፣ እዚ ድማ "መንፈስ ቅዱስ ንሃዋርያዊ ኣካል ናብ ካልእ ቦታ ኺመርሖ ኸሎ ካብቲ ዚፈትዎ መዋቕር ወይ ግደ ብምውጻእ ንዝዓበየ ሰናይ ድሉው ምዃን ማለት እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሲኖዳውነትን ዕርቅን

ካብቶም ሎሚ ንቤተ ክርስቲያን ገጢምዋ ዘሎ “ዓበይቲ ዶባት፡ ንመንፈስ ቅዱስን ንሓድሕድኩምን ብዕምቆት ምስማዕ ዝሓትት” ጉዕዞ ምዃኑ ገሊጾም፡ እቲ ማሕበር ኣብ መስርሕ ሲኖዳውነት ንዝገበሮ ኣበርክቶን ንማሕበረሰባት ቤተ ክርስቲያን “ብተስፋ ብሓባር ክመላለሱ” ብምሕጋዙን ኣመስጊኖም፡ ናብቲ ዕርቂ ዝብል ኣርስቲ ብምእታው፡ “ዓለም ብግርጭት፡ ዘይምዕሩይነትን ግህሰትን” ትሳቐ ምህላዋን ብዙሓት ቁስሊ “ኣብ ወለዶታትን ህዝብታትን ከይሓወየ ይቕጽል” ከም ዘሎን ኣስተብሂሎም፡ “ንዓውሎማዊ ምትእስሳር ሓይሊ ኣልቦነት ብባህሊ ዕርቂ ክንቃወሞ ይግባእ - ንሓድሕድና ኣብ ሓቂ፡ ይቕሬታን ፈውስን ምርኻብ” እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ኢየሱሳውያን “ክኢላታት ዕርቂ፡ ካብ ክፋእ ሰናይ ዝይሕይል ምዃኑ ዝተኣማመኑ” ክኾኑ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

መመያ ኣብ መንጎ ስነ ኣሃዛዊ ለውጢ

ር.ሊ.ጳ. ነዚ “ኣገዳሲ ዶብ” ቢሎም ብምጽዋዕ፡ ዓቢ ዓቕሚ እኳ እንተሓዘ፡ “ናይ ተነጽሎ፡ ስራሕ ምጥፋእን ሓድሽ ዓይነት ምትላልን” ሓደጋታት እውን ከም ዝስከም ተዓዚቦም፡ “ቤተክርስትያን ነዚ ምዕባለታት ብስነ -ምግባር ክትመርሖ፣ ክብረት ሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ምክልኻልን ንሓባራዊ ረብሓ ኣብ ምስፋሕን ክትሕግዝ ኣለዋ፡ ኣብ ስነ ኣሃዛዊ መድረኻት ከመይ ጌርና ንወንጌል ንምስባኽ፡ ማሕበረሰባት ንምፍጣርን ነቶም ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ሃልኪ፡ ሓይልን ርእሰ - ብቑነትን ንምብዳህን ክንፈልጥ ኣለና።”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ኣብ 2019 ብቅድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝተረጋገጸ ኣርባዕተ ኵላዊ ሓዋርያዊ ምርጫታት ማሕበር ኢየሱሳው ብምጥቃስ “ምስትውዓልን ትብዓትን ዝጽውዕ ዶባት” እንክብሉ ገሊጾም። ነቲ ቀዳማይ ምርጫ ብምዝካር፡ ንየሱሳውያን “ብመንፈሳዊ ሱባኤን መመያን” ንሰባት ናብ ኣምላኽ ክመርሕዎም ኣተባብዖም፣ “ሎሚ ብዙሓት ሰባት ትርጉም ይደልዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ከይተረድኦም እውን፡” ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ብምጥቃስ “ኦ ጎይታ ንኣኻ ፈጠርካና፣ ልብና ድማ ኣባኻ ክሳብ ዘይዓርፍ ርግኣት ኣይክህልዎን እዩ - ቢሎም - ኢየሱሳውያን “ኣብቲ ዘይርጉእነት . . . ኣብ መዕረፊ ገዛውቲ፡ መናብርተ ጥበብ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ቁምስናታት ደለይቲ ዝእከብሉ ቦታታት ዘይወግዓዊ ቦታታትን ምስ ሰባት ክራኸቡን፡ ከምኡ’ውን፡ ሕላነ ብተግባር፡ ኣብ መዓልታዊ ቅርበት ምስ ክርስቶስ ሱር ዝሰደዱ” ኮይኖም ክቕጽሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ቅድስነቶም ናብቲ ካልኣይ ምርጫ ብምስግጋር- ምስ ድኻታትን ዝተገለሉን ምጉዓዝ - ዝብል ኣማእኪሎም፡ “ልዕሊ ክብሪ ናይቲ ሰብ ብመኽሰብ ዝድረኽ ቁጠባዊ ስርዓት” ነቒፎም፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝለገስዎ ኣነ ኣፍቀርኩከ - Dilei Te ብምጥቃስ፡ “ካብ ቐታሊ ምልካዊ ስርዓት ቁጠባ” ኣጠንቂቖም። "እዚ ዓውሎማዊ ዘይምዕሩይነት፡ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ህይወት ንምድላይ ክስደዱ ዝደፍኦም እዩ። ሓቀይና ደቀ መዛሙርቲ በደል ብምኹናንን ኣብ ምትሕግጋዝን ኣብ ሓባራዊ ረብሓን ዝሰረቱ ሓደስቲ ቀጥዕታት ከቕርቡ ይሕተቱ፡ ትካላት ማሕበር ኢየሱሳውያን - መናብርተ ጥበብ፡ ማሕበራዊ ማእከላት፡ ሕትመታትን ኣገልግሎት ስደተይናታት ኢየሱሳውያንን ሓዊሱ - ኣብቲ ለውጢ ዝገብር ሓይሊ ፍቕሪ ኣምላኽ ተኣማሚኖም ስርዓታዊ ለውጢ ከስፍሑን ናይ ርህራሄ ድኻም ወይ ነሲብነትን" ክቃወሙን’ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ምስ መንእሰያት ምጉዓዝን ንፍጥረት ምሕላይን

መንእሰያት ምስናይ ዝብል ሳልሳይ ምርጫ እናሓሰቡ - ቅዱስነቶም መንእሰያት “ጽምኢ ሓቅነትን ለውጥን ይካፈሉ” ከምኡ’ውን ቤተ ክርስቲያን “ቋንቋኦም ክትረክብን ክትዛረብን” ከምዘለዋ ገሊጾም፡ “ምስ ክርስቶስ ዝራኸብሉን ጸዋዕታኦም ከለልዩን ንመንግስቲ ኣምላኽ ክዋስእሉ ዝኽእልሉ ቦታታት ምፍጣር ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብ ኮርያ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት “ነዚ ተልእኾ’ዚ መሰረታዊ ህሞት” ከም ዝኸውን ኣመላኺቶም፡ ኣስዒቦም ብዛዕባ ሓልዮት ናይ ሓባር ገዛና - ራብዓይ ምርጫ ዝብል ብምምልካት - ምህዳራዊ ምልዋጥ “ዓሚቝ መንፈሳውነት” እንክብሉ ገሊጾም፣ “ምስ ኣምላኽን ኣብ ነንሕድሕድናን ምስ ፍጥረትን ዘለና ርክብ ከነሐድስ” ጸዊዖም፡ማሕበረሰባትኩም ኣብነታት ናይ ስነ - ህይወት ዘላቕነት፡ ገርሀይናነትን ንህያባት ኣምላኽ ምስጋናን ይኹኑ - ቢሎም - ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስቡሕ ኣንተን ስነ ምህዳራዊ ለውጥን ከም ዘቃልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

“ምስ ክርስቶስ ምዃን”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 መደረኦም ኣብ ዝዛዘሙሉ እዋን፡ ኢየሱሳውያን ብጸሎትን ምስጢራትን ማሕበራዊ ሕይወትን ምስ ኢየሱስ ቀረባ ኣብ ምዃን ክጸንዑ ኣዲሞም፡ “ኣብዚ ምስ እትስረቱ ኣብ ዝኾነ ቦታ ክትመላለሱ ትብዓት ክትረኽቡ ኢኹም፡ ሓቂ ክትዛረቡ፡ ክትዕርቁ፡ ክትፍውሱ፡ ንፍትሒ ክትጽዕሩ፡ ምሩኻት ሓራ ከተውጽኡ ኢኹም። ምስ ክርስቶስ እንተ ተመላሊስኩም ካብ ዓቕምኹም ወጻኢ ዝኾነ ዶብ ኣይክህሉን እዩ - ቢሎም - ማሕበር ኢየሱሳውያን “ንምልክት ዘመን ብመንፈሳዊ ዕምቆት ምንብብ” ክቕጽል፡ “ንኽብሪ ሰብ ዘስፍሕ ሓቝፎም “ልኡምነትን፡ መሃዝትን፡ መመያን፡ ወትሩ ኣብ ተልእኾኦም” ህልው ምዃኑ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ “ንቤተ ክርስቲያን ብምሕዳስን ናይ ፍትሕን ፍቕርን ሓቅን መንግስቲ ምህናጽን ናብ ዶባት ናይ ሎሚን ኪኖኡን ይመርሓኩም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 Oct 2025, 17:53