“ኣነ ኣፍቀርኩከ - Dilexi te” - ር.ሊ.ጳ. : እምነት ካብ ፍቕሪ ንድኻታት ክፍለ ኣይክእልን!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
Dilexi te , “ኣነ ኣፍቀርኩከ” (ራእይ ዮሓንስ 3፡9)። ፍቕሪ ክርስቶስኣብ ፍቕሪ ንድኻታት ስቡእ ይኸውን፣ ንሕሙማት ሓልዮት ተባሂሉ ይስተውዓል፤ ኣንጻር ጊልያነት ምቅላስ፤ ምክልኻል ግዳያት ዓመጽ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ፤ መሰል ትምህርቲ፤ ንስደተይናታት ቀረባ ምዃን፤ ግብረ ሰናይን፤ ማዕርነት ንርግጋጽ። ልዮን መበል መበል 14 ብዝኸተምዎ ናይ መጀመርታ ሓዋርያዊ ምዕዳኖ ኣቢሎም ኣብ ዝሓለፈ 150 ዓመታት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ ድኻታት ዝሃበቶ ትምህርቲ ደጊሙ ዘረጋግጽ 121 ነጥቢ ዝሓዘ ሰነድ የቕርቡ ። በዚ ዕለት 4 ጥቅምቲ ብበዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ብዝተኸምዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣቢሎም እቶም ኣጎስጢናዊ ር.ሊ.ጳ. ኣሰር ናይቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ይኽተሉ: ከም ኣብነት ነቲ ዮሓንስ መበል 23 Mater et Magistra - ኣደን መምህርን ዘርእስቱ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽትን; ጳውሎስ ሻድሻይ Populorum progressio - ምዕባለ ኣህዛብ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ፤ “ቤተ ክርስቲያን ምስ ድኻታት ዘለዋ ምሩጽ ዝምድና” ዘደልደሉ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፤ በነዲክቶስ መበል 16ን Caritas in Veritate - ፍቕሪ ብሓቂ ዘርእስቱ ዓዋዲ የቃልሑን ናቶም ምዕራፍ እውን የቕርቡ። ፍራንቸስኮ ንድኻታት ምሕብሓብን ምስ ድኻታት ምትሕግጋዝን ሓደ ካብቲ ሕመረት ርእሰ ሊቃነ ጵጵስናኦም ገይሮምዎ እዮም።
ብፍራንቸስኮ ዝተጀመረን ብልዮን ዳግማይ ዝቕጽልን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ባዕሎም ቅድሚ ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዮን ነቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ጀሚሮም ነይሮም። ከምቲ ኣብ 2013 ብበነዲክቶስ መበል 16 ዝተጻሕፈ Lumen Fidei ብርሃነ እምነት፡ ደሓር ነቲ ሰነድ ኣብቲ ግዜ ዝዛዘምዎ ተካኢኦም ኣርጀንቲናዊ ር.ሊ.ጳ. በርጎሊዮ Dilexit Nos - ውእቱ ኣፍቀረነ ብዝብል እራእስቲ ዝደርስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ መቐጸልታ ዝውክል ምዃኒ የረጋግጽ። ምኽንያቱ ኣብ መንጎ ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ፍቕሪ ድኻታትን ዘሎ "ምትእስሳር" ድልዱል እዩ: ብእኦም ኣቢሉ ድማ "እግዚኣብሄር ገና ዝብለና ነገር ኣለዎ" ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ወግዓዊ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን።
ኣብቲ ውጉእ ገጽ ድኻታት ስቓይ ንጹሃት ተሓቲሙ ንረኽቦ (ቍጽሪ 94 ረአ) ።
“ውጅህታት” ድኽነት
ኣብቲ ብር.ሊ.ጳ. ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስት ዝተዳለወ ሓዋርያዊ ምዕዳን፡ "ወጅህታት" ድኽነት ዝትንተነሉ፡ ንተግባርን ኣስተንትኖን ዝኸውን ብዙሕ ሓሳባት ተነቢሮ ኣሎ። ድኽነት "ናይቶም ንዋታዊ መነባብሮ ዘይብሎም፣ እቶም ብማሕበራዊ መዳይ ዝተገለሉ፣ ግብረ ገባዊ፡ መንፈሳዊ፣ ባህላዊ ድኽነት (ቍጽሪ 9 ረአ) ብዝብል ወጅህታት ተመልኪቱ ኣሎ። ድሕሪኡ ብዙሓት ሓደስቲ "ዝያዳ ረቀቕትን ሓደገይናታትን" መልክዕ ድኽነት (ቍጽሪ 10 ረአ) ምስ ቁጠባዊ ሕግታት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ዝኸዱ ሃብቲ ዘዕበዩ ግን ከኣ ፍትሓውነት ዘይወሰኹ።
ስእነት ፍትሓውነት ሱር ማሕበራዊ ሕማማት እዩ። (ቍጽሪ 94)
ዝቐትል ቁጠባን ጓሓፋይ ባህልን
ካብዚ ኣረኣእያ እዚ ልዮን መበል 14 "ሕቡራት ሃገራት ስዕረት ድኽነት ከም ሓደ ካብ ዕላማታት ሚለንዮም" ከም ዘቐመጦ እውን ብሓቂ ብሞገስ" ይቕበልዎ። ይኹን እምበር፡ እቲ መንገዲ ነዊሕ እዩ፡ ብፍላይ ኣብዚ "ምልካዊ ስርዓት ዝቐትል ቁጠባ" (ቍጽሪ 92) ኣብ ዝነግሰሉን "ሚልዮናት ሰባት ብጥሜት ከም ዝሞቱ ወይ ንደቂ ሰባት ኣብ ዘይበቅዕ ኩነታት ዝነብሩ ብሸለልትነት ዝጻወር" (ቍጽሪ 11 ረአ) ተጠቂምካ ምድርባይ ዝብል ጓሓፋይ ባህሊ ኣብ ዝቕጽለሉን ዘመን።
ብሓቂ ሰብኣዊ መሰላት ንኹሉ ማዕረ ኣይኮነን (ቍጽሪ 94 ረአ) . . .
እንብሉ ሰብኣዊ መሰል ንኹሉን ናይ ኩሉን ክነሱ ኣብ ክውንነት ግን ማዕረ ኣይኮነን፣ ነዚ ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ “ጽባሕ ዘይኮነስ ሕጂ ክኽበር፣ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ” ክግበር ኣብቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ጻውዒት የቕርቡ።
ኣቀባብላ ስደተይናታት
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብቲ ሓዋርያዊ ምዕዳኖን ንፍረ ነገር ስደት ሰፊሕ ቦታ የወፍዩ፣ እዚ ኸኣ ካብቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ሞይቱ ዝተረኽበ ስደተይና ኣለን ኩርዲ ዝስሙ ሶርያዊ ቘልዓ ኣብ መላእ ዓለም ስእሉ ዝተዘርገሐ ጀሚሮም . . . እቲ ዜሕዝን ግን "ተመሳሳሊ ሓቅታት ከም ወሰን ሓበሬታ ኣገዳስነት ዘይብሉ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ" እክብሉ ይጽሕፉ (ቍጽሪ 11)። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት እትሰርሖ ስራሕ ይዝክሩ።
ቤተ ክርስቲያን ከም ኣደ ምስቶም ዝጓዓዙ እያ እትመላለስ። ዓለም ስግኣት ኣብ እትርእየሉ፡ ቆልዑ ትርኢ፤ መናድቕ ኣብ ዝህነጸሉ ድልድል ትሰርሕ . . . ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝተነጽገ ስደተይና ማዕጾ ናይቲ ማሕበረሰብ ዝኹሕኩሕ ክርስቶስ ባዕሉ ምዃኑ ትፈልጥ እያ (ቝጽሪ 75 ረአ)
ር.ሊ.ጳ. ሮበርት ፕረቮስት ብዛዕባ ስደተይናታት ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ድማ ነቲ ፍሉጥ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ "ምንጋድ፡ ምሓልዉ፡ ምንቕቓሕ፡ ምውህሃድ" ዝብሉ ኣርባዕተ ግስታት ሓንጎፋይ ቢሎም ይቕበልዎ። ነቲ ፍራንቸስኮ ድኻታት "መምህራን ወንጌል" እንክብሉ ዝሃብዎ ትርጉም እውን ናቶም ይገብሩ! ንጽጉማት ምግልጋል "ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ" ክግበር ዘለዎ ምልክት ዘይኮነስ፡ ኣብ መንጎ ማዕረታት ዝግበር ርክብ እዩ (ቝጽሪ 79 ረአ)
ስነ ህልዮ፣ መደናገሪ ሕግታት፣ ዘይምግዳስ (ሸለልትነት)
ተካኢ ጴጥሮስ ነተን “ብምግላል፡ ግፍዕን ዓመጽን" ዝሳቐያ ደቂ ኣንስትዮ "ዕጽፊ ድኻታት " እንክብሉ ይገልጽዎ (ቍጽሪ 12 ረአ)። ከምኡ'ውን ብዛዕባ ጠንቂ ድኽነት ብዓሚቝ ኣስተንትኖ ይገልጹ፡ "ድኻታት ብኣጋጣሚ ወይ ብዓይነ ስውራን መሪርን ዕጫ ኣይህልዉን እዮም። ምርጫ እውን ኣይኮነን፣ እንተኾነ ግን ከምኡ ገይሮም ክገልጽዎ ዝደርፉ እናረኣይዩ ክርእዩ ዘይደልዩን ጭ ሰባት ኣለዉ" (ቍጽሩ 14 ረአ)። ሓድሓደ ግዜ ክርስትያን ባዕላቶም እዮም "ብዓለማዊ ስነ ህልዩ ወይ ብፖለቲካውን ቍጠባውን ኣረኣእያ ናብ ዘይፍትሓዊ ሓፈሻዊ ሓሳባትን ዘታልል መደምደምታትን ዚመርሕ" ክብከሉ ዝፈቕዱ።" አረ "መንግስቲ ጥራይ ኪከናኸኖም ኣለዎ ወይ ከኣ ክሰርሑ ካብ ምምሃር ኣብ ጸብጻኦም ምሓጎም ይሓይሽ" ኢሎም ዚሓስቡ ሰባት ኣለዉ (ቍጽሪ 114 ረአ)። ምጽዋት ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ይንዕቕ እዩ (ቍጽሪ 115 ረአ)። "ክርስትያን ከም ምዃንና መጠን ምጽዋት ኣይነቋርጽ" እንክብሉ ቅዱሰንቶም ጻውዒት የቕርቡ።
ነቲ ዝሳቐ ዘሎ ስጋ ድኻታት ንምትንካፍ ፍቕሪ ክንለማመድ ኣሎና (ቍጺ 119 ረአ)
ኣብ ገለ ክርስትያን ጉጅለታት፡ ነቶም ኣዝዮም ድኻታት ፍጹም ተወፋይነት ዘይምህላው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዘለዎም ትዕዝብቲ የቕርቡ (ቍጽሪ 112 ረአ)። "ኣብ መንጎ እምነትናን ድኻታትን ዘይፍለ ምትእስሳር ኣሎ" (ቍጽሪ 36 ረአ) ከምዚ ስለ ዝኾነ ድማ ንጠንቀቑ። ነዚ እንተድኣ ዘየስተወዓልናዮ "ምብታን" ወይ "መንፈሳዊ ዓለማዊነት" ዝብል ሓደጋ ከጋጥም እዩ (ቀጽሪ 113 ረአ)።
ምስክርነት ቅዱሳን፡ ብጹዓን፡ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት
ነዚ ዘይምግዳስ ዝቃወም መረዳእታታት ቅዱሳን፡ ብጹዓንን፡ ልኡካንን ዝሓዘት ዓለም ከም ዘሎን። ንቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ፣ ኣናቴ ቅድስቲ ተረዛ፣ “ንኣምላኽ የፍቅርን ንጽጉማት ርህራሄ ዘይብሉ ሓሳዊ እዩ” ዝበለ ቅዱስ ኣጉስጢኖስን (45) - ከምኡ’ውን ካልኦት ብዙሓት ይጠቕሱ። ቀጺሎም ንሕሙማት፡ ንኣቀባብላ ዘኽታማት፡ መበለታትን ነዳያንን፡ ንሓርነት ግዳያት ጊልያነት ዝሰርሕዎ ዝውፈዩ ዝተፈላለያ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ይዝክሩ።
ትውፊት ናይዞም ስርዓታት ሰብ ውፉይ ህይወት እዚኦም ኣይተዛዘመን። ብኣንጻሩ ኣብ ቅድሚ ዘመናዊ መልክዕ ጊልያነት፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት፡ ግዱድ ዕስክርና፡ ጾታዊ ምዝመዛ፡ ዝተፈላለየ ዓይነት ጽግዕተይናነት፡ ንምውጋድ ሓድሽ ዓይነት ተግባር ኣነቓቒሖም እዮም። ክርስትያናዊ ፍቕሪ፡ ስጋ ምስ ዝለበሰ ሓራ ዘውጽእ ይኸውን (ቍጽሪ 61 ረአ)።
ካብ ትኽስ ብምባል ዘበራር ዝኹንን “ድምጺ”
ኣብቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ጳጳስ ሮማ ድኻታት ምምሃር ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ደጊሞም ይገልጹ: "ግዴታ" እምበር መረጻ ኣይኮነን። "መብዛሕትኡ ግዜ ብዝጥርጠሩን ክሳብ ንስደት ብዝዳረጉ ዝምርሓ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት" (ቅጽሪ 80 ረአ) ኣብ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ይጠቕሱ፣ ኣብ መወዳእታ ንመላእ ህዝቢ ኣምላኽ "ዋላ'ውን ብዝተፈላለየ መንገዲ፡ ዘበራበር፡ ዝኹንን፡ ዋላ'ውን ገዛእ ርእሱ ዓሻ ንዘብል ፍርዲ ዘቃልዕ ይኹን ድምጹ ከስምዑ" ይጽውዑ።
መሓውራት በደል ብሓይሊ ሰናይ ኣፍልጦ ክወሃቦምን ክጠፍኡን ኣለዎም (ቍጽሪ 97)
"ኩላትና ብድኻታት ወንጌል ክንስበኽ ንፈቅድ" ኣድላዪ እውን እዩ እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ መወዳእታ ይምዕድ (ቍጽሩ 102 ረአ): ንሳቶም "ማሕበራዊ ጸገም" ጥራይ ዘይኮኑስ "ኣዝዮም ማእከል ቤተ ክርስቲያን" (ቍጽሪ 111) ምዃኖም የረጋግጽ።
