ድለ

2025.10.06 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ 'ኣምላኽ ብዘይ ብኣና ኣየድሕነናን እዩ' 2025.10.06 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ 'ኣምላኽ ብዘይ ብኣና ኣየድሕነናን እዩ'  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ 'ኣምላኽ ብዘይ ብኣና ኣየድሕነናን እዩ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሮማ ንኣውስትራሊያውያን ነጋድያን መአንገዲ እተወፈየ መንፈሳዊ ቤት ኣብ ዋዜማ በዓለ ቅድስተ ማርያም ዘሮዛርየም ዕለት 6 ጥቅምቲ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብቲ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ቅድስተ ማርያም ዘሮዛርየም ቀዳማይ ጸሎተ ዘሰርክ መሪሖም ከም ዝደገሙን ኣስተንትኖ ከም ዝለገሱን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዋዜማ በዓለ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘሮዛርያ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ዶሙስ ኣውስትራልያ ብቐንዱ ኣውስትራልያውያንን እንግሊዘይና ቋንቋ ተጠቀምቲ ነጋድያንን በጻሕትን ኣብ ዘአንግድ መዕረፊ ኣጋይሽ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ቀዳማይ ጸሎተ ዘሰርክ መሪሖም ከም ዝደገሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፈለማ ከም መንበሪ ካህናት ኣባላት ማሕበር ማርያማውይን ኣብ ዝነበረ ሕንጻ ኣውስትራልያ ኣብ መወዳእታ 2000ታት ብሊቀ ጳጳሳት ሲድኒ ብደገፍ ካልኦት ሃገረ ስብከታት ኣውስትራልያ ዝተዓደገ ኣብ 2011 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቤት ነጋዲያን ኣውስትራልያውያን ኮይኑ ከም ዝተመረቐ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ዕለት 6 ጥቅምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብቲ መንፈሳዊ ቤት ነጋድያን ኣውስትራልያውያን ተረኺቦም ዕለት 7 ጥቅምቲ ዝበዓል በዓለ ቅድስቲ ማርያም ዘሮዛርያም ምኽንያት ኣብቲ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ቅድስተ ምርያም ዘሮዛርያም ኣባላት ኣውስትራልያውያን ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ዝተሳተፉዎም ካርዲናል ራይሞንድ ልዮ ብሩክ ዝተጸምበርዎ  ቀዳማይ ጸሎተ ዘሰርኽ ከም ዝመርሑን

ኣብ ሎንደን ዝመደብሩ ኣባላት መዘምራን ዘ ግራዱዋልያ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ ብዝብል መዝሙር ንቕዱስነቶም ኣቀባብላ ከም ዝገበሩሎም ኣፍሊጡ።

መልእኽቲ ማርያም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ኣብ ዝመርሕዎ ጸሎተ ዘሰርክ ንበዓለ ቅድስተ ማርያም ዘሮዛርያም ኣብዝ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ብዛዕባ ግደ ድንግል ማርያም ኣብዚ እንነብሮ ዘሎና ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ከም ዘስተንተኑን፣ "ብፍሉይ መንገዲ ማርያም እግዚኣብሄር መብጽዓታቱ ከም ዝፍጽም ብዝነበራ እምነት [ተስፋ] ኣብ ማሕጸና ኣሕዲራቶ . . . እዚ ተስፋ እዚ ብግዲኡ፡ ምእንቲ ወንጌል ክብል ህይወታ ብፍቓዳ ከተውፍዮን ምሉእ ብምሉእ ንፍቓድ ኣምላኽ እነኹልካ ቢላ ከተቕርቦን ሓይልን ትብዓትን ሂብዋ . . . ኣብ ማህጸና ቅድሚ ምፍጻሙ መጀመርያ “ኣብ ልቢ ማርያም” ከም ዝተፈጸመ ድማ ኣዘኻኺሮም። እግዚኣብሔር ፈጺሙ ኣይድንጉይን እዩ፣ እንታይ ደኣ ሰባት ትዕግስትን ምትእምማንን ክመሃሩ እዮም ዝተጸውዑ፣ ናይ ኣምላኽ ግዜ ኩሉ ግዚ ፍጹም እዩ!” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ልብና ምኽፋት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ካብ ሓጢኣት ሓራ ከም ዘውጽኦም ጥራይ ዘይኮነስ ልቢ ይኸፍት ኩላትና ደቂ ኣማልኽ ክንከውን መታን - ንዓና - ከም ማርያም - ንጸዋዕታኡ “ኣነኹልካ ከም ፍቓድካ” ክንብል ከም ዘኽእለና ኣስሚሮም፣ ኣተሓሒዞም ንቅዱስ ኣውጉስጢኖስ ብምጥቃስ “እግዚኣብሔር ብዘይ ብኣና ፈጢሩና ይኹን እምበር  ብዘይ ብኣና ድማ ኣየድሕነናን እዩቢሎም - ብተኣማንነትን ምትእምማንን ሞሳን ኣብ መደብ ድሕነት እግዚኣብሔር ንጡፍ ተራ ክህልወና ተማሕጺኖም፣ ምእመናን ምስ ማርያም ሓቢሮም ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ትዕብዮ ዝብል ጸሎት ክጽልዩ ኣዲሞም፣ “ከምዚ ብምግባራ” “ማርያም እታ ሓቀይና ጓል ጽዮን፡ ነቲ ዝተዋህባ ጸጋታት ስለ ዝረኣየት፡ ከመይ ጌራ ብኣምላኽ መድሓኒኣ ከም ዝተሓጐሰትን ኣምላኽ ንኣብርሃምን ዘርኡን ወትሩ እሙን ከም ዝነበረን ነስተንትን” እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ 'ኣምላኽ ብዘይ ብኣና ኣየድሕናን እዩ'
07 Oct 2025, 17:48