ቃል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንጉጅለታት ሲኖዶስን ተሳተፍትን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኣስታት ክልተ ሽሕ ኣባላት ሲኖዳውነት ጕጅለታትን ተሳተፍቲ ኣካላትን (ባይቶታት ካህናትን፡ ጉስነትን ቍጠናውን ጉዳያትን፡ ካልኦትን) ሃገር ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዕለት 24 ጥቅምቲ ተቐቢሎም፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ሰነድ ናይ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዝተቐልቀለ ናይ ኣፈጻጽማ ምዕራፍ ምስረቓ ኣብ ርኡይ እዋን ኣብ ዘለሉ ህሞት ዝተካየደ ርክብ ኮይኑ፡ ኢዮቤል ናይ መጀመርታ ሓባራዊ ህሞት ናይቲ ናይ መወዳእታ ሰነድ ናብ ምስ ሲኖዳዊ ባህሪ ቤተ ክርስቲያን ዝሰማማዕ ጉስነታውን መዋቕራውን ምርጫታት ንምትርጓም ዝዓለመ ናይ መጀመርታ ሓባራዊ ህሞት ናይቲ ምዕራፍ ምትግባር እውን ኰይኑ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ እቶም እቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ልዮን ዝተኻየደ ርክብ፡ ናይዞም ጉጅለታትን ክቡር ኣገልግሎት ኣፍልጦ ዝህብ ኮይኑ። እዚ ኩሉ ኣብ ውሽጢ ኵላዊ ተስፋ ኢዮቤል ዝያዳ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ንምህናጽ ዝዓለመ እዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከም ጳጳስ ኣብ ቺክላዮ ፔሩ ድሕሪኡ ድማ ከም ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ኣብቲ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመኸረ ሲኖዶስ ተሳታፊ ከም ዝነበሩን ብመሰረት ኣህጉር ተጠርኒፎም ውክልና ተሳተፍቲ ብትኹረት ዝሰምዑ እውን ኮይኖም፡ ቅድሚ ምሕራዮም ንመንፈስ ቅዱስን ንሓድሕዶምን ብምስማዕ መስርሕ መንፈሳዊ መመያንን ውሳነን ብምቕጻል፡ ብመንጽር ኢዮቤል ዝያዳ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምድንፋዕ ዝሰርሕዎ ስራሕ ብምርኣይ ተኸታታሊ ዘተ ኣካይዶም። መስርሕ ሲኖዶስ ብስሩዕ ምትእኽኻባትን ዘተን ሓድሕዳዊ ምምኽኻርን "ብሓባር ምጉዓዝ" ዘተኮረ ኮይኑ፡ ንጉስነታዊ ውሳኔታት ንምልላይን ንማሕበረሰባት ቤተክርስትያን ዘጋጥሞም ጉዳያት ንከባብያዊ ኩነታት ብግቡእ ዝምልስ መንገዲ ንምፍታሕን እዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ካብ ቤተ ክርስቲያን ክውንነት ኣህጉራት ዓለም ብዛዕባ መስርሕ ሲኖዶስ ዝምልከት መግለጺታት ሰሚዖም። ንኣፍሪቃ ብዝምልከት ተልእኾ ንሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ከመይ መፍትሕ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም - ንክርስቶስ እትምስክርን ኣብ ልዕሊ ባህልታትን ሃይማኖታትን ድልድል እትሃንጽን ሰማዒት ልኡካዊት ቤተ ክርስቲያን ክትከውን። ኣብ ኣፍሪቃ ንህያባት መንእሰያትን ስድራ ቤትን ህይወትን ብምንኣድ፡ ቤተ ክርስቲያን ብዙሕነት ሓቚፋ ሰላምን ሓድነትን ሓልዮት ፍጥረትን ከተዕቢ ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብኡ ነፍሲ ወከፍ ከባብያዊ ክውንነት ክርዳእ፡ ክኽበር ከም ዘለዎን፡ ከምኡ’ውን ቤተ ክርስቲያን ምዃንን ሓንደ ቀጥዒ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ግዲ ዘይብል ብዙሕ መገድታት ከም ዘሎን ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ዞባ ኦቻይና ዝምልከት ጸብጻብ ምስ ሰምዑ፡ ቤተ ክርስቲያን ብመንፈስ ሲኖዶስ ኣቢላ ኣብ ሓድነት ክትዓቢ ተስፋኦም ገሊጾም። ከም ለውጢ ኩነታት ኣየርን ድኽነትን ዘይፍትሓውነትን ዝኣመሰሉ ዓለማዊ ጉዳያት ንምፍታሕ ጭቡጥ ስጉምቲ ህጹጽ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ቤተ ክርስቲያን ብትብዓት ድምጻ ኣስሚዓ ነቲ ኣብ ስቡሕ ኣንተ - Laudato Sì’ ዝተገልጸ ጻውዒት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንፍጥረትን ሰብኣውነትን ብንጥፈት እትሓልይ ክትከውን ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ንኣሜሪካ ብዝምልከት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መንጎ ሃገራትን ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰባትን ዘሎ ምፍልላይን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ሲኖዳውነትን ምስማዕን ዘተን ከምዘድሊ ኣፍልጦ ሂቦም። ቀጻሊ ሕንጸት ውሉደ ካህናትን ጳጳሳትን ዓለማውያን ምእመናን፡ ናይዚ መስርሕ መፍትሕ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ስኒትን ሓድነትን ንኽቕጽልን ክጸንዕን ዝገብር ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንማእከላይ ምብራቕ ብዝምልከት ድማ ቅዱስነቶም እቲ ዞባ ክሳብ ክንደይ ተስፋ ከም ዘድልዮ ኣስተብሂሎም፣ ንእምነትን ትብዓትን ጽንዓትን ናይቶም ኣብ ዓዶም ዝተረፉን ኣብ ስደት ዝርከቡን ክርስትያን ማእከላይ ምብራቕ ከም ሓቀይና ምልክት ህላወ መንፈስ ቅዱስ እንክብሉ ንኢዶም፡ ብተወሳኺ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ እስያ ዘለዋ ዓሚቝ ሞሳን ኣድናቖትን ገሊጾም፡ ኣብ ሞንጎ ቋንቋዊ፡ ባህላውን ቁጠባውን ብድሆታት ኣብ ህያው ሲኖዳውነት ዘርኣየቶ ጽንዓት፡ ከምኡ’ውን ብዓቢኡ ኣብ ዘይክርስትያናዊ ኵነታት እትነብሮ ናይ እምነት ምስክርነት ኣፍልጦ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
