ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መርከብ መንእሰያት ውቁብ ተስፋ ምብጻሕ ኣካይዶም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 17 ጥቅምቲ ድሕሪ ቀትሪ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ካብ ሮማ ንደቡባዊ ምብራቕ ኣስታት 25 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣብ እትርከብ ከተማ ኦስቲያ ተጓዒዞም ነቶም 25 እተፈላለየ ዜግነትን ሃይማኖታትን ዘለዎም መንእሰያት ሒዛ ንኣዋርሕ ኣብ ወደባት መዲተራነያን ክትጓዓዝ ዝወረሐት Med 25 Bel Espoir - ኤዲትራኒያን 25 ውቁብ ተስፋ” ዝብል መጸውዕ እተወሃባ መርከብ ምብጻሕ ከም ዘካየዱን፡
ኣብቲ መደብ እውን ኣብ ፈረንሳ ናይታ መርሓ ግብሪ ህንጸት ሰላም ናይ ዝተበገሰላ ከተማ ማርሰል ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ዣን-ማርክ ኣቨሊን ከም ዝሓበሩን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ መንእሰያት ከም ዘዘራረቡን፡ ኣብ መንጎ ጽልእን ዓመጽን ምክፍፋልን "ምልክት ተስፋ" ክኾኑ ድማ ኣተባቢዖም፡ “ኣብታ ናብ ዓመጽን ውልትውናን እትሰጋገር ዘላ ዓለም ሃነጽትን ኣተባባዕትን ሰላም ምዃን ክመሃሩ” ድማ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
Med 25 Bel Espoir - ኤዲትራኒያን 25 ውቁብ ተስፋ”
ውቁብ ተስፋ - ኣብ 1940ታት ናይ ዝነበረት ፈረንሳዊት መርከብ - መልእኽቲ ሕውነት ንምዝርጋሕ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ካብ ወደብ ናብ ወደብ ማእከላይ ባሕሪ ዝተጓዕዘት ከም ዝነበረትን፡ ወደባዊት ከተማ ኦስቲያ ምስ ቅዱስ ኣጎስጢኖስን ቅድስቲ ሞኒካን (ኣደ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ) ብዕምቆት ዝተኣሳሰረት ከተማ ከም ዝኾነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እውን ከም ወዲ ማሕበር ኣጎስጢኖሳውያን፡ ንኦስቲያ “ ኣብ ታሪኽ ዓለምን ቤተ ክርስቲያንን ኣገዳሲት ወደብ ” ብምባል፡ ነቲ ዘካየድዎ ምብጻሕ ፍሉይነቱ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ምልክታት ተስፋ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም መንእሰያት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ “ኩላትና ደቂ ሰባት ስለ ዝኾንና፡ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት፡ ቋንቋታት፡ ባህልታትን ሃይማኖታትን ዝመጻና እውን እንተኾንና ክንጥርነፍ ንኽእል ኢና - ቢሎም - እቶም መንእሰያት ከቲሞም ዝለገሱሎም ናይታ መርከብ ስእልን ዝፈጸመቶ ጉዕዞን ዘርኢ መጻሓፍ ኣመስጊኖም “ንማእከላይ ባሕርን ንዓለምን ምልክት ተስፋ ኢኻትኩም” እንክብሉ ከም ዘመስገንዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሰለስተ መምርሒ ቃላት
ቅዱስነቶም ዘተ፡ ድልድላትን ሰላምን ዝብል ናይቶም መንእሰያት ጉዕዞ መርሕ ቃል መሰረት ገይሮም፡ "ንሓድሕድኩም ክትሰምዑን ክትከባበሩን ንጸገማት ብሓባር ክትስዕሩን ተማሃሩ። ንማእከላይ ባሕሪ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ኩሎም ህዝብታት ምርኻብ ዘጽንዑ ድልድላት ሕነጹ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ከምዚ ዝበለት ንእሽቶ መርከብ ብሓባር ከም ዝነብሩ ርግጸይና እየ . . . ንሓድሕድካ ምክብባርን ጸገማት ምብዳህን ክትመሃሩ ኣለኩም፡ እዚ ንኹላትኩም መንእሰያት ዓቢ ተመክሮ እዩ - ግን ንኹላትና ክትምህሩና እትኽእሉ ነገር'ውን እዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ “ኣብ መወዳእታ እታ ሳልሰይቲ ቃል፡ ኣዝያ ኣገዳሲት ድማ - ገለ ካባኻትኩም ፍልስጤማውያ ምዃኖም እውን ገሊጽኩምለይ ኢኹም፡ ተመክሮኹም ንህንጸት ሰላም ቤት ትምህርቲ እዩ። ኩላትና ደቂ ሓደ ኣምላኽ ኢና። ኩላትና ኣብዛ ዓለም ብሓባር ንነብር፡ ሓባራዊ ሓላፍነት ድማ ንካፈል፡ እሲ ድማ ንፍጥረት ምሕላይ፡ ንሓድሕድካ ምሕላይ፡ ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ምድንፋዕ ዝብል ሓላፍነት እዩ” ከም ዝበሉ የመላኽት።
ቃል ምስጋና
"ነዚ ንዅላትና ብሓቂ ተስፋ ዚህበና ትእምርቲ ንዓለም ኣበርክቶ ስለ ዝገበርኩም አመስግነኩም። "ወለዶኹምን መሳቱኹምን ካልኦት ብዙሓት መንእሰያትን ነዚ ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ዚሃንጽ ተበግሶ ከስፋሑ ዝድርኽ ይኹኑ። ብሓቂ አመስግነኩም፡ ምስ በሉ ብሓባር ምስቶም መንእሰያት ስእሊ ተሳኢሎምን ሰላም ዘርእስቱ መዝሙር ምስ ተሰምዐ ካብታ መርከብ ምስ ወረዱ እታ መርከብ መልሕቓ ኣልዒና ድማ ናይ ሓድነትንተስፋን መልኽቲ ሰኒቓ ናብ ወደብ ኮርሲካ ክም እተጓዕዘን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
