ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ኣብዚ ናይ ርክብ ዘመን 'ኣይፈለጥኩን' ክብል ዝኽእል ሰብ የለን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 9 ጥቅምቲ ኣብ ቅድመ ግንባር ግጭትን ከቢድ ሰብኣዊ መዓትን ንዝሰርሑ ጋዜጠይናታት ዘለዎም ክብሪ ገሊጾም፣ “ሎሚ ኣብ ቓዛ፡ ዩክሬንን ኣብ ኩሉ ብቦምባታት ዝደመየ መሬት እንታይ ይፍጸም ከምዘሎ ምፍላጥና ሳላኹም እዩ . . . ከም "መደምደምታ ናይቲ ሓበሬታ ምስ ሓቅን ሰብኣዊ ክብረትን ዝጻረር ዕላማታት ንኸይሰዓቡ ዝጽዕሩ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት መዓልታዊ ዝገብርዎ ጻዕርታት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብ ምዃን ዝነቐለ ብምዃኑ ቀሊል ኣይኮነን፣ ኣብዛ ዓመጻ ግጭትን ግጉይ ሓበሬታን ዝመልኣ ዓለም ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓን ዓለም ሓበሬታ ክንረክብ ኣብ ምርግጋጽ ዝለዓለ መዐቀኒታት ኵለንተናውነትን ሓቅን ብምሕላው ዝኸፍልዎ መስዋቲ ክኽበር ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ጋዜጠይናነት ገበን ኣይኮነን
ነዚ ብምንጽጻር፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ዝተኣሰሩ ኣደዳ ኣሳዶን ዝኾኑ ጋዜጠይናታት ክፍትሑ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ዘቕረብዎ ጻውዒት አሐዲሶም፣ "ጋዜጠይናነት ፈጺሙ ከም ገበን ክቑጸር የብሉን - እንክብሉ ብኣጽንዖት ገሊጾም ክሕሎ ዘለዎ መሰል'ዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ብስም ፖለቲካዊ ወይ ስነ - ህልዮኣዊ ረብሓታት ሓበሬታ ንምዕፋን ወይ ንምትላል ካብ ዝግበር ፈተነታት ኣጠንቂቖም ጋዜጠይናታትን ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሃንን ዋላ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ፡ ንጸዋዕታኦም ኣጽኒዖም ክሕዙ ተላብዮም፣ "ኣገልግሎትኩም ብቕዓት፡ ትብዓትን ትርጒም ስነ - ምግባርን ይሓትት" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ሓበሬታ ህዝባዊ ረብሓ እዩ
ዓለማዊ ፍጻመታት "ፍሉይ ምስትውዓልን ሓላፍነትን" ኣብ ዝጠልበሉ እዋን'ዩ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ ተራ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ምፍጣር ሕልናን ምድጋፍ ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባን ካብዚ ንላዕሊ ኣገዳሲ ኮይኑ ኣብ ዘይፍለጠሉን.. ወይ ድማ ካብዚ ንላዕሊ ኣብ ሓደጋ ዝወደቐሉ እዋን ቅዱስነቶም ዘስምዕዎ መደረ፣ "ኣብ ዘመነ ርክብ፡ ትካላት ሓበሬታን መራኸቢ ብዙሓንን ኣብ ቅልውላው ክህልው" ብሓቂ ስግንጢር እዩ፣ ብዙሕ ግዜ ኣብ መንጎ ሓቅን ሓሶትን ዘሎ መስመር እናደብዘዘ ስለዝኸይድ ተዓዘብቲ’ውን ኣብ ቅልውላው ይርከቡ ከም ዘለዉ ድማ ገሊጾም፣ ሕጂ እውን እንተኾነ፡ ኣብዛ ብሓበሬታ ዝተመልአት ዓለም፡ "ሎሚ 'ኣይፈለጥኩን' ክብል ዝኽእል ሰብ ክህሉ ኣይክእልን . . . ሓበሬታ፡ ብሓላፍነታዊ ጸብጻብን ምትሕብባር ዜጋታትን ጋዜጠይናታትን ክሕሎ ዘለዎ "ሓባራዊ ረብሓ" ምዃኑ ኣስሚሮም፣ "ክቡር ዓንኬል" ዝፍጠር፡ ህዝቢ ንዕቱብን ናጻን ጋዜጠይናነት ብንጥፈት ምስ ዝድግፍ - ንጥዕና ዜግነታዊ ህይወት ኣበርክቶ ምስ ዝገብር እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝምልከት ስነ - ምግባር
ር.ሊ.ጳ. ትካላት መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ቅድመ ግንባር ከምዘለዋ ኣመልኪቶም ንቁጠባዊ ዘላቕነት ምስ ተወፋይነት ቅኑዕን ሚዛናውን ጸብጻብ ዝህብ መንገዲ ክረኽባ ከምዘለወን ብምምልካት፣ ኣስዒቦም፣ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ሓድሽ ምትሕልላኻት ክውስኽ ዝም ዝኽእል ኣጠንቂቖም፡ "ስልተ ቐመር ውሑስ ምኽንያታት (ኣልጎሪዝም) መን ይቆጻጸሮም፡ መን ይመርሖም፡ እንታይ እዩ እቲ ዕላማ?" ቅጽበታዊ ስርዓታት ሓበሬታ ብኸመይ ከም ዝበጽሕ ኣብ ዝቐርጹሉ ዘሎ እዋን፡ ማእከልነት ሰብ ውሑስ ናይ ምግባር ንቕሓት ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም - ሓይሊ ስነ ኣሃዛዊ መሳርሒታት ድማ ኣብ ኢድ ውሑዳት ከይወድቕ” ከም ዘጠንቀቑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ኣብ ድህረ - ሓቂ ኣብ እትርከብ ዓለም ንሓቂ ምክልኻል
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ብሃና ኣረንድት ዝተጻሕፈት The Origins of Totalitarianism - ኣናስር ምልካውነት ዘርእስታ መጽሓፍ ብምጥቃስ፣ እቲ ፍጹም ናይ ምልካዊ ስርዓት በዓል ቤት ንስነ-ሓሳብ እተወፈየ ሰብ ዘይኮነስ ኣብ ክንዳኡስ "ኣብ መንጎ ሓቅን ልቢ ወለድን ከምኡውን ኣብ መንጎ ሓቅን ሓሶትን ዘሎ ፍልልይ ዘይገብር" ሰብ እዩ፣ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዓለም ጋዜጠይናታት ዓቢ ተራ ከምዘለዎም ኣስሚሮም "ብትዕግስትን ጽኑዕን ስራሕኩም ኣቢልኩም ኣቶም ብጥንታዊ ናይ ስነ - ጥበብ ሓሶት ኣቢሎም ብምግምማዕ ክገዝኡ ምፍልላይ ክፈጥሩ ዝደልዩ ከም መሰናኽል ክትሰርሑ ትኽእሉ ኢኹም - ጋዜጠይናታት፡ ኣንጻር ሓደጋታት ድሕረ ሓቅን ኣገባብ ተቐራረብ ከም "ዕርዲ ስልጣነ" ኮይኖም ከገልግሉ ኣለዎም”
ምስ በሉ ንኩሎም ኣብ ጽላት መራኸቢታት ዝነጥፉ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዕላማውነትን ኣገዳሲ ምዃኑ፤ ከምኡ'ውን "ዓለም ነጻ፡ ጽኑዕን ዕላማ ዘለዎን ሓበሬታ ከምዘድልያ" ብምዝኽካር መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
