2025.10.30 S.E. il Signor Ratu Naiqama Tawake Lalabalavu, Presidente delle Fiji 2025.10.30 S.E. il Signor Ratu Naiqama Tawake Lalabalavu, Presidente delle Fiji  (@VATICAN MEDIA)

ር. ሊ. ጳ. ንርእሰ ብሔር ሃገረ ፊጂያን ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም

ርእሰ ብሔር ሃገረ ፊጂያን ክቡር ራቱ ናይቃማ ታዋኮላቲ ላላባላቩ ምስ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮንን ላዕለዎት ዲፕሎማሲያዊ ሰበስልጣን ሃገረ ቫቲካንን ተራኺቦም፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣከባብያዊ ዕቝበን ኣንጻር ሰገርሃገራዊ ገበናት ምቅላስን ዘተኰረ ዘተ ኣካይዶም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ትማሊ ንግሆ ሓሙስ ዕለት 30 ጥቅምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንርእሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ሃገረ ፊጂያን ራቱ ናይካማ ታዋኮላቲ ላላባላቩ ኣብ ሓዋርያው ህንጻ ቅድስቲ መንበር ተቐቢሎም።

ርእሰ ብሔር ላላባላቩ ኣስዒቡ ምስ ብፁእ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበርን ምስ ሚስተር ዳንኤል ፓቾ ምክትል ዋና ጸሓፊ ናይ ብዝሓ ጐናዊ  ርክባት ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ቅድስቲ መንበር ተራኺቡ።

ዘተ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጽሓፊ ቅድስቲ መንበር

ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልክቶ "ኣብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሕፊ ቅድስቲ መንበር እተገብረ ሕድሕዳዊ ዘተር፣ ክልቲኦም ወገናት በቲ ዘሎ ስሙር ርክባት እዘ ክልተ ሃገራት ዕግበት ከም ዘለዎምን፣ ከምኡ ውን ነቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብታ ሃገር ዘለዋ ግደ ዘለዎም ሞሳ ገሊጾም" ይብል።

እቲ መግለጺ ኣስዒቡ፣ "እቲ ምይይጥ ንገለ መዳያት ማሕበራውን ፖለቲካውን ኵነታት እታ ሃገር እንተላይ ብዛዕባ ሥነ ኣከባብያዊ ዕቝባን ምስ ስግርሃገራዊ ገበናት ምቅላስን እውን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ተዛትዮም" ይብል።

ርእሰ ብሔር ላላባላቩ ምስ ካርዲናል ፓሮሊን
ርእሰ ብሔር ላላባላቩ ምስ ካርዲናል ፓሮሊን   (@Vatican Media)
31 Oct 2025, 14:35