ድለ

2025.10.31 Partecipanti al Giubileo del Mondo Educativo 2025.10.31 Partecipanti al Giubileo del Mondo Educativo  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ቤተ ክርስቲያን ኣደን መምህርን ኢያ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ንንግደት ኢዮቤል ካብ ዝተፈላለዮ ክፍልታት ዓለም ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርትን መናብርተ ጥበባትን ዝመጹ መምህራንን ሊቃውንትን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ለጊሶም፣ ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን ቤተክርስቲያን ኣደን መምህርን ምዃና ብምጥቃስ ብዛዕባ መሰረታዊ ኣምራት ሥነ ትምህርቲ ኣብዚ ዘመና ኣስፊሖም ገሊጾም።

ኣባ ተወልደ መብራቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብምኽንያት እቲ ብዕለት 31 ጥቅምቲ 2025 ዝተኻየደ ኢዮቤል ናይ ትምህርታዊ ዓለም፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ካብ ኵለን ኣህጉራት ንዝመጹ መምህራንን ሊቃውንትን ቃለ ምዕዳን ለጊሶም። እዚ ኣብ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዝተኻየደ ኣገዳሲ ፍጻመ፣ ነቲ ትምህርቲ ንደቂ ሰባት ብሩህን ሓድነት ዘለዎን መጻኢ ኣብ ምህናጽ ዘለዎ ወሳኒ ግደ ከም ዘዘኻኽር ውን ኣመልኪቶም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ካብ መባእታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ክሳብ መናብርተ ጥበባት ዝመጹ መምህራትን ብምቕባል፣ ነቲ መምህራን ኣብ ሞያኦም ዘምጽእዎ ዘይነቓነቕ ቈራጽነትን እተፈላለየ ሜላታትን ኣደነቑ። ቤተ-ክርስትያን ከም "ኣደን መምህርን" መጠን ኣብ ተወፋይነትን ፈጠራን እቶም ንኣእምሮን ልብን መጻኢ ወለዶታት ዝቐርጹ ዘለዉ ሰባት ከም እትግደስ ኣጕልሕ። ናይ ካቶሊካውያን መምህራን ብዝሓ ጐናዊ ብዝኾነ ባህርያትን ትምህርትን ተመክሮታትን ብምጥቃስ፣ ንብሚልዮናት ንዚቝጸሩ መንእሰያት ኣብ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ወንጌል እተመስረተ ሰፊሕ፣ ኣእምሮኣውን ስነ-ምግባራውን ስልጠና ከም ዝሕቡ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኢዮቤል ትምህርታዊ ዓለም ምስ መምህራንን ሊቃውትን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኢዮቤል ትምህርታዊ ዓለም ምስ መምህራንን ሊቃውትን   (@Vatican Media)

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፣ ካብቲ ኣብ ማሕበር ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ከም መምህር ኰይኖም ዘገልገሉሉ ድሕረ ባይታ ብምጥቃስ ድማ፣ ነቲ ዘቅረቡሎም ኣብ ኣርባዕተ መሰረታዊ ስርዓታት ክርስትያናዊ ትምህርቲ እተመርኮሰ ቃለ ምዕዳን፣ ማለት ውሽጣዊ ሓድነት፡ ፍቕሪ፡ ከምኡውን ብሓጐስ ዝቖመ ምዃኑ ገለጹ። እዚ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍ ትምህርታዊ ጻዕርታት መልህቕ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣመልከቱሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ፈለማ ኣብ ውሳጣዊ ነገራት ብምትኳር፣ ነቲ ሓቀይና ሥርዓተ ትምህርቲ ብምጥቃስ፣ ናይ ወጻኢ ትምህርቲ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ተመሃራይ ዘሎ ውሽጣዊ መምህር ምንቕቓሕ ምዃኑ ብምግላጽ፣ ኣብ ውሳታዊ ኩነታት ከተኵሩ ተላበውዎም። ክፍልታት መጻሕፍትን ተክኖሎጅን ጠቓሚ እኳ እንተ ዀኑ፣ መሳርሒታት ጥራይ ምዃኖም ውን ኣጕልሑ። ሓቀኛ ትምህርቲ ንገዛእ ርእስኻ ምርካብን፣ ግላዊ ዕቤት ዜተባብዕ፣ ብዓሚቝ ርክባትን ተሳትፎን ዝጸም እዩ ክብሉ ውን ኣስመሩሉ። ቅዱስነቶም ብምውሳኽ ንመምህራንን ንተመሃሮን ንገዛእ ርእሶምን ካብቲ ላዕሊ ጥራይ ዝኾነ፣ ኣቓልቦኦም ዚሰርቕ ነገራት ሓሊፎም፣ ምስ ልቦናኦምን ሕልናኦምን ዓሚቝ ርክብ ኪገብሩ ክሕግዝዎም ተማሕጸኑ። ነቲ ቅዱስ ጆን ሄንሪ ኒውማን "ልቢ ንልቢ ይዛረብ" ንዝበሎ ሓረግ ብምጥቃስ፣ ጥበብ ኣብቲ ኣብ መንጎ መምህራንን ተመሃሮን ዝግበር ልባዊ ዝርርብ ከም እትግለጽ ኣዘኻኸሩ፣ እዚ ጕዕዞ እዚ ብትሕትናን ብጽንዓትን ብሓባር ዝግበር ጕዕዞ ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኢዮቤል ትምህርታዊ ዓለም ምስ መምህራንን ሊቃውትን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኢዮቤል ትምህርታዊ ዓለም ምስ መምህራንን ሊቃውትን   (@Vatican Media)

እቲ ኻልኣይ ቀድንዲ ሕመረት ድማ ሓድነት ኢዩ! በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "In illo uno unum" “ኣባና ሓደ ምእንቲ ክኾኑ” ሓዚብል ጳጳሳዊ ጭርሖኦም ጐሊሑ እዩ ዚርአ ዝነበረ፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ ሓደ ኣምላኽ ሓደ ኢና ማለት ኢዩ። በዚ ኸምዚ ድማ ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ መምህራን ምትሕብባርን ሓድነትን ከቕርቡሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ነቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ "ነፍስኻ ናትካ ጥራይ ዘይኰነትስ ናይ ኣሕዋትካን ኣሓትካን እያ" ብዝብል ዘቕረቦ ሓሳብ ብምዝካር ኣስተንትኖኦም ቀጸሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዓለምለኻዊ ውዕል ትምህርቲ ሓድሽ ተጸምዶ ከም ዝገበሩ ውን ኣፍሊጦም፣ ኵሎም ኣብ ምህናጽ ናይ ሕብረት መንፈስን ሓባራዊ ዕላማን ዘማዕብሉ ኣብያተ ትምህርትን ትካላትን ክሳተፉ ውን ጻውዒት ኣቕሪቦም። ትምህርቲ ንበይንኻ ዚግበር ጻዕሪ ዘይኰነስ ንሰባት ሓቅን ፍትሕን ሰላምን ንምስዓብ ዜራኽብ ሓባራዊ ጻዕሪ ምዃኑ ኣትሪሮም ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ እቲ ሳልሳይ መሰረታዊ ስርዓት፣ ብዛዕባ ፍቕሪ ክዛረቡ ኸለዉ "ፍቕሪ ኣምላኽ ቀዳመይቲ ትእዛዝ እያ፣ ፍቕሪ ብጻይ ከኣ ቀዳመይቲ ልምዲ እያ" ብምባል፣ ነቲ ዓሚቝ ጥበብ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ጠቒሶም። ንዅሎም መምህራን ኣብ ሥነ ምምህርናዊ ኣገልግሎቶም ፍቕሪ ከዘውትሩን፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣዝዮም ተነቀፍትን እተገለሉን ከምኡውን ኣብ ሕዳጋት ሕብረተሰብ ዝርከቡ ሰባት ድንጋጸን ፍትሕን ክልግልሱሎም ኣተባብዕዎም። ብዘይ ፍቕሪ ዝመሓላለፍ ፍልጠት ናይ ምትብባዕን ናይ ምልዋጥን ክእለቱ ኸም ዜጥፍእ እውን ኣጠንቀቑ። ሓቀይና ሥነ ትምህርቲ ካብ ኣገልግሎትን ዘተን ድልድል ምህናጽን እዩ ዚመጽእ፣ እዚ ዅሉ ድማ ተስፋ ዝዘርእን ኣብ ውሽጢ ትምህርታዊ ማሕበረሰባትን ወጻእን ዕርቂ ዜተባብዕን እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኢዮቤል ትምህርታዊ ዓለም ምስ መምህራንን ሊቃውትን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኢዮቤል ትምህርታዊ ዓለም ምስ መምህራንን ሊቃውትን   (@Vatican Media)

እቲ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ኣትኵሮ ድማ ሓጐስ እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንትምህርቲ ኣብ ህይወት ተመሃሮ ብርሃንን ሓጐስን ከምጽእ፣ ኣብ ግዜ ጸበባ እውን ከይተረፈ ፍሽኽታን ተጻዋርነትን ከነቓቕሕ ዘለዎ ሞያ ምዃኑ ገሊጾም። ብዛዕባ ሓደጋታት ተክኖሎጅያዊ ተነጽሎ፣ ግላዊ ዘይኰነ ብዛዕባ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎ ውን ኣጠንቀቝ፣ ሰብኣዊ ስፍሓት ኣመሃህራ ፈጺሙ ኺትካእ ከም ዘይክእል ውን ኣጕልሑ። መምህራን ፍልጠት ከካፍሉ ጥራይ ዘይኰኑስ ከምቲ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ዝጸሓፎ፣ "ካብ ብዝሓውነት ሓድነት ክሓንጹ ምእንቲ ኽኽእሉ" ንመንፈሳውነት ሰብ ከማዕብሉን፣ ሓድነት ከማዕብሉን ከም እተጸውዑ ኣትሪሩ ተዛራቡ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንዅሎም መምህራን፣ ነቲ ቐንዲ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ውሽጣዊ ሓድነትን ፍቕርን ሓጐስን ኣብ መዓልታዊ ተልእኾኦም ከም መምርሒ መንፈሳዉ ሓይላት ገይሮም ኪቕበልዎ ተማሕጸንዎም። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "ከምቲ ንሓደ ኻብዞም ዝነኣሱ ኣሕዋተይ ዝገበርኩምዎ ንኣይ  ከም ዝገበርኩምዎ ኢዩ" (ማቴ 25 40) ንዝበሎ ቃል ውን ኣዘኻኸርዎ ። ቅዱስ ኣቦና ኣብ መወዳእታ ሓዋርያዊ ቡራኬኦምን ጸሎቶም ብምክፋል፣ ቤተ-ክርስትያን ንዅሎም እቶም ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዝሰርሑ ዘይነቓነቕ ደገፍ ከም ዘለዋ ደጊሞም ኣረጋገጹሎም፣ ደኺመ ዘይብል ዕዮኦም ንመጻኢ ወለዶታት ብዙሕ ፍረ ከፍሪ ተስፋ ከም ዘለዎም ውን ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኢዮቤል ትምህርታዊ ዓለም ምስ መምህራንን ሊቃውትን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኢዮቤል ትምህርታዊ ዓለም ምስ መምህራንን ሊቃውትን   (@VATICAN MEDIA)
31 Oct 2025, 15:17