ድለ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ኣብቲ ገና ዘይራእናዮ ነገር ተስፋ ንገብር

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 25 ጥቅምቲ ቀዳም ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋዲያን ተስፋ ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝለገስዎ ናይ ኢዮቤል ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ኣብነት ናይቲ “ዓቢ ፈላስፋን ኣገልጋሊ ሓድነትን” ዝኾነ ኒቆላዎስ ዘ ኩዛ ብምቕራብ፣ ዋላ’ውን ኩሉ መልሲ ኣብ ዘይብልና እዋን ተስፋ ኣብ ምግባር ክንቅጽል ከም እንኽእል ክንርዳእ ይሕግዘና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝለገስዎ ናይ ኢዮቤል ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ነቶም ነጋድያ፡ “ኣብቲ ናይ ንግደትኩም ሸቶ በጺሕኩም ኢኹም፣ ሕጂ ግን ከም ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ኣብ ሓዳስ ዓለም ምንባር ክንመሃር ኣሎና - ቢሎም - ኢዮቤል ልክዕ በዚ ምኽንያት እዚ ናይ ተስፋ ነጋድያን ገይሩና እዩ: ኩሉ ሎሚ ብብርሃን እቲ ዝተሰቕለ ክረአ ኣለዎ። በዚ ተስፋ እዚ ኢና ድሒንና።” ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ ኢየሱስ ‘ኣጠማምታና ከተኻኽል’ ክንፈቅደሉ ኣሎና፡ ምእንቲ “ብዙሕ ንጽጽርን ምግጫው ብዙሕ ተጻራሪ ነገራትን” ዘጋጥመና ይኹን፡ “ፍቕሪ ከም ዝሰዓረት” ክንመሃር ኢና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

'ተስፋ ማለት ዘይምፍላጥ'ዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብነት ናይ ኒቆላዎስ ዘ ኩዛ ብምጥቃም፡ ኩሉ መልስታት ኣብ ዘይፈለጥናሉ እዋን እውን ተስፋ ህልው ከም ዝኸውን ገሊጾም። ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ክፍለ ዘመን ኣብ ዝነበረ ሽግር ዝመልኦ እዋን፡ ኒቆላዎስ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን፡ ከምኡ’ውን ክርስትና ብግዳማዊ ሓይልታት ኣብ ሓደጋ ዝወደቐሉ ዘመን ተስፋ ሰላም ክርኢ ከም ዝኽኣለ ገሊጾም፡ ይኹን እምበር ኒቆላዎስ ኣብ ደቅሰብ ዝነበሮ እምነት ብምዕቃብ ኣብ ተስፋ ብምቕጻል፡ "ብሓባር ክተሓዙ ዘለዎም ተጻርሮታት እውን እንተሎ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ኣምላኽ ኣብ ውጥረት ዘሎ ሓድነት ዝረኽበሉ ምስጢር" ምዃኑ ተረድኦ። “ከም ዘይፈልጥ ይፈልጥ ነይሩ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ንክውንነት ብዝያዳ ኣዕሚቑ ክርድኦ ጀመረ፡ እዚ ንቤተ ክርስቲያን ከመይ ዝበለ ዓቢ ህያብ እዩ! ናብ ምሕዳስ ልቢ ዝድርኽ ጻውዒት!” እንክብሉ ኣብሪሆም፡ ካብ ኒቆላዎስ ቤተ ክርስቲያን ቦታ ምፍጣር፡ ተጻረርቲ ብሓንሳብ ምሓዝ፡ ነቲ ገና ዘይተራእየ ተስፋ ምግባር ክትመሃር ትኽእል እያ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ተስፋ ጉዕዞ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቀጺሎም ነቶም ትምህርትታት ምስ ቤተ ክርስቲያን ብምትሕሓዝ፣ ብዙሕ ሕቶታትን ሕቶታትን ናይ መንእሰያትን ድኻታትን ደቂ ኣንስትዮን ካብቶም ዝበዝሑ ስለዝፍለዩ ስቕ ክብሉን ወይ ዝተወገዙን ከም ዝነበሩ ገሊጾም፡ “እንታይ ዓይነት ብሩኽ ግዜ እዩ! ብዙሕ ሕቶታት ዝቀርበሉ ግዜ!” ምስ በሉ፡ ወሲኾም “ቤተክርስቲያን ምስ ሰብኣውነት ክትመላለስን ድምጺ ሕቶታታ ኣብ ልባ ክትሕዝ እንኮላ፡ ክኢላ ሰብኣውነት ትኸውን! ንነፍሲ ወከፍ ሕቶ መልሲ ከምዘይብልና ብምግንዛብ "ተስፋ ምግባር ኵሉ ነገር ምፍላጥ ማለት ኣይኮነን . . . ንሕና ግን ኢየሱስ ኣለና። ንኢየሱስ ንስዕብ። ስለዚ ድማ ነቲ ገና ዘይረኣናዮ ተስፋ ንገብር" እንክብሉ ገሊጾም፡ “ከም ዳህሰስቲ ተንሲና ናብታ ሓዳስ ዓለም ንኺድ፡ እቲ ጉዕዞ፡ ንቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኹሉ ሰብኣውነት - “ናይ ተስፋ ጉዕዞ እዩ” እንክብሉ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዮቤል ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

27 Oct 2025, 15:31