ድለ

2025.10.15 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ግደን ስልጣንን ሓጐስ ኣይህብን፡ ክርስቶስ ጥራይ እዩ መልሲ ትምኒት ልቢ! 2025.10.15 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ግደን ስልጣንን ሓጐስ ኣይህብን፡ ክርስቶስ ጥራይ እዩ መልሲ ትምኒት ልቢ!  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ግደን ስልጣንን ሓጐስ ኣይህብን፡ ክርስቶስ ጥራይ እዩ መልሲ ትምኒት ልቢ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ዕለት 15 ጥቅምቲ ኣብ ዝለገስስዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኢየሱስ፣ ዘለናሉ ኵነታት ብዘየገድስ ዝድግፈና ምዃኑ እንከስተንትኑ፣ እዚ ሓቂ እዚ ንዓቐብን ቁልቁልን ህይወት ኣብ እንገጥመሉ እዋን ከጸናንዓና ይግባእ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

“ምስ ኢየሱስ ምጉዓዝ ማለት ነገራትን ኩነታትን ብዘየገድስ ጸኒዕካ ምጉዓዝ ማለት እዩ፣ ቀጻልነት ምርካብ ማለት - ጽምእና ክጠፍእን ኣብ መንጎ እቲ ንመገዲ ከም ከበድቲ ኣእማን ህይወትና ክዕንቅጽ ወይ ካብ ኣንፈትና ከስግለና ዝክእል ዘስግእ ጸገማትን ቃልስን ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን መገድታትና ምሕዳስ ማለት እዩ” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣተሓሳሲቦም፣ ‘ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋና’ ዝብል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ረቡዕ ዘቕርብዎ ዘለዉ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል፣ ብዛዕባ ክውንነት ተመክሮ ደቂ ሰባት እናኣስተንተኑ፣ ነቲ ብዙሕ ግዜ ዝጋጮ ስምዒታትን ድሩትነትን ሕይወትና ዝሕብር ሰብኣዊ ተመክሮ ኣፍልጦ ብምሃብ፣ "ሓድሓደ ግዜ፡ ሓጎስ ይስምዓና፤ ኣብ ካልእ እዋን ድማ ጓሂ ይስምዓና። ዕግበት ወይ ውጥረት፡ ርውየት ወይ ድርኺት ምጉዳል ክስምዓና ይኽእል እዩ። ኣብ ውጽኢት ኣተኲርና፡ ትሑዝ ህይወት ንነብር፡ ኣብ ካልእ እዋን ከኣ ፈጺምና ዘይሕሰብ ኣሳልጦ ወይ ተፈላጥነት ንጽበ፣ "ብሓጺሩ ሕጉሳት ክንከውን ሃረር ንብል እኳ እንተ ዀንና ነባሪ ሓጐስ ግን ብዙሕ ግዜ የምልጠና እዩ፣ ኣብ ሓደ ስጊንጥር ኩነት ኢና ንርከብ።

ምስ ድሩትነትና ምቅላስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እዚ ወጥሪ እዚ ንኽልቲኡ ድሩትነትናን ንኽንሰግሮ ዘለና ዓሚቝ ድሌትን ከም ዝገልጽ ኣስተብሂሎም። "እቲ ዝጎደለና ክንሰማማዓሉ እንኽእል፡ ንዕኡ ንምስዓር ዘይዕጋበት ድሌት ከም ዘሎና እናስተውዓልና። ኣብ ውሽጥና ኩሉ ግዜ ገለ ነገር ከም ዝጎደለ ይስምዓና።" ኰይኑ ግና፡ እዚ ናፍቖት እዚ ብኣጋጣሚ ኣይኰነን፡ “ንምልኣት እምበር፡ ብህይወት ክንሕጐስ ህይወት ከኣ ብምልኣት እምበር ንጕድለት ኣይኰንናን ተፈጢርና። እዚ ኣብ ልብና ዘሎ ዓሚቝ ድሌት፡ ብተራ፡ ብሓይሊ፡ ወይ ብሃብቲ ክዓግብ ኣይክእልን እዩ። ነዚ መሰረታዊ ድርኺት ሰብኣውነትና ዝድግፍ ሓደ ሰብ ምህላዉ ኣብ ዘሎና ርግጸይናነት ጥራይ እዩ ክፍጸም ዝኽእል - እቲ ዝዓሞቐ ተስፋና ዘየሕፍር ምዃኑ ካብ ዝህልወና ርግጸይናነት ጥራይ እዩ።”

እቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ርግጸይናነትናን ተስፋናን እዩ

እቲ መረጋገጺ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝርከብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣረጋጊጾም፣ "እዚ ርግጸይናነት'ዚ፡ ተስፋ እንብሎ'ዩ። ትስፉውነት ማለት ኣይኮነን፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ትሕቲ ክብደት ምስ ዝህሉ ዝጠፍእ ስምዒት ኣይኮነን፣ ተስፋ ግን፡ ክርስትያናዊ ተስፋ፡ ቃል ይኣቱን ይፍጽምን" እንክብሉ የጒልሑ፣።

"ኣሓትን ኣሕዋትን ትንሳኤ ኢየሱስ ናይዚ ምድሓን እዚ ዋሕስ እዩ! ንሱ እቲ ጽምእና ዘዕግብ ፈልፋሊ ማይ እዩ - እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና ዝተቐመጠ ደረት ኣልቦ ጽምኢ ምልኣት እዩ።"

ትንሳኤ ክርስቶስ ታሪኻዊ ፍጻመ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ሕመረት ግዜ ዘሎ ለውጢ ዘምጽእ ምስጢር ምዃኑ ድማ ኣስሚሮም፣ "እቲ ዝተንስአ ህያው ፈልፋሊ ማይ እዩ - ኣይነቅጽን ኣይልወጥን። ኩሉ ግዜ ንጹህ እዩ፡ ኩሉ ግዜ ህልው፡ ንዝጸምኡ ኩሉ ግዜ ድሉው እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ጣዕሚ ዘለኣለማዊ ሰላም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እቲ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ኣብቲ ኑዛዜ ዘርእስቱ መንፈሳዊ መጻሓፍ ብዛዕባ እቲ ብመለኮታዊ ጽባቐ እተለዓዓለ ዓሚቝ መንፈሳዊ ባህጊ እተዛረቦ ጠቒሶም፣ “ኢየሱስ ኣብ ትንሳኤኡ ንነባሪ ምንጪ ሕይወት ውሕስነት ሂቡ እዩ። ንሱ እቲ ህያው እዩ (ራእ 1፡18)፡ ኣፍቃሪ ሕይወት፡ ሰዓሪ ሞት” እንክብሉ እክብሉ ኣብሪሆም፣ “ንሱ ጥራይ እዩ ኣብ ምድራዊ ንግደትና ከሐድሰናን ክሳዕ ዘለኣለማዊ ሰላም ከቕርበልናን ዝኽእል።” ንዝዓሞቐ ሕቶታት ልቢ ወዲ ሰብ ዝምልስ ኢየሱስ ጥራይ እዩ እንክብሉ ኣስሚሮም፣ "ብሓቂ መዕለቢ ኣሎና ድዩ? ህላወና ትርጉም ኣለዎ ድዩ? ስቓይ ንጹሃትከ ብኸመይ ክብጀው ይኽእል?" ዝብል ሕቶ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ክርስቶስ ምሳና ይመላለስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ “እቲ ዝተንስአ ኢየሱስ ካብ ቃንዛና ተፈልዩ ‘ካብ ላዕሊ’ መልሲ ከም ዘይህብ ኣስተብሂሎም፣ “ኣብ ክንድኡስ ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ከቢድን መሪርን ምስጢራውን መንገዲ ምሳና ይመላለስ . . . “ብራሾና ባዶ ምስ ዝኸውን፡ ጽምኢ ዘይጽወር ምስ ዝኸውን፡ ንሱ ጥራይ እዩ ክመልኦ ዝኽእል” እንክብሉ ኣዘኻኺሮም፣ ኢየሱስ ብጻይና ጥራይ ዘይኮነስ መዕለቢና ምዃኑ ኣስሚሮም፣ “ብዘይ ፍቕሩ፡ ህይወት ዕላማ ኣልቦ ትኸውን -  ሓቀይና መወዳእታ ዘይብሉ ዘሕዝን ጉዕዞ - ቢሎም - “ቁስሊ ሓጢኣት” ክንወድቕ፡ ተስፋ ክንቆርጽ፡ ወይ ክንሓፍር ይድርኸና፣ እዚ ድማ ድኽመት ደቂ ሰብ ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ንሕና ግን ንውድቀት ኣይኮናን ዝተመደብና” እንክብሉ ከም ዘረጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣

ንሱ ዝህቦ ሰላም ጥራይ

"ተንሲእና" "ብእግርና ደው ክንብል" ኣለና፡ ምኽንያቱ እቲ ዝተንሰኤ ክርስቶስ "ከም እንትንስእ ውሕስነት ይህበና" ከምኡ'ውን "ናብ ግዛና ይመርሓና፡ ናብ እንጽበየሉን እንፍቀረሉን እንድሕነሉን ቦታ" እንክብሉ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዛዘሙ ኣፍሊጡ።

ናይ ዕለት 15 ጥቅምቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ
15 Oct 2025, 17:24