ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሽወደን ንግዳያት ናይ ቶኽሲ መጥቓዕቲ ይጽልዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ታሪኽ ሽወደን ዝኸፍአ ተባሂሉ ዝንገረሉ ጃምላዊ ቅትለት ስዒቡ ኣብ ሓዘን ንዝርከቡ ኩሎም ጸሎቶም፣ ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ክታትሞም ዝተነብሮ ናብ ናይ ሽወደን መራሔ መግንስቲ ኡልፍ ክሪስተርሰን ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ኣረጋጊጾም፣ ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ተማሕጺኖም፣ እቲ ኣብ ሽወደን ከተማ ኦረብሮ ዝርከብ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ ናይ ቶኽሲ መጥቃዕቲ፣ ብውሕዱ 10 ሰባት ከም ዝሞቱ ክንገር እንከሎ፣ ነቶም በቲ ዘስካሕክሕ መዓት ንዝተሃሰዩን ኣብ ሓዘን ንዝርከቡን መንፈሳዊ ቅርበቶም ከም ዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፣ “ንዝሞቱ እግዚኣብሔር ኣብ መግንስቱ ክቕበሎን፣ ንሓዘንተይናታት ኣባይቲ ዝድራን ፈተውቶምን ምጽንናዕን ተማሕጺኖም፣ ነቶም ዝተጎድኡ ድማ ቅልጡፍ ምሕዋይ እግዚኣብሔር ክጽግዎም እጽልይ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብ መወዳእታ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ንሽወደንን ህዝቢ እታ ሃገርን ከሃሌኵሉ እግዚኣብሔር ሓድነትን ሰላምን ክጽግው ከም እተማሕጸኑ ኣፍልጡ።
