ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Finale: Allegro con spirito
መርሓ ግብሪ ፈነወ
ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ከባቢታት ግጭት ዝርከቡ ህጻናት ዘጋጥሞም ዘሎ ስቓይ ይዝክሩ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ከባቢታት ግጭት ዝርከቡ ህጻናት ዘጋጥሞም ዘሎ ስቓይ ይዝክሩ  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ከባቢታት ግጭት ዝርከቡ ህጻናት ዘጋጥሞም ዘሎ ስቓይ ይዝክሩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ለካቲት ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሃዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ብሓባር ምስቶም ኣብ ቅርዕት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያ፡ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ደጊሞም ጻውዒት ሰላም ብምቕራብ፡ ግጭት ኣብ ዝካየደሉ ከባቢ ዓለም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ምብራቓዊ ዞባታት ደሞክራስያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዝርከቡ ህጻናት ሓለዋ ክግበረሎም ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር፡ ኣብ ዓለም ሰላም ክህሉ ዘቕርብዎ ጻውዒት ደጊሞም ብምሕዳስ፡ ኣብዛ ብግጭት ዝዓነወት ዓለም ሰላም ክምለስ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጉሊሖም፡ መራሕቲ ዓለም ውግኣት ንምውጋድ ናይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ጻዕርታት ከሐይሉ ቅድሚ ምምሕጻኖም፥ "ንውግእ ደጊመ 'ኣይፋል' እብል፡ ‘ኩላትና ንውግእ ኣይፋል ንበል’ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ንሕጻናት ዓለም

ቅዱስነቶም እቲ ዕለት 3 ለካቲት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝእንገድ ብዛዕባ መሰል ሕጻናት ዝመክር ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ብምዝካር፡ እዚ "ኣፍቅሮምን ሓልዎምን" ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ዝምራሕ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ተጣበቕቲ መሰላት ህጻናትን መራሕቲ ሃገራትን ናይ መንግስታት ልኡኻትን ዘራኽብ ከም ዝኾነን፡ እዚ ጉባኤ፥ "ንህይወት ህጻናት ዝምልከት ኣዝዩ ህጹጽ ዝኾኑ ጉዳያት ናብ ኣቓልቦ ዓለም ንምቕራብ ፍሉይ ዕድል" ዘቕርብ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ነቲ መደብ ብምእንጋዶምን ኣብቲ መደብ እውን ዝሳተፉ ምዃኖም ዘሕድረሎም ሓጐስ ገሊጾም፡ ምእመናን እቲ መደብ ዕውት መታን ክኸውን ድማ ብጸሎቶም ከምሰንዩ ከም እተላበዉ የመላኽት።

ኣብ መንጎ ዓመጽ ዝመልኦ ግጭታት ህይወቶም ዝያዳ ዝጽሎ እቶም ዝነኣሱ እዮም። ቅዱስነቶም "ኲናት "ንኹሉ የጥፍእ፡ የዕንው፡ ህይወት ይምንዝዕ፡ ንኽብሪ ህይወት ዘይምግዳስን የስዕብ . . . ቢሎም፥ ከምቲ ኵሉ ግዜ ዝብልዎ፡ "ኲናት ኩሉ ግዜ ስዕረት እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰላም ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ

ቤተ ክርስቲያን ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ኣብ እተብዕለሉ ዘሎ እዋን፡ ቅዱስነቶም ናብ መራሕቲ ዓለም ብፍላይ ድማ ናብ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ብምቕናዕ፥ "ንኹሉ ዝቕጽል ዘሎ ግጭታት ንምውጋድ" ኣብ ዘተ ክኣምኑ ተላብዮም፡ ብፍላይ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ዩክሬን፣ ፍልስጤም፣ እስራኤል፣ ሊባኖስ፣ ሚያንማር፣ ሱዳንን ሰሜን ኪቩን - ኣብ ኩለን ሰላም ኣዝዩ ኣብ ዘድልየን ሃገራት ግጭት ዘስዓቦ ስቓይ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ሰሜን ኪቩ፡ ኣብ መላእ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ሰላም ክወርድ ዘቕረብዎ ጻውዒት፡ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቕጽል ዘሎ ንማሕበረሰባት ዘሳቕን ንሞት ዘቃልዕን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ክመዛበሉ ዝድርኽን ኣባይቲ ስድራ ዝበታትን መዋቕራት መውሃቢ ኣገልግሎት ዘዕንው ዘሎ ዓመጽ ዘዘኻኽር እዩ። እቲ ኣብ ደሞክራስያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዝካየድ ዘሎ ገና ዝቕጽል ዘሎ ኵናት ኣብ ምብራቓዊ ዞባታት እታ ሃገር ማእከል ዝገበረ ክኸውን ከሎ - ብፍላይ ድማ ሰሜን ኪቩ፡ ደቡብ ኪቩ፡ ኢቱሪ ብስፍሓት ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ከምኡ’ውን ገለ ክፋል ማኒየማን ታንጋኒካን - ካልኦት ዞባታት እውን ዝትንክፍ ዘሎ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻክር።

ጻውዒት ሰላም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ቅድሚ ክልተ ዓመት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ሓዋርያዊ ዑደት ብምግባር ምስ ግዳያት ናይቲ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ዝካየደ ዘሎ ዓመጽ ተራኺቦም ከም ዝነበሩን፡ ኣብቲ ካብ ዕለት 31 ጥሪ ክሳብ ዕለት 5 ለካቲት 2023 ዓ.ም. ኣብ ዘካየዶ መገሻ፡ ነቲ ግጭት ዘጓሃህር "ቁጠባዊ መግዛእቲ" ኮኒኖም፡ ዓለም ንመከራ ህዝቢ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ሸለል ከይብል ጻውዒት ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

03 Feb 2025, 16:54
Prev
March 2025
SuMoTuWeThFrSa
      1
2345678
9101112131415
16171819202122
23242526272829
3031     
Next
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930