ጆ ቢደን ንር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ፕረዚደንታዊ መዳልያ ናጽነት ከም ሽልማት ኣቕረበሎም
ኣብ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ብሔር ሕቡራት መግስታት ኣመሪካ ጆ ቢደን ነቲ ሓደ ኻብቲ መራሒ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብምዃን ዝወሰዶ ናይ መወዳእታ ስጕምትታቱ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ፕረዚደንታዊ ናይ ናጽነት መዳልያ ናይ ምሽላም ዘለዉ ፍሉይ መሰል ተጠቂሙ ንቅዱስነቶም ኣፈየሎም። እዚ ሓበሬት እዚ ኣብቲ ብ11 ጥሪ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ መራሕቲ እተገብረ ናይ መስመር ተሊፎም ጻዉዒት ኢዩ እተገልጸ ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ርክብ እዚ ብዕልት 10 ጥሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብኣካል ክራኸቡ ኢዩ ተመዲቡ ዝነበረ እንተኾነ ግን ብሰንኪ እቲ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ባርዕ ርእሰ ብሔር ጆ ባይደን ናብ ኢጣልያ ንኽገይሽ ዕንቅፋ ኮኖ።
ሓድሽ ዝርርብ
ብድሕቲ እቲ ዕለት 20 ታሕሳስ ኣቐዲሞም ዘካየድዎ ናይ ስልኪ ጻውዒት እቲ ኣብ መንጎ ጆ ባይደንን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን እተገብረ እዚ ኻልኣይ ዝርርቦም እዩ ዝነበረ። እቲ ኣቐዲሙ እተገብረ ዝርርብ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቶም ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣመሪካ ንሞት እተፈርዱ እሱራት ዝነበሮም ሻቕሎት ዘተኰረ ኢዩ ዘነበረ ። ድሕርዚ ርእሰ ብሔር ባይደን ነቲ ናይ 37 ውልቀ - ሰባት ናይ ሞት ፍርዲ ብምቕያር ፍትሕን ድንጋጽን ከም ዝግብኦም ድማ ገለጸ ።
ርእሰ ብሔር ባይደን ኣብ ክልቲኡ ዝርርባቶም ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዓለምለኻዊ ስቓይ ንምቅላል ሰብኣዊ መሰላት ንምድንፋዕ ከምኡውን ሃይማኖታዊ ናጽነት ንምሕላው ዝገብርዎ ዘለዉ ዘይነቓነቕ ጻዕሪ ዘለዎ ሞሳ ገለጸሎም ። እዚ ሓደ ኻብቲ መዳልያ ናጽነት እተሸለሙሉ ምኽንያታት ውን እዩ ዝነበረ።
ኣብዛ ዓመት እዚኣ 19 ምርኡያት ውልቀ-ሰባት ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ብልጽግናን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ድሕንነትን ዓለምለኻዊ ሰላምን ካልእ ንላዕሊ ብወሳኒ ጻዕርታትን ዝገበርዎ ፍሉይ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ብምሃብ ሽልማት ተዋሂብዎም ኢዩ። ተዓዘብቲ ከም ዘመልከትዎ ዝርዝር ናይቶም ኣብዚ ዓመት እዚ ነዚ ሽልማት እተቐበሉ ዘይተማልአ ዀይኑ ኸም እተሰምዖም ውን ዘኪሮም ኢዮም፣ ምስጢር ናይዚ ኸኣ ባይደን ነቲ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣፍልጦ ከም ዝሃቦም ዝገልጽ ምልክታ ብምስቲር ኢዩ ተታሒዙ ዝነብረ።
ወግዓዊ መግለጺ
እቲ ካብ መንግስታዊ ህንጻ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝወጸ ወግዓዊ መግለጺ ኸምዚ ይብል -
"ጆርጅ ቤርጐልዮ መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ናብ ማሕበር ኢየሱሳውያን ንምእታው ቅድሚ ምውሳኑ ስነ-ፍልጠታዊ ሞያ ክህልዎ ይደሊ ነበረ። ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ መላእ ኣርጀንቲና ነቶም ድምጺ ዘይብሎምን ተነቀፍትን ወገናት ኣገልጊሎም ኢዮም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ምዃኖም መጠን ንድኻታት ናይ ምግልጋል ተልእኾኦም ውን ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን ። ፈቃር ካህን ስለ ዝዀኑ ነቲ ቘልዑ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚሓትትዎ ሕቶታት ውን ተሓጒሶም ዝምልሱ ኢዮም። በዳሂ መምህር ስለ ዝዀኑ ምእንቲ ሰላም ክንቃለስን ንምድሪ ኸነዕቍባን ኣዚዞምና ኢዮም ። ተቐባሊ መራሒ ስለ ዝዀኑ ናብ እተፈላለያ ሃይማኖታት እወን ይኸዱ ኢዮም። እዞም ኻብ ደቡባዊ ንፍቀ-ኽቢ ዝመጹ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣይኰኑን። ልዕሊ ዅሉ ድማ እቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዝበርህ ብርሃን እምነትን ተስፋን ፍቕርን ዝዀኑ ናይ ህዝቢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኢዮም። "
ገጽ በረኸት ባይደን
እዚ ሽልማት እዚ ነቶም ሓወርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝኾኑ ብጽዕ ሊቀ-ጳጳሳት ክሪስቶፍ ፒየር ኣብ ክንዲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምዃን ተቐበልዎ። ብድሕርዚ ጆ ባይደን ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ ገጽ (@POTUS) ዘውጽኦ ወግዓዊ ጸብጻብ ዘካፍሎ ስእሊ ብሓደ ልባዊ መልእኽቲ እተሰነየ ኢዩ ዝነብረ፦
"ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትሕትናኹምን ጸጋኹምን ብቓላት ኪዝረብ ዘይከኣል ኣይኮነን፣ ንዅሉ ዘሎኩም ፍቕሪ ድማ መወዳድርቲ ዘይብሉ እዩ። ናይ ሕዝቢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ምዃንኩም መጠን ኣብ መላእ ዓለም ደሚቑ ዘንጸባርቕ ብርሃን እምነትን ተስፋን ፍቕርን ኢኹም። ሎሚ ንቅዱስነቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ፕረዚደንታዊ መዳልያ ናጽነት ብፍሉይ መገዲ ክህቦም ምኽኣለይ ዓብዪ ኽብሪ እዩ ዝስምዐኒ" ክብል ውን ጸሓፈ።
ታሪኻዊ ርእሰ ብሔር
እዚ ኸኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፕረዚደንታዊ መዳልያ ናጽነት ንኻልኣይ ግዜ እተቐበለሉ እዋን እዩ ። ብዕለት 4 ሰነ 2004 ፕረዚደንት ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ናብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝገሮ ምብጻሕ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፤ ብምኽንያት እቲ ዘይጸዓት ጻዕሮም ምእንቲ ሰላምን ሰብኣዊ ክብርን ከም ዝሸለሞም ዝዝከር ውን ኢዪ።