ድለ

2025.01.10 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ‘ናብ ዓለም ተስፋ ንኸነምጽእ ናይ ወንጌል ሓጎስ ክንካፈል ይግባእ’ 2025.01.10 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ‘ናብ ዓለም ተስፋ ንኸነምጽእ ናይ ወንጌል ሓጎስ ክንካፈል ይግባእ’  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ‘ናብ ዓለም ተስፋ ንኸነምጽእ ናይ ወንጌል ሓጎስ ክንካፈል ይግባእ’

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ጥሪ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ናይ ፈረንሳ ኣባላት ጉባኤ ተልእኾ ወንጌል ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብምርኻብ ኣብታ ኣብ ስቓይ እትርከብ ዓለም ተስፋ ንምምላስ ብትብዓትን ብመሃዝነትን ወንጌላዊ ሓጎስ ከካፍሉ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሓጐሶምን ሓዘኖምን ናብ ዝነብሩላ” ዓለም ‘ክትወጹ’ ፈጺምኩም ኣይትፍርሑ፡ “በቲ ሓጐስን ተስፋን ወንጌል ብመሃዝነት ክንእውጅ ዝድርኸና መንፈስ ቅዱስ “ክትምርሑ” ፍቐዱ” እንክብሉ ቅዱስነቶም ነዚ ሓያል ምትብባዕ እዚ ነቶም ንኣስታት ሓምሳ ኣተሓባበርቲ ናይቲ ኣብ ፈረንሳ ስብከተ ወንጌል ዳግማይ ንምሕያል ብሓያሎ ናይ ፈረንሳ ካቶሊካዊ ምንቅስቓሳት ዝተነቓቐሐ ተበግሶ ተልእኾ ወንጌል ኣባላት ጉባኤ ኣስፍሆተ ወንጌል ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፥

እቲ ጉጅለ ዓመታዊ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘማእከለ ዓውደ ጉባኤ ከም ዘካየዱ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካብ መላእ ሃገር ዝመጹ በሸሓት ዝቑጸረ ክርስቲያን ብምርኻብ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓለማዊ ሕብረተሰብ ወንጌል ብዝበለጸ መገዲ ንምዋጅ ዝድግፍ ኣገባብ ንምልላይ ዝጽልዩሉን ተመክሮታቶም ዝካፈሉሉን ዘስተንትኑሉን መድረኽ እውን ምዃኑ የመላኽት።

ዓለም እቲ ክርስትያናዊ መልእኽቲ ተስፋ ኣዝዩ የድልያ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ልኡካነ ወንጌል፥ ንወንጌል ዘለዎም “እሙን ተወፋይነት” ብምንኣድ “ኣብዛ ክርስቲያናዊ ተስፋ ኣዝያ ዘድልያ ዓለም ምንጪ ብርሃንን ተስፋን እዩ” ቢሎም፥ ነቲ ናይ ለምዘበን ኣብ ከተማ በርሲ ዝካየድ መድረክ ተልእኾ ወንጌል ኣብ ኵነታት ናይዚ ሕጂ ዘሎ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ተመሰሪቱ ዝካየድ ምዃኑ ብምዝኽካር፥ “ሓጐስ ካብ ተስፋን ተልእኾን ዘይፍለ እዩ . . . ብሓላፊ ኒሕ ጥራይ ዘይኰነስ ምስ ክርስቶስ ካብ ዝገብር ብሕታዊ ርክብ ዝድረኽን ናብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘቕንዓናን እዩ።”

እምበኣር ነጋዲያን ምዃን ማለት “ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብሓባር ምጉዓዝ ማለት እዩ፡ እዚ ድማ ​​ወጺእካ ምስ ካልኦት ክትራኸብ ትብዓት ክትገብር ይጠልብ . . . ንዓለም ኣብ ወንጌል ሱር ዝሰደደ ህያው ቃል ምቕራብ፡ ሓድሽ ዘጸናንዕ ተስፋ ዘምጽእ መንገዲ ይኸፍት” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ክርስቶስ ንኻልኦት ከነካፍሎ ዝግበኣና ተስፋና እዩ

ኣብ ዓለምና ተስፋ ብዙሕ ግዜ ብግርጭትን በደልን “ብውልቃውነት ንዓይነትን ዝተበታተነን” ኣብ ፈተና ከምዝኣቱ ብምዝኽካር፥ “ክርስቶስ ተስፋና እዩ” ዝብል ክርስትያናዊ ርግጸይናነት “ከነካፍሎ ዝግበኣና ህያብን ከነመሓላልፎ ዝግብኣና ብርሃንን” ምዃኑ ብኣጽንዖት ኣዘኻኺሮም፥ ስለዚ ድማ መራሕቲ ጉባኤ ተልእኾ ወንጌል፥ "ብመንፈስ ቅዱስ ክነቓቕሑ . . . ብምፍቃድ ነቲ ናይ ተልእኾ ወንጌል ጸዋዕታ ብትብዓት ክምልሱ ኣተሓሳሲቦም፥

"ሓድሓደ ግዜ እዚ ማለት እቲ ዝተቐበልናዮ ሽመትን መዝነትን ከስዕቦ ካብ ዝኽእል ናይ ሕልቅነት መንፈስ ንምውጻእ ፍቓደይና ንኸይንኸውን ኣብ ገለ ገለ እዋን እውን ምድንጋራት ንምፍጣር ፈተና ክኸውን ይኽእል እዩ መንፈስ ቅዱስ ግን ናብ መሃዝነት ይደፍኣና . . . ናብ ሓቀይናን ቀናእን ወንጌላውነት ይድርኸና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነቶም ቀዳሞት ናይ ተስፋ ነጋዲያን ዝኾኑ መንእሰያት ኣነቓቕሑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ናይ ጉባኤ ተልእኾ ወንጌል ኣባላት ንመንእሰያት “ቀዳሞት ነጋድያን ተስፋ” ብእምነት ክዕብዩን ተባዕ ምርጫታት ክገብሩን ንባዕሎም ኣብ ተልእኾ ወንጌል ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ክኾኑን ብምሕጋዝ ከነቓቕሑ ዓዲሞም፥“ዝያዳ ሕውነታዊት ዓለም ናይ ምሕላም ትብዓት ኣብ ውሽጦም ኣስርጹሎም፣ ኣብ ስድራቤቶምን ቤት ትምህርቶምን ኣብ ስራሕ ቦታኦምን ናይ ተስፋ ስነ - ጥበባውያን ምእንቲ ክኾኑ ድማ ኣሰንዮም” እንክብሉ ተማሕጺኖም፣ ኣብ መንጎ ኣረጋውያንን መንእሰያትን ዝምድናታት ከማዕብሉ እውን ኣተባቢዖም . . .

ሓድነት ንዓለም ሓያል ምስክርነት እዩ

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ንኣባላት ጉባኤ ኣስፍሆተ ወንጌል ነታ "ንዓለም ሓያል ምስክርነት ክርስትያን  ሰዓብቲ ክርስቶስ ምዃኖም እትገልጽ ህያው መርኣያ ፍቕሪ" ፈጺሞም ከይርስዕዋ ዓዲሞም፥

“ሓድነት ሓያል ምስክርነት እዩ: ዓለም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ምዃንና እትፈልጥ በቲ ኣብ ነንሕድሕድና ዘሎና ፍቕሪ እዩ። ንሓድሕድኩም ተኸናኸኑ፡ ኣብ ጻዕርኹም ንሓድሕድኩም ተደጋገፉ፡ በቲ መንፈስ ብተወፋይነትኩም ዘፍርዮ ፍረ ድማ ሓቢርኩም ተሓጐሱ።”

ቢሎም ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ መበል 11 ጉባኤ ተልእኾ ወንጌል ንቤተ ክርስቲያን ፈረንሳ ናይ ሓጎስን ምልዋጥን ምሕዳስን ግዜ ክኸውን ከምዝኽእል እምነቶም ገሊጾም ምንቲ እዚ እውን ጸሎትም ኣረጋጊጾም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

11 January 2025, 16:51