ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ንግዳያት ባርዕ ሓዊ ይጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ንግዳያት ባርዕ ሓዊ ይጽልዩ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ንግዳያት ባርዕ ሓዊ ይጽልዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብይብጻሕ ናብ ናይ ሎስ ኣንጀለስ ሊቀ ጳጳሳት ኾሴ ጎሜዝ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም፥ ነቶም ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ዝሳቐዩ ንዘለዉ “መንፈሳዊ ቅርበቶምን ጸሎቶምን” ከም ዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጥቓ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ  ብዝተፈጠረ ባርዕ ሓዊ ዘጋጠመ ክሳራ ህይወትን ሰፊሕ ዕንወትን” ከምዝሓዘኖም” ኣብቲ ብይብጻሕ ናብ ናይ ሎስ ኣንጀለስ ሊቀ ጳጳሳት ኾሴ ጎመዝ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም ገሊጾም፥ ምስቶም በቲ ዘሕዝን ሓደጋ ዝተሃስዩ ማሕበረሰባት ዘለዎም “መንፈሳዊ ቅርበት” ኣስሚሮም፡ “ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ንፍቕራዊ ምሕረት ልዑል ኣምላኽ” ሓደራ ከም ዝበሉ ናይ ቅድቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥  ቅዱሰንቶም ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ተለግራም መልእኽቶም፥ ነቶም ኣብ ሓዘን ንዝርከቡ “ልባዊ ምጽንናዕ ይሃብኩም፡ ከምኡ’ውን ንሰራሕተይናታት ረድኤትን ህጹጽ ኣገልግሎትን ጸሎቶም ከም ዘረጋገጹ ኣፍሊጡ።

ኣብ ከባቢ ሎስ ኣንጀለስ ብዝተላዕለ ባርዕ ሓዊ ኣስታት 12 ሽሕ ህንጻታት ናብ ሓሙኽሽትን ፍርስራስን ከም ተለወጠን ብተወሳኺ ብውሕዱ 11 ሰባት ከም ዝሞቱን፡ ካልኦት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ከም ዘመዛበለን ክንገር እንከሎ፥ እቲ ባርዕ ሓዊ ሰሉስ ዕለት 7 ጥሪ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ግምት ቁጠባዊ ጽልዋ ናይቲ ዕንወት ካብ ኣስታት 135 ቢልዮን ክሳብ 150 ቢልዮን ዶላር ክኸውን ከምዝኽእልን ብድምር እቲ ባርዕ ሓዊ ኣስታት 56 ትርብዒት ማይልስ (142 ትርብዒት ኪሎሜተር) ከምዝባደመን እዚ ድማ ካብ ሳንፍራንሲስኮ ዝዓቢ ስፍሓት ዘለዎ ኮይኑ፡ መስጊድ፣ ምኩራብ፣ ሰበኻ ካቶሊክን ፍርቂ ደርዘን ኣብያተ ክርስቲያናት ፕሮተስታንትን ዘጠቓልል እዩ።

11 January 2025, 16:54