ኣብ መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ መራኸቢ ብዙሓን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብቲ ኣብ መበል 59 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ኣብዛ ብናይ ሓሶት ሓበሬታን ውልትውናን እትልለ ዓለም፡ ውሑዳት ትካላት፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብዝሒ ሓበሬታን ጭብጥታትን ኣብ ዝቆጻጸራሉ እዋን፡ መራኸቢ ብዙሓን ኣጻዋሩ ክፈትሕን ክነጽሕን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝያዳ ህጹጽ ምዃኑ ነስተውዕል” ቢሎም፥ "ሎሚ መብዛሕትኡ ግዜ መራኸቢ ብዙሓን ተስፋ ዘምጽእ ዘይኮነስ፥ ተስፋ ንምቑራጽ ዝድርኽ ቅድመ ፍርድን ቂምታን ጸንፈይናነትን ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ጽልኢ ዘምጽእ” ኮይኑ ከም ዘሎ ኣመላኺቶም፥ መራኸቢ ብዙሓን መብዛሕትኡ ግዜ ንክውንነት ኣቃሊሉ ብምርኣይ፡ ባህረታዊ መልሲ ዘተባብዕን፡ ቃላት ከም ኣጽዋር ብምጥቃም ናይ ሓሶት ወይ ዝተዛብዐ ሓበሬታ ንምዝርጋሕ ዘገልግል ኮይኑ ኣሎ እንክብሉ ጓሂሆም ገሊጾም፥ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ድማ ምፍልላይ ከም ዝፈጥርን ሓቀይና ተስፋ ንምህናጽ ከም ዝኽልክልን የጠንቅቑ።
ሓደጋታት ዕጡቕ ርክብ
ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ከም ዝገለጽዎ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝረአ ዘሎ ኣገባባት መራኸቢ ብዙሓን ንማሕበረሰብን ሓባራዊ ጥቕምን ዘዳኽም እዩ እንክብሉ ኣብ ዘመናዊ መራኸቢ ብዙሓን ዘሎ እተፈላለየ ዘጨንቕ ኣንፈት ኣጕሊሖም፥ እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ሓያሎ ዋዕላታት ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ናይ ውደራን ዓብላልነትን ዝንባለ ዘረጋግጾ እዩ፡
"እቲ ካብ ናይ ለተልቪዥን መደባት ኣትሒዙ ክሳዕ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ዝፍኖ ናይ ቃላት መጥቓዕትን ውደራን ካልእ ንምዕብላልን ምቍጽጻርን ዝኣመተ ኣገባብ ናይ ህዝቢ ኣረኣእያ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ንምታው ዝሃቀነ እዩ፡ እዚ እውን ነቲ ካልእ ከም ጸላኢ' ምልላይ ገዛእ ርእስኻ ንምግላጽን ንምርግጋጽን ዘኽእል እንኮ መገዲ እዩ ዝብል ጒጒይ ኣመለኻኽታ ዝስዕብ እዩ እንክብሉ ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ተስፋ ከም ጸረ መርዚ
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብ መልእኽቶም፥ ኣብዚ ሕጂ እንነብሮ ዘሎና ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ብምውካስ፡ ኩነታት ዓለምን መራኸቢ ብዙሓንን ሎሚ ተስፋ ክሳብ ክንደይ ኣገዳስን ኣድላይን ምዃኑ እዩ ዘረጋግጸልና ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
እቲ ተስፋ "ስዉርን ጽኑዕን ዕጉስን” ዝኾነ ክብር ዋጋ እዩ እንክብላ ፈረንሳዊ ደራስን ወተሃደርን ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝነበረ ጆርጅ በርናኖስ ቓላት ጠቒሶም፥ ንክርስትያን ተስፋ ኣድላዪን ለውጢ ዘምጽእን ምዃኑ ኣጕሊሖም . . .
ነቶም ተስፋ ዚገብሩ ውህበት ሓድሽ ህይወት ተዋሂብዎም እዩ”
ዝብል በነዲክቶስ መበል 16 ኣብታ “ብተስፋ ኢና ዝደሓንና” ብዝብል ዘርእስታ ኣብ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልኽቶም ዝበለዎ ጠቒሶም፥ በዚ ኸኣ ክርስቲያን መራኸቢ ብዙሓን፥ “ . . . ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን (1ጴጥ 3፡15-16) ዝብል መልእኽቲ ዘቃልሕን ዝነብርን ክኸውን ኣለዎ፡ ልኡምነትን ቅርበትን ምክብባርን ብምንጽብራቕ፡ ምክልኻልን ቁጥዐን ዘይኮነስ፡ ግሉጽነትን ዕርክነትን ዘዕቢ ክኸውን ኣለዎ ከም ዝበሉ የመላኽት።
ለውጢ ዘምጽእ ርክብ
ብፍላይ ኣብ ናይ ቃልሲ ህሞታት ብሓባር ክንጓዓዝ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጒሊሖም፥ “ንሓድሕድና ናይ ጉዕዞ ብጾት ክንከውን” ብዙሕ ሃረር እብል፡
“መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ጽባቐን ተስፋን ዘተኮረ ክኸውን ኣለዎ፣ ኣብ ተስፋ ዝቖረጸ ዝመስል ኩነታት ከይተረፈ ርህራሄን ተወፋይነትን ከስዕብ ይግባእ”
ናይ ምትሕልላይ ባህሊ ከም ዘድሊ ቅዱስነቶም ብምግላጽ፡ መራኸቢ ብዙሓን ምትእምማንን ሓድነትን ዘነቓቕሕ "ብተስፋ ዝመልኡ ዛንታታት" ዘቕርብ ክኸውን ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ተስፋ፥ ኣብ ዘይተጸበኻዮ ቦታታት ዝርከብ . . . ኣብቲ ወለዲ ደቆም ካብ ግጭት ዝበዝሖ ዞባታት ብደሓን ንኽምለሱ ዝጽልዩሉ፡ ኣብቶም ኣብ ማእከል ውግእን ኣብ ጐደናታትን ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን እውን ከይተረፈ ዝነብሩ ብሓባር ዝጻወቱን ዝስሕቁን ከምኡውን ኣብ ህይወት ዝኣምኑ ቘልዑ ዝንጸባረቕ ምዃኑ ኣዘካኺሮም፥
ናይ ተስፋ ባህሊ ምህናጽ
ኣብዚ ኩላትና ነጋድያን ተስፋ ክንከውን ዝተጸዋዕናሉ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ፡ ቅዱስነቶም ንጋዜጠይናታትን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓን፥ “ኣብ ጽንኩር እዋን ይኹን ተስፋ ከስፍሑ” ተማሕጺኖም፥ “ኢዮቤል እቶም ገበርቲ ሰላም ዝኾኑ ‘ደቂ ኣምላኽ ክበሃሉ ምዃኖም’ የዘኻኽረና . . . መንገዲ ተስፋ የነቓቕሕ፣ ኣድላይነት ናይ ዘተ መንገድታት ዝሕብረና ትኩርን ልኡምን ኣስተንትኖኣዊን መራኸቢ ብዙሓን የመልክተና።
"ኣብ ዜናታት ተሓቢኡ ዘሎ ብዙሕ ሰናይ ዛንታታት ከነለሊ ብምትብባዕ . . . ተስፋ ድለዩን መስክርዋን” እንክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ . . . ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓን ዓለም ንኣውያት ድኻታት ጸማም ከይከውን ዘይግደስ፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝተዓጽወ መታን ከይከውን ወትሩ ተስፋ ንኽንገብር ዝድርኸና ነቶም ብልጭታታ ሰናይ ረኺብኩም ከተቕርቡልና ሓደራ እብል . . .
“እዚ ዓይነት መራኸቢ ብዙሓን ሕብረት ንኽንሃንጽ በይንና ኮይና ከይስምዕና፣ ኣገዳስነት ብሓባር ምጉዓዝ ዳግማይ ንኸነሰውዕሎ ይሕግዘና”
እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።