ናይ ር. ሊ. ጳ. ሓሳብ ጸሎት ወርሒ ጥሪ - 'ምእንቲ መሰል ትምህርቲ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሓሳብ ጸሎት ወርሒ ጥሪ 2025 ኣውጺኦም፣ ኵሉ ሰብ "ናይ ትምህርቲ መሰል" ምእንቲ ክረክብ ብዝብል ሓሳብ ምእንቲ ክጽሊ ጻውዒት ኣቕረቡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ውርሓዊ ሓሳብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዚ ወርሒ ጥሪ እዚ ኣብ ዘቕረብዎ ሓሳብ ምእንቲ "መሰል ትምህርቲ" ክኸውን ተማሕጺኖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ኣብታ ዘ ፖፕ ዘርእስታ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ብናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓለምለኻዊ መርበብ ጸሎት ኣቢላ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን በዚ እተጠቕሰ ሓሳብ ጸሎት ክትጽሊ ጻውዒት ኣቕረቡላ።

ኣብዛ ናይ ወርሒ ጥሪ ሓሳብ ጸልት ቅዱስ ኣቦና ከም ዝገለጽዎ ሎሚ "ትምህርታዊ ዕንወት የጋጥመና ኣሎ!" ብምባል ኣጠንቀቑ "እዚ ምግናን ኣይኰነን" ድማ ይብሉ።

250 ሚልዮን ሰባት ብዘይ ትምህርቲ

ቅዱስ ኣቦና ከም ዘመልከትዎ ብሰንኪ ውግእን ስደትን ድኽነትን ኣስታት 250 ሚልዮን ኣወዳትን ኣዋልድን ዕድል ትምህርቲ ኸም ዘይረኸቡ ተፈሊጡ ኣሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ኵሎም ቈልዑን መንእሰያትን ናብ ቤት ትምህርቲ ናይ ምኻድ መሰል ኣለዎም " ብምባል ኣትሪሮም ብምግላጽ "ስደተኛታት እኳ እንተኾኑ ብዘየገድስ " ይብሉ ።

ወሲኾም ድማ ትምህርቲ ንዅሉ ሰብ ተስፋ ኸም ዝዀነ ገለጹ ። ኣብ ርእሲ እዚውን "ንስደተኛታትን ዑቕባ ዝሓቱ ሰባትን ካብ ኣድልዎን ገበናዊ መርበባትን ካብ ስእነት ስራሕን ከድሕኖም ይኽእል ኢዩ" ብምባል ውን ኣዘኻኸሩ።

መሳርሒ ውህደት ኢዩ

"ኣዝዮም ብዙሓት ንኣሽቱን ህጻናትን ይምዝመዙ ኣለዉ" ድማ በሉ።

ስለዚ ትምህርቲ "ምስቶም ዘአንግድዎምን ዑቕባ ዝህብዎምን ማሕበረሰቦት ንኽሓብሩን ክወሃሃዱን ክሕግዞም ስለ ዝኽእል" ኣድላዪ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ሓሳባቶም ኣካፈሉ።

ዝሓሸ መጻኢ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ትምህርቲ ዝሓሸ መጻኢ ክህሉ ከም ዝገብር ውን ኣጕልሑ ። "በዚ ኸምዚ ስደተኛታትን ዑቕባ ዝሓቱ ሰባትን ክምለሱ እኳ እንተ ወሲኖም ኣብ ዘለዉዎ ሃገር ይኹን ኣብ መበቆል ሃገሮም ንማሕበረሰብ ኣበርክቶ ኽገብሩ ይኽእሉ ኢዮም" ብምባል ውን ገለጹ።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝመሓላለፍዎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ "ንጓና ዝቕበል ዘበለ ንኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዚቕበል ፈጺምና ኣይንረስዕ" ብምባል ውን መልእኽቶም ዛዘሙ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምእመናን ምስ ቅዱስነቶም ሓቢሮም ምእንቲ ስደተኛታት ተለይቲ ዑቕባን ከምኡውን ምእንቲ እቶም ብውግእ እተጐድኡ ሰባትን ክጽልዩ "እቲ ዝያዳ ሰብኣዊ ዓለም ንምህናጽ ኣድላዪ ዝዀነ ናይ ትምህርቲ መሰሎም ወትሩ ክኽበር" ተማሕጸኑ።

ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

እዚ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ወርሓዊ ሓሳብ ጸሎት ንምዝርጋሕ ዝመሓላለፍ ወግዓዊ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኢዩ ። እዚ ድማ ብዓለምለኻዊ መርበብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት (ሃዋርያ ጸሎት) እዩ ዚፍጸም ። ካብ 2016 ኣትሒዞም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቫቲካን ብምምሕልላፍ ልዕሊ 203 ሚልዮን ተከታተልቲ ረኺቡ ኢዩ ፣ ናብ ልዕሊ 23 ቋንቋታት ድማ ተተርጒሙ ይርከብ ኣሎ ፣ ኣብ 114 ሃገራት ከኣ ጋዜጣዊ መግለጺ ክግበረሉ ይርከብ ኣሎ ።

እዘን ናይ ቪድዮ መልእኽትታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚኣተን ብኣንድርያ ሳሩቢ ዝምራሕ ብመርበብ ሓበሬታ ዓለም ለኻዊ መርበብ ጸሎት እተወደበን ኰይኑ፣ በቲ ርክባት ላ ማቺ ንሰናይ ዕላማ ዝተሰምየ ጉጅለ ኢዩ ዝዳሎ ። እዚ ውጥን እዚ ብመራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን እዩ ዚምወል ።

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓለምለኻዊ መርበብ ጸሎት ነቲ ንደቅሰብን ንተልእኾ ቤተ-ክርስትያንን ዘጋጥሞም ብድሆታት መልሲ ንምሃብ ብጸሎትን ስጕምርታት ብምውሳድን ንካቶሊካውያን ናይ ምውዳብ ተልእኾ ዘለዎ ሓደ ተቕዋም ሃገረ ቫቲካን ኢዩ። እዚ ብድሆታት እዚ በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንብምልእታ ቤተ-ክርስትያን ብሕድሪ ዘወፍይዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ዕላማ ብምግባር ዝቐርብ ድማ ኢዩ።

03 January 2025, 16:47