ር. ሊ. ጳ. ፦ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ንሰብኣዊ ክብሪ ኬተባብዕን ደኣ እምበር ክጥሕስ የብሉን
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናብ ኣቦ መንበር ናይቲ ኣብ ዳቮስ ስዊዘርላንድ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ቁጠባዊ መጋባእያ 2025 ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ነዚ መተሓሳሰቡ እዚ ኣቕረቡሎም ።
"ንስለ ስሉጥነት ተባሂሉ ሰብኣዊ ኽብሪ ፈጺሙ ኺጥሓስ የብሉን።"
ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ፍረ ነገር ናይዛ ዓመት እዚኣ መጋባእያ "ምትሕብባር ንዘመነ ኣስተውዕሎት" ምዃኑ ብዝካር፣ እዚ ድማ ነቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ከም መሳርሒ "ንምትሕብባር ጥራይ ዘይኰነስ ምስ ሰባት ንምሕባር እውን" ጽቡቕ ኣጋጣሚ ከም ዝኸፍተሎም ኣስተንተኑ።
ውህበት ኣስተውዕሎት
ቅዱስነቶም ብተወሳኺ ክርስትያናዊ ባህሊ ንውህበት ኣስተውዕሎት ከም ኣገዳሲ መዳይ ናይቲ "ብመልክዕ ኣምላኽ" እተፈጥረ ሰብ ገይሩ ኸም ዚርእዮ ኣዘኻኸሩ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ከም ዝገለጽዎ፣ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ወትሩ ቀንዲ ደጋፊትን፣ ነቲ ኣብ ምዕባለ ስነ-ፍልጠትን ተክኖሎጅን ስነ-ጥበብን ካልእ ዓይነት ሰብኣዊ ዕማማትን እትድግፍን ኰይና "ኣብዚ ዚርአ ዓለማዊ ተፈጥሮ ኣብ ምዕያይ ምስ ኣምላኽ ከም ምትሕብባር ከምኡ ውን ምስ ሰብኡትን ኣንስትን ከም ምሕባር ገይራ እያ እትርእዮ" ብምባል ውን ኣጕልሑ።
ዘይተሓስበ ዅነታት ሓደጋ የምጽእ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እዚ ተክኖሎጂ እዚ ንገሊኡ ምርጫታት፣ ብባዕሉ ኺመሃርን ኪገብርን ስለ እተነድፈ ከምኡውን እቶም ነዚ መተግበሪ እዚ ዜዳልዉ ሰባት ኣቐዲሞም ዘይፈልጥዎ መልሲ ኺህቡ ስለ ዚኽእሉ፣ እዚ ፍሉይ ሕቶታትን ብድሆታትን ከምጽእ ከም ዝኽእል ውን ሓሳባት ኣቕረቡ።
በዚ ምኽንያት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ "ብዛዕባ ስነ ምግባራዊ ሓላፍነት፣ ብዛዕባ ድሕንነት ደቂ ሰብ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ እዚ ምዕባለታት እዚ ኣብ ሕብረተሰብ ዜምጽኦ ዘሎ ዝሰፍሐ ጽልዋን መሰረታዊ ሕቶታት የበግስ ኣሎ ክብሉ ውን" ኣመልከቱሎም።
ንሰብ ምሕጋዝ
ቅዱስ ኣቦና ከም ዘመልከትዎ "ብግቡእ መገዲ እንተ ተጠቒምናሉ ንሰብኣዊ ሞያ ማለት ንናጽነትን ሓላፍነታትን ኣብ ምህናጽ ይሕግዝ እዩ" ክብሉ ውን ኣድናቖቶም ገለጹ።
ልክዕ ከምቲ ኻልእ ሰብኣዊ ንጥፈታትን ተክኖሎጅያዊ ዕቤትን ዝገበሮ፣ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ውን ብሰብ ዝምእዘዝ ከምኡውን ክፍሊ ናይቲ "ዝዓበየ ፍትሒ፣ ዝሰፍሐ ሕውነትን ከምኡውን ዝያዳ ሰብኣዊ ስርዓት ማሕበራዊ ርክባት" ንምምጻእ ዝግበር ጻዕሪ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣዘኻኸሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ንምብጻሕ "ካብቲ ኣብ ዓውዲ ተክኒካዊ ምዕባለ ዝበልጽ ካልእ ዋጋ" ከም ዘለዎ ውን ገለጹ።
ቅዱስ ኣቦና ንዅሉ ጸገማት ዓለም ብተክኖሎጅያዊ መገድታት ጥራይ ከም ዚፍታሕ ገይሩ ዝርኢ "ተክኖሎጂካዊ ስነ ሓሳብን ኣሰራርሓን" ጥራይ ንምድንፋዕ ዝብል ሓደጋ እዚ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ኣለዎ ብምባል ድማ ገለጹ - "ኣብዚ ኣገባብ እዚ ሰብኣዊ ኽብርን ሕውነትን ብተደጋጋሚ ካብ ተክኖሎጅያውን ቍጠባውን ሓይሊ ዝምንጩ ኢዩ ዝመስል፣ ብውጽኢታዊ መገዲ ድማ ካባኡ ትሕት ይብል ኢዩ ዝመስል።"
"ሰብኣዊ ኽብረት ግን ምእንቲ ስሉጥነት ተባሂሉ ፈጺሙ ኺጥሕስ የብሉን" በሉ።
ዘይማዕርነት ወይ ግጭት ኬጋድዶ የብሉን
ኣብዚ ውዳበ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ክብሉ ይገልጹ "ንዅሉ ሰብ ህይወት ዘየመሓይሽ ዘይኰነስ ዘይማዕርነትን ግጭታትን ዚፈጥር ወይ ዜጋድዶ ተክኖሎጅያዊ ምዕባለታት ናይ ሓቂ ዕቤት ተባሂሉ ኺጽዋዕ የብሉን" እውን በሉ።
በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ኣገልግሎእት ጥዑይን፡ ዝያዳ ሰብኣዊን፡ ዝያዳ ማሕበራዊ ከምኡውን ኣብ ምኡእ ሰብኣዊ ዕቤት ክውዕል ዘለዎ ክብሉ ውን ገለጹ።
ትግሃትን ንቑሕ ምዃንን
"ኣብ ወጋሕታ እተራእየ ዕቤት ንኣገዳስነት ማሕበረሰብ እንደገና ምርካብን ነታ ብኣምላኽ እተዋህበና ሓባራዊ ቤት ንምክንኻን ሓድሽ ቈራጽነት ንምግባርን ዝሓትት ኢዩ" ብምባል ውን ኣትሪሮም ኣመልከቱሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም "ንሓደ እተሓላለኸ ነገራት ንምፍላጥ መንግስታትን ትካላትን ግቡእ ትግሃትን ንቑሓትን ኪዀና ኣለወን " ውን በሉ ። ኣብዚ መዳይ እዚ "ኣጠቓቕማኡ ንሰብኣዊ ኽብርን ሞያ ሓባራዊ ጥቕምን ዜደንፍዕ እንተ ዀይኑ ንምውሳን፣ ንውልቀ-ሰባት ብፍላይ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ኣብ ጥቕሞም ንምውዓል ብጥንቃቐ ኺግምግሙ" ተማሕጸንዎም።
እቲ ብዛዕባ ጥቕምን ጕድኣትን ናይ ናይ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ኣብ እተፈላለየ መዳያት እተዛረበ ብምጥቃስ ቅዱስ ኣቦና፣ "ልክዕ ከምቲ ኣብ ብዙሕ ተክኖሎጅያዊ መሳርሒታት እተራእየ እቲ እተፈላለየ ኣጠቓቕማ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ውን ውጽኢቱ ዘይተጸበናዮ ክኸውን ይኽእል ኢዩ” በሉ።
ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ንሓባራዊ ረብሓ ክውዕል ኣለዎ
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ብምባል ውን ኣጕልሑ - "ኣጠቓቕማኡ ኣብ ማሕበራውን ሓባራውን ጽልዋኡን እናነጸረ ምስ ከደ ኣብ ኵሉ ደረጃታት ሕብረተሰብ ግቡእ ምላሽ ክወሃብ ኣለዎ ። "
"ተጠቀምቲ ውልቀ-ሰባት፡ ስድራቤታት፡ ሲቪላዊ ማሕበረሰብ፡ ትካላት፡ ተቕዋማት መንግስታት ከምኡውን ኣህጉራውያን ማሕበራት ንጥቕሚ ዅሎም ሰባት ዘተኰረ ከም ምዃኑ ንምርግጋጽ ኣብ ግቡእ ተረጃታቶም ክዓዩ ኣለዎም" ክብሉ ውን መልእኽቶም ዛዘሙ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ነቲ ኣብቲ ዋዕላ ዝግበር ምይይጥ ብጸሎት ጽቡቕ ትምኒቱ ብምግላጽን ንዅሎም እቶም ተሳተፍቲ መለኮታዊ በረኸት ብምጽዋዕን ኣብ መደምደምታ በጽሑ ።